ጳጳስ ፍራንቸስኮ ቊሳዉነትን ድኽነትን እዛ ዓለም ኾኒኖም

ፖፕ ፍራንሲስ፡ ድሮ በዓል ልደት ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ 24 ታሕሳስ 2018

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዘለው ሰባት፡ ቀሊልን ቊሳዉነት ዘይበዝሖን ህይወት ክነብሩ ተማሕጺኖም።

ኣብ ሞንጎ ድኻን ሃብታምን ዘሎ ፍልልይ ድሕሪ ምኹናን፡ እየሱስ ክርስቶስ ብህድኣት ኣብ ድኽነት ምውላዱ፡ ኩሉ ሰብ ትርጉም ህይወት ንምንጽብራቕ እዩ ኢሎም።

ኣቡነ ፍራንቸስኮ ትማሊ ኣብ ድሮ በዓል ልደት ፈረንጂ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ስርዓተ ቅዳሴ መሪሖም። እዚ ከኣ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም በዓል ልደት ዝመርሑ ንመበል ሻድሻይ ግዜኦም'ዩ።

ልደተ ክርስቶስ ብምብላዕን ሃብቲ ብምኽዕባትን ዘይኮነ፡ ብምሃብን ብምክፋልን ዝንበር ሓድሽ መገዲ ህይወት ዘብሰረ'ዩ ድማ ኢሎም።

ብተወሳኺ፡ "ኩልና ንርእስና ንሕተት፤ ብዙሕ ንብረት ምኽዕባት የድልየና ድዩ? ብዘይ እዞም ኣገደስቲ ዘይኮኑ ተወሳኺ ነገራት ከይሓዝኩ ዝሓሸን ቐሊልን ህይወት ክነብር ይኽእል ድየ?' ንበል" ኢሎም።

"ሰባት፡ ትርጉም ህይወት ኣዝዮም ብዙሓትን ዝተሓላለኹን ነገራት ብምውህላል ዝርከብ ዝመስሎም ኣለው። እዚ ስስዐ፡ ሕሉፍ ታሪኽ ደቂ ሰባት ሓዊሱ ክሳብ ሕጂ ብዙሓት መዓልታዊ መግቢ እንከይረኸቡ ትርፊ ብዝኾኑ ነገራት ክንደላቐቕ ኢና ንዕዘብ" ብምባል ሰባት ካብ ቊሳዊ ህይወት ክወጽኡን ንድኻታት ክካፍሉን ኣገንዚቦም።