ኣመሓዳሪት ዞባ ሜክሲኮ ማርታ ኤሪካ ኣሎንሶ፡ ብሓደጋ ነፋሪት ሞይታ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓዳሽ ኣማሓዳሪት ዞባ ፑዌብላ ሜክሲኮ ኮይና ዝተመርጸት ማርታ ኤሪካ ኣለንሶ ሒደት መዓልታት (14 ታሕሳስ) ቃለ-መሓላ ድሕሪ ምፍጻማ ብሓደጋ ነፋሪት ሞይታ።
በዓል ቤታ ሰኔተር ራፋኤል ሞሬኖ እውን ኣብ`ቲ ሓደጋ መይቱ።
ብመሰረት ጸብጻባት ማዕከናት ዜና፡ እታ ሄሊኮፕተር ምዃና ዝንገረላ ተሳፊሮሙላ ዝነበሩ ነፋሪት፡ ካብ ርእሰ ከተማ ናይ`ቲ ዞባ ዝኾነት ከተማ ፑዌብላ ንሓጺር እዋን ድሕሪ ምብራራ`ያ ብሰኑይ ተሓምሺሻ።
ኣባል ሰልፊ ማእከል-ጸጋማይ ፒ ኤ ኤን ዝኾነት ጓል 45 ዓመት ማርታ፡ ኣብ`ቲ ሓያል ተወዳደርነት ዝነበሮ ምርጫ ድሕሪ ምዕዋታ`ያ ናይ ፈለማ ጓል ኣንስተይቲ ኣመሓዳሪት ኮይና ተመሪጻ።
ሞት ናይ`ዞም ሰብኣይን ሰበይትን ብሓዲሽ ፕረሲደንት ሜክሲኮ ኣንድረስ ማኑኤል ሎፔዝ ኦብራዶር`ዩ ተቓሊሑ።
ፕረሲደንት ኦብራዶር ዝተሰምዖ `ዓሙቕ ሓዘን` ንስድራቤት እቶም ፖለቲከኛታት ብመንገዲ ትዊተር ገሊጽሎም።
`ሓቀኛ ጠንቂ` ናይ`ቲ ሓደጋ ንምፍላጥ መርመራ ክካየድ ምዃኑ`ውን ሓቢሩ።
እቲ ኣብራሪ ናይ`ታ ነፋሪት ኣብ`ቲ ሓደጋ ሞይቱ ድዩ ኣይሞተን ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን።
ማርታ ኣብ`ቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተኻየደ ምርጫ ነቲ ብፕረሲደንት ኦብራዶ ዝድገፍ ተወዳዳሪ ማኑኤል ባርቦሳ ብጸቢብ ድሕሪ ምስዓራ`ያ ብ14 ታሕሳስ ሓላፍነት ምምሕዳር ናይ`ታ ኣብ ሜክሲኮ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ዞባ ስልጣን ተረኪባ።
ሰልፊ ሞሬና ናይ ፕረሲደንት ሎፐኢዝ ኦብራዶ ኣብ`ቲ ምርጫ ጉሉሕ ምድንጋራትን ዘይልሙድ ኣሰራርሓን ነይሩ ኢሉ ድሕሪ ምውንጃሉ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ናይ ምርጫ ብቤት ፍርዲ`ዩ ጸዲቑ።
እቲ ሞት ናይ`ቶም ሰባኣይን ሰብይትን `ዝኾነ ሰብ ንዝኾነ ካልእ ሰብ ዘይምነዮ ዘሕዝን ፍጻመ`ዩ` ኢሉ ሚስተር ባርቦሳ።
`ሰንቢደን ሓዚነን`የ። ንኹሎም ፈተውቶም ድማ ጽንዓት እምነየሎም። ሕጂ ብዛዕባ ጠንቂ ናይ`ቲ ሓደጋ ግምታት ዝወሃበሉ እዋን ኣይኮነን` ድማ ኢሉ ንሱ።
ሞሬኖ ካብ 2011 ክሳብ 2017 ኣመሓዳሪ ፑዌብላ ኮይኑ ኣገልጊሉ`ዩ።
ዳግማይ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ፡ ባይቶ ፑዌብላ ጊዜያዊ ኣመሓዳሪ ክስይም`ዩ።
እዚ ናይ ሰኑይ ሓደጋ፡ ሓደ ካብቶም ከም ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፍራንቸስኮ ብሌይክ ሞራ ኣብ 2011 ዝሞተሉ ላዕለዎት ሰብ በዚ ዝቐተሉ ሓደጋታት ስዒቡ`ዩ መጺኡ ይብል ልኡኽ ቢቢሲ ዊል ግራንት።
ኣብ ፈለማ ናይ`ዚ ዓመት`ዚ ናይ ሓደ ሚኒስቴር ሄሊኮፕተር ድሕሪ ተሓምሺሻ ኣብ እኩባት ሰባት ድሕሪ ምውዳቓ፡ እቲ ሚኒስተር`ኳ ካም ሞት እንተኣምለጠ ካልኦት 13 ሰባት ሞይቶም`ዮም።

ቪድዮ, 7.1 ማግኒትዩድ ርዝነት ዘለዎ ምንቅጥቃጥ መሬት ሜክሲኮ፡ ብውሑዱ ንሕልፈት248 ሰባት ምኽንያት ኮይኑ'ሎ።
ፐረዚደንት እታ ሃገር ኤንሪክ ፔና ነይቶ ከምዝገለፅዎ፡ ንምፍራስ ህንፃ ቤት ትምህርቲ ስዒቡ ልዕሊ 20 ህፃናት እንትሞቱ 30 ድማ ተፀቒጦም ኣለው።