ግምታት ላውሮ፡ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ትዕወት ዶ ትኸውን?

ኦሊ ጉናር ሶልሻየር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ትሕቲ ግዚያዊ ኣሰልጣኒ ኦሊ ጉናር ሶልሻየር፡ ፈላሚ ጸወትኣ ንምክያድ ናብ ካርዲፍ ክተምርሕ'ያ።

ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ ማርክ ላውረንሰን: "ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበረት ማንቸስተር ኣዝያ ዝተፈልየት ጋንታ ክንርኢ ኢና፤ ኣብ ትሕቲ ሆዜ ሞሪንዮ ውጽኢታውያን ዘይነበሩ ተጻወትቲ ኣቓልቦ ስለዝወሃቦም፡ ዘለዎም ብቕዓት ንምርኣይ ክጻወቱ ኢዮም" ኢሉ።

ላውሮ ኣብ ግጥማት ቀዳመ ሰንበት፡ ግምታትቱ፡ ብኸምዚ ኣቐሚጡ ኣሎ።

ዓርቢ

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ዎልቭስ ምስ ሊቨርፑል

ድሕሪ ሽዱሽተ ጸወታታት ንሰለስተ ንተኸታሊ ሰለስተ ግዜ ዝተዓወቱ ዎልቨስ ሎሚ ምሰ ሊቨርፑል ዝቕጽልዎ ኣይመስለንን ብምባል፡ ሊቨርፑል 2 ብ 1 ከም እትዕወት ገሊጹ።

ቀዳም

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ኣርሰናል ምስ በርንለይ

ኣርሰናል ኣብ ፕረሚየር ሊግ ብሳውዛምፕተን ድሕሪ ዝበጽሓ ስዕረት፡ ኣሰልጣኒ ኡናይ ኤምሬ ኣብ ዓወት ጥራይ ኣተዂሩ እዩ ዝጻወት ዘሎ፤ ንበርንለይ 2 ብ 0 ክትዕወተላ ኢያ።

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ቦርንማውዝ ምስ ብራይተን

ቦርንማውዝ ወላኳ ካብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ግጥማት፡ ኣብ ሸውዓተ እንተ ተሳዕሩ፡ ንብራይተን ግና 2 ብ 0 ክስዕሩ ምዃኖም ገሚቱ ኣሎ ላውሮ።

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ቸልሲ ምስ ለይስተር

ቸልሲ ንለይስተር 2 ብ 0 ክትዕወተላ'ያ

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ሃደርስፊልድ ምስ ሳውዛምፕተን

ክልቲአን ጋንታታት ዝተቐራረበ ነጥቢ እኳ እንተኣለወን፡ ሃደርስፊልድ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ጸወታታት ተሳዒራ ኣላ ብምባል 1 ብ 1 ከም ዝፈላለያ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ማንቸስትር ሲቲ ከክሪስታል ፓላስ

ክሪስታል ፓላስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣገዳሲ ዓወት ዘመዝገቡ እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ስታድዩም ኢቲሃድ ኣይክደግምዎን ኢዮም፤ 3 ብ 0 ክሰዓሩ ኢዮም ኢሉ ላውሮ።

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ኒውካስል ምስ ፉልሃም

ኒውካስል ኣብ ሜድኦም ነጥቢ ምርካብ ዝኸብዶም እኳ እንተኾነ፡ ንፉልሃም 2 ብ 0 ክዕወቱሎም ኢዮም።

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ዌስትሃም ዩናይትድ ምስ ዋትፎርድ

ዌስትሃም ጽቡቕ ብምንቅስቓስ፡ ኣርባዕተ ጸወታታት ክዕወቱ ክኢሎም ኣለው። ኣብ ፈለማ ዝነበሮም ናይ መስመር ምክልኻል ጉድለታት ዝኣረምዎ ይመስል።

እዚ ግጥም ምግማቱ ኣሸጋሪ'ኳ እንተኾነ፤ ዋትፎርድ 2 ብ 0 ክዕወቱ ኢዮም።

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ካርዲፍ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ

ካርዲፍ ኣብ ሜድኣ ካብ ዝገበረቶ ሓሙሽተ ጸወታታት ነቶም ኣርባዕተ እኳ እንተ ተዓወተት እዚ ግና ዝተፈልየ ኢዩ። ሓድሽ ኣሰልጣኒ ክመጽእ ከሎ፤ ኩሉ ተጻዋቲ ኣቕሙ ከርኢይ ኢዩ ዝፍትን።

ኦሊ ጉናር ሶልሻየር ነዚ ጸወታ ብቐሊሉ ዝዕወተሉ ኮይኑ ቀጻሊ ስጉምቲ እታ ጋንታ ብዙሓት ብሓንቀውታ ዝጽበይዎ ኢዩ። ካርዲፍ 2 ብ 0 ክትሰዓር ያ።

ሰንበት

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ኤቨርተን ምስ ቶተንሃም

ኣሰልጣኒ ቶተንሃም ማውሪስዮ ፖቸቲኖ ኣብ ክረምቲ ናብ ማንቸስተር ዩናይት ክኸዱ ኢዮም ዝብል ጽንጽንታ ነቶም ተጻወትቲ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ፤ ጸወታ 1 ብ 1 ክዛዘም ኢዩ ክብለ ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ ማርክ ላውረንሰን ግምታቱ ኣስፊሩ ኣሎ።