ግምታት ላውሮ፡ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ትዕወት ዶ ትኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ትሕቲ ግዚያዊ ኣሰልጣኒ ኦሊ ጉናር ሶልሻየር፡ ፈላሚ ጸወትኣ ንምክያድ ናብ ካርዲፍ ክተምርሕ'ያ።
ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ ማርክ ላውረንሰን: "ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበረት ማንቸስተር ኣዝያ ዝተፈልየት ጋንታ ክንርኢ ኢና፤ ኣብ ትሕቲ ሆዜ ሞሪንዮ ውጽኢታውያን ዘይነበሩ ተጻወትቲ ኣቓልቦ ስለዝወሃቦም፡ ዘለዎም ብቕዓት ንምርኣይ ክጻወቱ ኢዮም" ኢሉ።
ላውሮ ኣብ ግጥማት ቀዳመ ሰንበት፡ ግምታትቱ፡ ብኸምዚ ኣቐሚጡ ኣሎ።
ዓርቢ
ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ዎልቭስ ምስ ሊቨርፑል
ድሕሪ ሽዱሽተ ጸወታታት ንሰለስተ ንተኸታሊ ሰለስተ ግዜ ዝተዓወቱ ዎልቨስ ሎሚ ምሰ ሊቨርፑል ዝቕጽልዎ ኣይመስለንን ብምባል፡ ሊቨርፑል 2 ብ 1 ከም እትዕወት ገሊጹ።
ቀዳም
ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ኣርሰናል ምስ በርንለይ
ኣርሰናል ኣብ ፕረሚየር ሊግ ብሳውዛምፕተን ድሕሪ ዝበጽሓ ስዕረት፡ ኣሰልጣኒ ኡናይ ኤምሬ ኣብ ዓወት ጥራይ ኣተዂሩ እዩ ዝጻወት ዘሎ፤ ንበርንለይ 2 ብ 0 ክትዕወተላ ኢያ።
ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ቦርንማውዝ ምስ ብራይተን
ቦርንማውዝ ወላኳ ካብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ግጥማት፡ ኣብ ሸውዓተ እንተ ተሳዕሩ፡ ንብራይተን ግና 2 ብ 0 ክስዕሩ ምዃኖም ገሚቱ ኣሎ ላውሮ።
ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ቸልሲ ምስ ለይስተር
ቸልሲ ንለይስተር 2 ብ 0 ክትዕወተላ'ያ
ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ሃደርስፊልድ ምስ ሳውዛምፕተን
ክልቲአን ጋንታታት ዝተቐራረበ ነጥቢ እኳ እንተኣለወን፡ ሃደርስፊልድ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ጸወታታት ተሳዒራ ኣላ ብምባል 1 ብ 1 ከም ዝፈላለያ ይገልጽ።
ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ማንቸስትር ሲቲ ከክሪስታል ፓላስ
ክሪስታል ፓላስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣገዳሲ ዓወት ዘመዝገቡ እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ስታድዩም ኢቲሃድ ኣይክደግምዎን ኢዮም፤ 3 ብ 0 ክሰዓሩ ኢዮም ኢሉ ላውሮ።
ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ኒውካስል ምስ ፉልሃም
ኒውካስል ኣብ ሜድኦም ነጥቢ ምርካብ ዝኸብዶም እኳ እንተኾነ፡ ንፉልሃም 2 ብ 0 ክዕወቱሎም ኢዮም።
ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ዌስትሃም ዩናይትድ ምስ ዋትፎርድ
ዌስትሃም ጽቡቕ ብምንቅስቓስ፡ ኣርባዕተ ጸወታታት ክዕወቱ ክኢሎም ኣለው። ኣብ ፈለማ ዝነበሮም ናይ መስመር ምክልኻል ጉድለታት ዝኣረምዎ ይመስል።
እዚ ግጥም ምግማቱ ኣሸጋሪ'ኳ እንተኾነ፤ ዋትፎርድ 2 ብ 0 ክዕወቱ ኢዮም።
ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ካርዲፍ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ
ካርዲፍ ኣብ ሜድኣ ካብ ዝገበረቶ ሓሙሽተ ጸወታታት ነቶም ኣርባዕተ እኳ እንተ ተዓወተት እዚ ግና ዝተፈልየ ኢዩ። ሓድሽ ኣሰልጣኒ ክመጽእ ከሎ፤ ኩሉ ተጻዋቲ ኣቕሙ ከርኢይ ኢዩ ዝፍትን።
ኦሊ ጉናር ሶልሻየር ነዚ ጸወታ ብቐሊሉ ዝዕወተሉ ኮይኑ ቀጻሊ ስጉምቲ እታ ጋንታ ብዙሓት ብሓንቀውታ ዝጽበይዎ ኢዩ። ካርዲፍ 2 ብ 0 ክትሰዓር ያ።
ሰንበት
ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ኤቨርተን ምስ ቶተንሃም
ኣሰልጣኒ ቶተንሃም ማውሪስዮ ፖቸቲኖ ኣብ ክረምቲ ናብ ማንቸስተር ዩናይት ክኸዱ ኢዮም ዝብል ጽንጽንታ ነቶም ተጻወትቲ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ፤ ጸወታ 1 ብ 1 ክዛዘም ኢዩ ክብለ ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ ማርክ ላውረንሰን ግምታቱ ኣስፊሩ ኣሎ።