ኢንዶኔዥያ፡ ቁጽሪ ግዳያት ሱናሚ 373 በጺሑ

ሱናሚ 281 ሰባት ኣብ ኢንዶኔዢያ ቀቲሉ Image copyright Reuters/AntraFoto

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዘጋጠመ፡ ምትኳስ እሳተጎመራ ኣናክ ክራካታው፡ ዘስዓቦ ሓያል ማዕበል ዝሞቱ ሰባት፡ ቁጽሮም 373 ከም ዝበጽሐ ትካል ምቅላል ሓደጋ ኢንዶነዥያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ገማግም ደሴታት ሱማትራን ጃቫን ዝርከባ ከተማታት ብቐዳም ሓያል ማዕበል ኣጋጢምወን።

መበገሲ እቲ ሓያል ማዕበል ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ምዃኑ ይግመት።

ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ሱቱፖ ፑርዎ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "1459 ሰባት መጉዳእቲ ክበጽሖም ከሎ፡ 128 ዛጊት ሃልዋቶም ኣይተረኽበን" ኢሉ።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ጥቓ`ቲ እሳተጎመራ ኣናክ ክራካታው ዝነብሩ ኢንዶነዢያውያን ሓድሽ ሓደጋ ሱናሚ ክህሉ ስለዝኽእል ካብ`ቲ ቦታ ክርሕቁ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ነይሩ።

ኣናክ ክራካታው ብሰንበት ደጊሙ ክትኮስ ከሎ፡ ሓሙኽሽተን ትክን ናብ ሰማይ ተፊኡ።

ብሓንቲ ናይ ክራይ ነፋሪት ዝተሳእለ ምስሊ ቪድዮ ንመጠን ናይ`ቲ ኣብ መንጎ ሱማትራን ጃቫን ዝተላዕለ እሳተጎመራ ኣርእዩ።

ምዕጻው መንገድታት ድማ ንመስርሕ ህይወት ኣድሕን ዓንቂፍዎ ይርከብ፡ ከበድቲ ነገራት ዘልዕላ ማሽናት ግን ብሂወት ንዝተረፉ ሰባት ንምድሓን ናብ`ቲ ቦታ ይንቀሳቐስ ኣሎ።

እንታይ ዓይነት መጠንቀቕታ`ዩ ተዋሂቡ ነይሩ?

ኣፈኛ ናይ`ቲ ሃገራዊ ምምሕዳር ሓደጋ ሱቶፖ ፑርዎ ኑግሮሆ ብምኽንያት`ቲ ዘሎ እሳተ-ጎመራዊ ምንቅስቓስ ሓዲሽ ሱናሚ ክህሉ ተኽእሎ ከምዘሎ ሓቢሩ።

`ኣብ ገማግም ባህሪ ዝነብር ህዝቢ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ከይገብርን ካብ`ቲ ቦታ ክርሕቕን ኣገንሲ ሜትሮሎጂን ጂኦፊሲክስን ወሲኑሎ` ኢሉ ንሱ።

እቲ ኣብ 1927 ዝጀመረ እሳተጎመራ ኣናክ ካራካታው ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ልዑል ምንቅስቓስ ከርኢ ብምጅማሩ ሰባት ምንቅስቓሶም ኣብ`ቲ ከባቢ ደው ከብሉ ተማዒዶን ነይሮም።

መስርሕ ኣቐዲምካ ምጥንቃቕ ናይ ኢንዶነዢያ ንምንቅጥቃጥ መሬት ድአ`ምበር ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝፍጠር ምድርማስ መሬትን እሳተ-ጎመራን መጠንቀቕታ ክህብ ዓቕሚ የብሉን ኢሉ ሚስተር ሱቶፖ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።

ንምታይ`ዩ`ቲ ናይ ቀዳም ሱናሚ ቀዛፊ ነይሩ?

እቲ ሱናሚ ኣብ መዓልቲ በዓል`ዩ ኣጋጢሙ። ብምንቅጥቃጥ መሬት ተላዒሉ እንተዝኸውን ግን ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት ምተዋህበ ነይሩ።

ከምዘይ ብምንቅጥቃጥ መሬት ዝለዓል ሱናሚ፡ ዓቐን ማይ ባሕሪ ኣይዘሓጠን፡ ክኢላታት ድማ መጠንቀቕታ ዝህባ ተንሳፈፍቲ ኣብ`ቲ እንተዝነብራ`ውን መጠንቀቕታ ዘውህብ እኹል ጊዜ ኣይነበረን ይብሉ።

እቶም ማዕበላት ኣብ`ተን መስሕብ በጻሕቲ ሃገር ዝኾና ውሩያት ታንጁንግን ጃቫን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ህንጻታት ኣፍሪሶም፡ መካይን ጸራሪጎም ወሲዶምን ንግራብ ድማ ካብ ሱሮም ቦርቊቖም ኣውጺኦሞም።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘግሐ ምስሊ ቪድዮ ድማ ማዕበል ምይ ንሓደ እታ ውርይቲ ጉጅለ ባንድ ኢንዶኔዢያ ምርኢት እተርእየሉ ዝነበርት ብቴንዳ ዝተሰርሐ መድረኽ ጥሒሱ ክእቱን፡ ኣባላት`ታ ጉጅለ ድማ በቲ ማዕበል ተገፊፎም ክውሰዱን ኣርእዩ።

መበገሲ`ቲ ሱናሚ እንታይ`ዩ?

ኩሉ ኣብ`ቲ ቦታ ዝነብር ሰብ ብዛዕባ`ቲ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ዝጀመረ ኣናክ ክራካታው ነቒሑ ምጸንሐ፡ እንተኾነ ግን እቲ ምጉርምራም ናይ`ቲ ነትጒ ትሑት ከምዝነበረ ክኢላታት ሓቢሮም።

ኢንዶነዢያ ኣብ መስመር ናይ`ቲ ብዓንኬል ሓዊ [ሪንግ ኦፍ ፋየር] ተባሂሉ ዝፍለጥ ቀጻሊ ምንቅጥቃጥ መሬትን ነትጒ እሳተ-ጎመራን ዝራኣየሉ መስመር ብምህላዋ ንሱናሚ ዝተሳጥሐት ሃገር`ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ደሴት ሱላወሲ ናይ`ታ ሃገር ብዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ መሬት ልዕሊ 200 ሰባት ሞይቶም ነይሮም፡ ወደባዊት ከተማ ፓሉ ድማ ብሱናሚ ተዋሒጣ ነይራ።

ኣብ ዕለት 26 ታሕሳስ ናይ 2004 ድማ ኣብ 13 ሃገራት ናይ`ቲ ከባቢ ብዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ መሬት ኣስታት 228,000 ሰባት ተቐቲሎም ነይሮም፡ መብዛሕትኦም ግዳያት ድማ ኣብ ኢንዶነዢያ ነይሮም።

እንተኾነ ግን ብኸምዚ ዝኣመሰሉ ብእሳተ-ጎመራዊ ምንቅስቓስ ዝለዓሉ ማዕበላት ሱናሚ ግን ብዙሓት ኣይኮኑን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ