2018፡ ኣብ ኢንስተግራም ኣዘራረብቲ ዝነበሩ እንታይ ነይሮም?

ኣብ ናይጀሪያ ናይ ዘለው ህጻናት ጉጅለ ዘመናዊ ሳዕስዒት Image copyright The Ikorodu Talented Kids

ኢንስታግራም፡ ሓጸርቲ ምስሊታት፣ ጽሑፋትን ስእልን ብምጥቃዕ፡ ብቐሊሉ ምስ ዓለም ዘላሊ ዘሎ ማሕበራዊ ሚዲያ'ዩ።

ጥዑም ድምጺ ዘለዎም ህጻናት፣ ንፉዓት ሳዕሳዕቲ መናእሰይ፡ በዚ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣቢሎም ጽቡቕ ተቐባልነት ኣጥርዮም'ዮም።

ብሓንቲ ጽሕፍቲ ወይ ስእሊ ህቡባት ዝኾኑሞ ገዝኦም ይቑጸሮም።

ክውዳእ፡ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ መዓልታት ኣብ ዝተረፎ ዓመተ ፈረንጂ 2018፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዮም ኣዘራረብቲ ዝነበሩ ናይ ኢንስተግራም ንጥፈታት እምበር እዞም ዝስዕቡ'ዮም።

1. ናይ ሪሀና ኢንስታግራም ህቡባት ዝበሮም ህጻናት ሳዕሳዕቲ

ድምጻዊት ሪሃና፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ናይጀሪያ ናይ ዘለው ህጻናት ጉጅለ ዘመናዊ ሳዕስዒት ዘርኢ ምስሊ ኣብ ኢንስተግራም ጠቂዓ።

እዚ ምስሊ ሰለስተ ሚሊዮን ሰባት እንትፈትውዎ፡ "እዞም ህጻናት መን'ዮም" ዝብል ሕቶታት'ውን ኣውሒዙ'ዩ።

እዞም ህጻናት ኣብ ሌጎስ ትሑት እቶት ካብ ዘለዎም ድኻታት ስድራ ዝተወለዱ እንትኾን፡ እቲ ጉጅለ ኣብ 2014 መስሪተሞ። 'ኢኮሮዱ ታለንትድ ኪድስ' ተባሂሎም ድማ ይጽውዑ።

2. ጓል 11 ዓመት ጋናዊት ዲጄ

'ዲጄ ስዊች' ናይ መድረኽ ሽም ጓል 11 ዓመት ኤሪካ ታንዶህ እዩ። ወርሒ ሰነ ኣብ መላእ ጋና ተፈላጢት ዝኾነትሉ ወርሒ'ዩ።

ኣብ ኢንስግራም 140 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዋ እዛ ህጻን፡ እትሰርሖም ስራሕቲ ኣብዚ ማሕበራዊ ሚዲያ'ያ ተላልዮም።

ኤሪካ ኣብ ታሪክ ጋና፡ ብዕድመ ዝነኣሰት ውድድርን ዲጄታት ዝተዓወተት ቈልዓ ኾይና፡ ኣንጻር ትሕቲ ዕድመ መርዓ'ውን ጎስጓስ ዘካይዱ ጽሑፋት ትጥቅዕ ነይራ'ያ።

3. ፊልሚ ኬንያ ኣብ ካነስ

ብዋኑሪ ካዩ ዝተሰርሐ ፊልም 'ራፊኪ' ኣብ ፌስቲቫል ፊልም ካንስ፡ ብበዝሒ ብምርኣይ መሪሕ ኾይኑ'ዩ።

እዚ ፊልሚ፡ 'ፍቕራዊ ርክብ ተመሳሳሊ ጾታ ዘላሊ'ዩ' ተባሂሉ ብመንግስቲ ኬንያ ተኸልኪሉ ነይሩ።

ነቲ ፊልም ዝሰርሐት ዋኑሪ ብዛዕባ እቲ ፍልሚ ኣብ ኢንስተግራም ምስ ጸሓፈት ግን፡ ኬንያዊት ተዋሳኢት ሆሊውድ ሉፒታ ኒዮንጎ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኪ ጽሒፋትላ።

መንግስቲ ኬንያ ኣብ ልዕሊ እቲ ፊልም ዘንበሮ ማዕቀብ ንሓደ ሰሙን ኣልዒሉዎ'ዩ።

እቲ ፊልም ግን ንሽልማት ኦስካር ተሓጽዩ ቐሪቡ፤ ብዙሓት ድማ ሓጎሶም ኣብ ኢንስተግራም ገሊጾም።

4. ጉዳይ ናኦሚ ካምቤልን ቡሃርን

Image copyright Instagram

ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ኢንግሊዛዊት ሞዴል ናኦሚ ካምቤል፡ ፕሬዝደንት ናይጀሪያ መሓመድ ቡሃሩ ንብሕታ ዕድመ ከም ዘቕረበላ ብምግላጽ፡ ፎቶ'ውን ሓዊሳ ኣብ ኢንስተግራም ጠቂዓቶ።

ይኹን'ምበር ወሃቢ ቃለ መንግስቲ ናይጀሪያ፡ ንብሕታ ዕድመ ከም ዘይተገበረላ ጽሒፉ።

ንሳ ድማ ብዙሕ ከይጸንሐት፤ ኣብ ምርኢት ፋሽን ክትሳተፍ ኣብ ሌጎስ ከም ዝትርከብ ብምግላጽ፡ ኣቐዲማ ዝጠቅዐቶ ኣሪማ። እዚ፡ ትኹረት ብዙሓት ዝሰሓበ ነይሩ።

5. 'ሹዱ' ደቡብ አፍሪካዊት ዲጂታል ሞዴል

ኢንግሊዛዊ ሰኣላይ ካሜሩን-ጄምስ 'ሹዱ' ዝተብሃለት ዲጂታል ሞዴል ዘላለየሉ ወርሒ፡ ሕጂ'ውን መጋቢት ነይሩ።

እታ ሞዴል፡ ኣዝያ ቀጣን፣ ነዊሕ ቅርጺ ዘለዋ ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ ኮይና ዝተሰርሐት እንትኾን፡ እቲ ሰኣላይ ብስርሑ ነቐፌታ ኣአንጊዱ'ዩ።

'ሺዱ' ኣብ መዳእታ 20ታት እትርከብ ዲጂታል ሞዴል ኮይና፡ ኣብ ኢንስተግራም ልዕሊ 150 ሽሕ ሰዓብቲ ኣለውዋ።

ናእዳ'ውን'ኳ እንተረኸበ፡ 'ሽዱ' ከም ሓደ ጻዕዳ ነጸብራቕ ንኣፍሪቃውያን ዘለዎ ዝተዛብዐ ኣረኣእያ'ያ ኢሎም ዝነቐፉዎ እውን ግን ኣይተስኣኑን።

6. ስዊድናዊት በጻሒት ዓድን ኬንያዊት ህጻንን

Image copyright Instagram

ጆሳ ጆንሰን ዝተብሃለት ስዊድናዊት፡ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዘለው ናይ ድኻታት መንደር ዝረኸበታ ህጻን ሓቚፋ ዝተስኣለቶ ስእሊ፡ ካልእ ብዙሕ ትኹረት ካብ ሞንጎ ዝሰሓቡ ሓደ'ዩ ነይሩ።

"እታ ህጻን ኣብ ህይወታ ዝተሓጎሰትሉ መዓልቲ ንዓይን መሓዙታን ዝረኸበትላ ህሞት'ያ'ውን ኢላ ጽሒፋ ነይራ።

እታ ህጻን ንመጻኢ ብዕድመ ዝበልጻ ሰብኣይ ተምረዒዋ ከም እትሳቐ፣ ሰብኣያ ገዲፉዋ እንትኸይድ ድማ ዉላዳ ክተዕቢ ነብሳ ሸይጣ እትሓድር ክትኸውን'ያ ዝብል ጽሑፍ'ውን ወሲኻትሉ።

በዚ ጸያፍ ጽሑፋ ግን ተነቒፋ'ያ።

7. ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ

ሓላፊት ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ሳኔል ሶጺዝኣብ ኢንስተግራም ብእትጥቅዖም ስእልታት፡ ብዙሕ ሰዓቢ ኣለዋ።

ካብ ናይ ባዕላ ስእሊ ሓሊፉ፡ ናይ ሓንቲ ኮንስታብል ደርባን ምስ ጠቅዐት ድማ፡ ናታ ኣዘራራቢት ናይ ምኻን ዕድላ ወሲኹ።

'ክልተ መልክዐኛታት ፖሊስ' ዝብል ጽሑፍ ሒዙ ዝወጽአ ኣብ ሶዌቶ ዘሎ ሓደጋ ጋዜጣ፡ ዚኣዳ ኣዘራራቢ ማሕበራዊ ሚዲያ ኾይነን።

8. ስእሊ ጓል ሓሙሽተ ዓመት

ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ናይጀሪያዊት ሰኣሊት ሞፊ ባሙይዋ፤ ኣብ ኢንስተግራም ዘካፈለቶ ጄር ናይ ዝተብሃለት ጓል ሓሙሽተ ዓመት ህጻን፡ ኣሽሓት ፈተውቲ ነይሩዎ።

እታ ህጻን "ናይ ዓለም መልክዐኛ" ዝብል መጸውዒ ተዋሂቡዋ።

ናይዛ ህጻን ኣደ ንጄርን ንክልተ ኣሕዋታ ጆሚን ጆባን ናይ ኢንስተግራም ገጽ ከፊታትለን'ያ። 'ዘ ጄ ስቲ ሲስተርስ' ዝተብሃለ እዚ ገጽ 108 ሽሕ ሰዓብቲ ኣለውዎ።

ተወሳኺ ዛንታ