ሱዳን፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሱዳን መንብዒ ጋዝ ነዚሑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ዓመጽ ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ መዓልታት ቐጺሉ'ሎ
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ሱዳን ኣንጻር መንግስቲ ዝተልዓለ ተቓውሞ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ይላባዕ ኣሎ።
ፖሊስ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰልፊ ተቓውሞ ዘካይዱ ዘለው ሰባት፡ መንብዒ ጋዝ ተጠቒሙ።
ትማሊ ሰንበት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ስታዲየም፡ መገዲ ዓጽዮም ውዒሎም።
ተቓወምቲ ካብ ሮቡዕ ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ 22 ሰባት መይቶም። ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ሱዳን ግን እዚ ቑጽሪ የትሕትዎ።
ናዕቢ ሱዳን፡ ብምኽንያት ወሰኽ ዋጋ ባንን ነዳድን'ዩ ተላዒሉ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዋጋ ገለ ጠለባት ብዕጽፊ ክውስኽ እንከሎ፡ ዝቕባበ ዋጋ ናብ 70 ሚኢታዊት ተጸጊዑ ይርከብ።
ሓካይም'ውን እንተኾኑ፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣል-በሽር ጸቕጢ ንምሕዳር፡ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ገለ ኣባላቶም ናብ ሰልፊ ከም ዝወጽኡ ተዛሪቦም።
እንታይ'ዩ እቲ ምዕባለ?
ብሰንበት ዝተወለዐ ናዕቢ፡ ኣብ ካርቱም ድሕሪ ዝነበረ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ'ዩ ተላዒሉ።
ፖሊስ መጺኡ መንብዒ ጋዝ ክሳብ ዝብትን፡ ካብቲ ስታዲየም ዝወጽኡ ሰባት መገዲታት ዓጽዮም፡ ኣንጻር መንግስቲ ይጭርሑ ነይሮም።
ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝወጽአ ምስሊ፡ እቲ ምልዕዓል ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሱዳን ይላባዕ ኣሎ።
ኮሚቴ ዶኳትር ሱዳን፡ ኣባላቱ ኣብ ሆስፒታላት ተቓውሞ ከም ዘስምዑን፡ በዚ ምኽንያት ድማ ልውውጥ ተኹሲ ብዙሓት ከም ዝቖሰሉን ከም ዝሞቱን ገሊጹ።
ዝሓለፈ ሰንበት፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሱዳን፡ ወዲ 85 ዓመት መራሒ ፋሮክ ኣቡ ኢሳ ዝርከቦም 14 ኣመራርሓ ኤንሲኤፍ ዝተብሃለ ተቓዋሚ ሰልፊ ከም ዝኣሰሩ ይግለጽ።
"ቶሎ ክፍትሑ ሓቲትና ኢና፤ ማእሰርቲ ኣባለትና ድማ ነቲ ኣብ ጎደናታት ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ጠጠው ንምባል'ዩ" ኢሉ ወሃቢ ቓል እቲ ሰልፊ ሳዲቕ ዮሱፍ።
ተቓወምቲ እንታይ ይብሉ?
ብቐዳም፡ መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ኡማ ሳዲቕ ኣል-ማህዲ፡ "ዕጥቃዊ ቓልሲ" ብምባል እንትኹንን፡ እቶም ሰልፈኛታት ኣብታ ሃገር "እናተዳኸመ ዝመጽኡ" ኩነታት ዘልዓሉዎ'ዩ ኢሉ።
መንግስቲ ኣል በሽር ድማ ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ክገብር ኣለዎ ወይ'ውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ሱዳን ክቐርብ ኣለዎ ኢሉ።
ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣልማሃዲ፡ ክሳብ ሕጂ 22 ሰባት ተቐቲሎም ይብል
ካብ 1966 ክሳብ 1967 ቐጺሉ ድማ 1986 ክሳብ 1989 ዓመተ ፈረንጂ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝነበረ ማህዲ፡ ንሓደ ዓመት ኣብ ስደት ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ ሮቡዕ'ዩ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።
ንሱ ዝምረሖ ዝነበረ መንግስቲ እቲ ናይ መወዳእታ ብዲሞክራሲያዊ መገዲ ዝተመረጸ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ 1989 ዓመተ ፈረንጂ ብኣል በሽር ብዝተላዕለ ዕልዋ መንግስቲ ግን ካብ ስልጣን ተኣልዩ።
ፕረዚደንት ኣል በሽር ድማ፡ ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኣብ ምዕራብ ሱዳን ኣንጻር ሰብኣዊ መሰላት ኲናት ብምእዋጅ ክኽሰስ ጸኒሑ'ዩ።
ቑጠባ ሱዳን
ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣል-በሽር፡ ኣብ 1990ታት ኣሜሪካ፡ ንጉጅለታት ግብረ ሽበራ ይድግፍ'ዩ ብምባል፡ ማዕቐብ ንግዲ ኣንቢራትሉ ነይራ።
ኣብ 2011፡ ደቡብ ሱዳን ካብ ሱዳን ርእሳ ኽኢላ ምስ ወጽአት፡ ህይወት 1.5 ሚሊዮን ሰባት ናብ ዝበልዐ ኲናት ሓድ ሕድ ኣትያ።
ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ ኣብ ምዕራብ ዞባ ዳርፉር ዝጉሃሃር ዘሎ ግጭት ድማ፡ ክልተ ሚሊዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተመዛበሉን፡ ልዕሊ 200 ሽሕ ተቐቲሎም።
ኣሜሪካ ኣብታ ሃገር ዘንበረቶ ማዕቀብ ኣብ 2017'ኳ እንተልዓለት፡ ቑጠባ ሱዳን ግን ክሳብ ሕጂ ዝሕቱል ዕብየት እዩ ኣርእዩ።

ሱዳን፡ ሰልፈኛታት ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም ህይወት ሰባት ጠፊኡ
ኣብ ሱዳን ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝተልዓለ ናዕቢ፡ ሰልፈኛታት ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም።