ተመራመርቲ ብግዲ ሕጉስ ምኻን ኣይከኣልን ክብሉ ደምዲሞም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ህይወቶም ኣዝዮም ሕጉሳት ክኾኑ ዝደልዩ ሰባት ብዙሓት'ዮም። እንተኾነ ግን፡ ሓጎስ ኽሳዱ ሓኒቕኻ ኣገዲድኻ እተምጽኦ ስምዒት ኣይኮነን።
እዚ ዝበሉ ተመራመርቲ፡ ሕጉስ ህይወት እናርሓቖም ዝኸዱ ሰባት ብዛዕባ "ሕጉስ ምኻን" ዚያዳ ዝሓስቡ ሰባት'ዮም ክብሉ መእሰሪ ሂቦም ኣለው።
ሓጎስ ድኣ ከመይ ኣቢልካ ይርከብ? ንመንከ ይመስል? ከየቋረጽኻ ምስሓቕ ምልክት ሓጎስ ድዩ?
ምችኦት ዝመልኦ ህይወት ምንባርከ? .....ጭራ ሓጎስስ ከመይ ኣቢልካ ይትሓዝ?
ኣብዚ ዙርያ፡ ብርክት ዝበሉ መጽናዕታት ስነ ልቦና ተኻይዶም'ዮም። በብግዚኡ ዝቀያየሩ መደምደምታት ድማ በቶም ሰብ ሞያ ተበጺሖም'ዮም።
እቲ ሓደ ዕሩይ ዝበሃል መዕለቢ እምበኣር እዚ ዝስዕብ'ዩ።
ጭራ ሓጎስ ዓቲረ'የ ዝብል ኣሎ'ዶ?
ንብዙሓት ሰባት፡ ሓጎስ ናይ ምርጫ ጉዳይ'ዩ። ብኣተሓሳስባ እዞም ሰባት፡ ደስታ ፍርያት ጻዕሪ'ዩ።
ደስታ ዝደሊ ሰብ፡ ልክዕ ከምታ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዝሓሸ ውጽኢት ኣምጺኡ ክሓልፍ ዝደሊ ንፉዕ ተምሃሪ፡ ለይትን መዓልትን ክጽዕር ኣለዎ።
ደራሲት ኤልዛቤት ጊልበርት "Eat, Pray, Love" ኣብ ዝብል መጽሓፋ ከምዚ ኢላ ነይራ፤
"ደስታ ፍርያት ጻዕሪ'ያ። ትቃለስ፣ ትወድቕ፣ ገለ ሻብ ድማ ለይቲ ተንሲእኻ ንኣለሻ ትወጽእ፣ ሃገርን ኣህጉርን ተቋርጽ። በረከት ኾፍ ኢልካ ኣይመጽእን። ክትእልሾ ኣለካ። ጭራ ደስታ እንትትሕዝ ድማ፡ ካብ ኢድካ ከይትወጽእ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ክትገብር ኣለካ"።
ከምዚ ዓይነት ደስታ "ብባትሪ ኣሊሽካ ርኸቦ" ዝብሉ'ውን ኣይሰኣኑን። ተመራመርቲ ግን፡ "ደስታ ክትእልሽ እንተወጺእኻ ጥራሕ ኢድኻ ኢኻ ትምለስ፡ ደስታ ብኣለሻ ኣይርከብን" ይብሉ።
ንኣለሻ ደስታ ዝወጽኡ ሰባት፡ ንጭንቂ፣ ብሕታውነትን ውድቀትን'ዮም ዝቃልዑ ኢሎም።
እዚ መጽናዕቲ እግረ መገዱ፡ ኣብ እዋን በዓላት ንኸቢድ ጽዕንዕንታ ዝኣትው ሰባት ሓድሽ ሓሳብ ኣአንፊቱ ኣሎ።
ኣብ በዓል ልደት፣ ሓድሽ ዓመት፣ ዒድ ገለ ሻብ ድማ ኣብ ዝተወለድሉ መዓልቲ፡ ኣብ መንቀርቑዖ ጽዕንዕንታ ዝኣትው ሰባት፡ ደስታ እንተድኣ ዘይጨቢጥናያ ሞይትና ንግነ ኣለና ስለ ዝብሉ'ዮም። ደስታ ተቓሊሳ እተምጽኦ፣ መዓልቲ ሓሊኻ እትረኽቦ ኣይኮነን።
"ሕጉስ ኹን!" ዝብሉ ሓጎስ ዘይብሎም መጽሓፍቲ
ኣብ ካሊፎርኒያ ተመራማሪት ዩኒቨርሲቲ ባርክሌይ ኣይሪስ ማውስ፡ ብዛዕባ ደስታን ሕጉስ ምኻንን እንትተጽንዕ፡ እግረ መገዳ ዘነቓቕሑ ዝበሃሉ መጽሓፍቲ ተዓዚባቶም'ያ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት፡ እዞም መጽሓፍቲ ዕዳጋ መጽሓፍ ኣሜሪካ ተቖጻጺረሞ ነይሮም።
እዞም መጽሓፍቲ ሓደ ዝገብሮም ነገር እንተሃለወ፡ ብዛዕባ ደስታ ዘለዎም ትሕዝቶ'ዩ። ብህይወት ክትነብር እንተኾይንካ፡ ሕጉስ ክትኸውን ኣለካ ይብሉ።
"ሕጉስ እንተዘይኮይንካ ንምንታይ ትነብር?" ይብሉ። ሕጉስ ህይወት ክህልወካ ኣለዎ እናበሉ ድማ፡ ኣቋራጺ መገዲታት ዝበሉዎም ነጥቢታት ይዝርዝሩ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ጥዑይ፣ ብሰላም ዝነብር ዝነበረ ሰብ እዞም መጽሓፍቲ ምስ ኣንበበ፡ "ኣሃ! ኩል ግዘ ሕጉስ ክኸውን ኣለኒ"......ዚሉ ክሓስብ ይጅምር።
ሕዚ ሕጉስ ኣይኮንኩን ዘለኹ። 'ኣዝየ ሕጉስ ሰብ ክኸውን ኣለኒ' እናበለ ምስ ርእሱ ክትዕ ኸፊቱ፡ ምስ ውሽጣዊ ስምዒታቱን ስሩዕ ህይወቱን ናብ ጎንጺ ይኣቱ።
ተመራማሪት ኣይሪስ ከም እትብሎ፡ ሓደ ሰብ ንርእሱ፡ "ክንደየናይ ግን ሕጉስ እየ?" ኢሉ እንተሓቲቱ፡ ኣኸለ ምስ ሓጎስን ደስታን ተፈላልዩ ኣሎ ማለት'ዩ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መን ድኣ'ዩ እቲ ሕጉስ?
መጽናዕቲ በዓል ኣይሪስ ብዙሓት ክፋላት ኣለውዎ። ካብ ከቢድ ሓዘን ዝወጽኡ ሰባት'ውን ኣካቲቱ'ዩ።
ፊልሚ ክርእዩ ዝተገበሩ ሰባት'ውን ነይሮም። ሕጉስ ብዛዕባ ምኻን ዘመላኽቱ መጽሓፍቲ ዘንበቡ ሰባት ድማ፡ ቀንዲ ትኹረት እቲ መጽናዕቲ ነይሮም።
ብዝገርም ኩነታት፡ ካልእ ትሕዝቶ ዘለዎም መጽሓፍቲ ካብ ዘንበቡ ብዝተፈለየ፡ ዘነቓቕሑ መጽሓፍቲ ዘንበቡ "ሕጉስ ክኸውን ኣለኒ" ኣብ ዝብል ሓድሽ ሓሳብ ጥሒሎም ተረኺቦም።
እዞም ሰባት፡ እቲ ዘንብቡዎ መጽሓፍ ምስ ኣፈራቐዩ፡ ብዛዕባ ሕጉስ ህይወትን ደስታን ዝነበሮም ስምዒት ስለ ዝንሃረ፡ ዘለዎም ህይወትን ኩነታትን ክነቕፉዎ ጀሚሮም።
እዚ ተመሳሳሊ ስምዒትን ድልየት ልዑል ደስታን፡ ኣብ መርዑት'ወን ተንጸባሪቑ'ዩ። ንመርዕኦም ልዑል ቦታ ብምሃቦም፡ ኣብ ጽባሕ መርዕኦም ኣብ ናይ ደስታ ባሕሪ ከም ዝሕምብሱ ስለ ዝኣመኑ ጥራሕ፡ ንዝኸፍአ ጽዕንዕንታ ተቓሊዖም ተረኺቦም።
ብዙሓት እዚ ስምዒት ኣጓኒፉዎም'ዩ። ናብ ኽቡር ናይ መዛነዪ ቦታ ዝኸዱ ሰባት ኣብ ጽብሑ ብሕታውነት ይስመዖም። ብኣንጻሩ ኣጋጣሚ ዝብገሱ ሰባት ዝያዳ ደስታ ክረክቡ ይኽእሉ።
እምብኣር መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ባርክለይ፡ "እዚ ደስታ ኹዒትካ ከም ዘይርከብ'ዩ ዝነግረና" ይብል።
ንምንታይ? እንተተብሃለ፡ ደስታ ክተረክብ ለይትን መዓልትን ምጽዓር፡ ስምዒትኻ ብዘየድሊ ደረጃ ክተዳምጾ የገድደካ። ብዛዕባ ርእስኻ ኣብዚሕኻ ክትሓስብ ድማ ይገብር። እቲ ነባራዊ ከባቢኻ ሸፊኑ፣ ተፈጥሮ ከይተድንቕ ይጋርደካ።
ካልእ ተመራማሪ ማግሊዮ ካብ ካናዳ ሓደ ተወሳኺ ሓሳብ ኣልዒሉ።
ኣብ ፌስቡክ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተጸመዱ ሰባት፡ ደረጃ ሓጎሶም እናነከየ'ዩ ዝመጽእ። እዚ፡ እቲ ዝርእዩዎ ነገር ብዛዕባ ርእሶም ስለ ዝነግሮም'ዩ። ኣነ ከም እገለ ሕጉስ ክኸውን ኣለኒ እናበሉ ክሓስቡ ስለ ዝግደዱ'ዩ ይብል።
እቲ መጽናዕቲ ነዊሕ'ኳ እንተኾነ፡ እዚ ዝስዕብ መእሰሪ ግና ኣቐሚጡ'ሎ።
እግሪ እግሪ ደስታ ምጉያይ፡ ልክዕ ኣብ ዘይ ደምብኡ ዝተረኸበ ብዕራይ ምብራር'ዩ።

ኣብ ህንዲ ዘለዋ ኣብያተ መግቢ ፍርቂ ብርጭቆ ማይ'የን ዘቕርባ
እዚ፡ ምልክት ንመጻኢ ዓለም እትፍተነሉ ሕጽረት ማይ'ዶ ይኸውን?