ኤርትራ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ጅግና፣ ሓራቕ፣ ውፉይ ዶ ፈራሕ?

ሚኒስተር ማዕድንን ጸዓትን ጀነራል ስብሓት ኤፍረም Image copyright ERi-TV
ናይ ምስሊ መግለጺ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ካብ 1995 ክሳብ 2014 ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ዘገልገለ'ዩ

ወዲ ኤፍረም ዕባይ ከተማ ኣስመራ'ዩ። ናይ ቃልሲ ብጾቱን ብቐረባ ዝፈልጡዎ ሰባትን፡ ንጀነራል ስብሓት ብስም ኣቡኡ "ወዲ ኤፍሬም" ኢሎም እዮም ዝጽውዑዎ።

ኣብ መሪሕ ውድብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ርኡይ ተራ ካብ ዝነበሮም ሙኩራት ተጋደልቲ ሓደ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም እዩ።

ምስ በዓል ጴጥሮስ ሰሎሞን፣ ተኪኤ ተስፋልደት፣ በራኺ ገብረስላሰ፣ የማነ ዳዊትን ካልኦትን ኣብ 1972 ዓመተ ምሕረት ብቆጻጽራ ፈረንጂ፡ ናብ ህዝባዊ ግንባዊ ተጸንቢሩ።

ፖለቲካዊ መጽሓፍቲ ኣንቢቦም፡ ብዛዕባ መንነት፣ ናጽነትን ዴሞክራስን ብምምሃር፡ ደረጃ ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ምዕባይ ንጡፍ ተራ ምስ ዝነበሮም ስሙያት ተጋደልቲ እዩ ዝምደብ ጀነራል ስብሓት።

ስብሓት፡ ብርቱእ ኣንደበቱ፡ ንኣሽሓት መንእሰያት ንቓልሲ ኣበራቢሩ፣ ምስ ሓይሊ መጋጥምቱ ኣመዛዚኑ "እዚ ሰውራስ እምበር'ዶ ክዕወት'ዩ" ዝብል ዝነበረ ስክፍታን ጥርጣረን ኣልዚቡን ኣእሚኑን።

ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብምምሃር ትርጉም ናጽነት ሰቢኹ፣ ሓፋሽ ውድባት እቲ ሰውራ ናይ ሰዓሪ መንፈስ ከማዕብላን ክጥርያን ድማ፡ ፖለቲካዊ ፍልጠት መጊቡ።

ድሕሪ ናጽነት ግን ስብሓት ከም ቀደሙ ኣይነበረን፤ ብውሕዱ ትጽቢት ህዝቢ ኣብ ምምላእ ኣይተግሀን ተባሂሉ ይሕመ እዩ።

ንምዃኑ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም (ወዲ ኤፍሬም) እንታይ ዓይነት ሰብ'ዩ? ርእይቶን ገምጋምን ናይ ቃልሲ መዛንኡ እነሆ።

"ከም ሰብ ተጓዳኣይ ኣይኮነን...ሓሪቑ ኣይትረኽቦን"

ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኤርትራ ነበር ክብሮም ዳፍላ፡ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ዓዲ ጥልያን ተመዲቡ ኣብ ዝስርሓሉ እዋን፡ ንጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ብተደጋጋሚ ብኣኽብሮት ተቐቢሉዎ'ዩ።

ወኪል ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ዓመት ዓመት ናብ ቦሎኛ ዝመላለስ ዝነበረ ወዲ ኤፍሬም፡ ንወተሃደራውን ፖለቲካውን ምዕባለታት ሜዳ ብምግላጽ ኣብ ስደት ናይ ዝነብር ኤርትራዊ ሞራል ብምድራዕ፡ ኣብ ቃልሲ እጃሞም ንኸበርክቱን ሓድነቶም ንኸሐይሉን ይሰርሕ ነይሩ።

መገዲ ኣየር ኤርትራ ብቦርድ ይመሓደር ምንባሩ ዘዘኻኽር ክብሮም ዳፍላ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ግን ብፕሬዝደንት ኢሳይያስ ተላኢኹ መጽናዕቲ ክገብር ይመጽእ ምንባሩ ብምግላጽ "ፕረዚደንት ዝኣምኖ ፍሉይ ልኡኽ ምኻኑየ ዝፈልጦ" ይብል።

ቀጺሉ፡ "ወዲ ኤፍሬም ካብ ሰቡ ንላዕሊ ውፉይ ኣይኮነን" ይብል እሞ፡ ግን ከኣ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ወተሃደራዊ መራሕቲ ግንባር ምንባሩ ይገልጽ።

ኣብ 1971 ዓመተ ምሕረት ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተሰለፈን፡ ንሕቶ ለውጢ ጉጅለ-15 ብምድጋፉ ካብ ሃድን እቲ ስርዓት ኣምሊጡ ንሰሃራ ብምርኩስ ጨዲዱ ነብሱ ዘድሓነ ሓደ ካብቶም ናይ መጀመርታ ስንኩላት ኲናት ሰውራ ተጋዳላይ ኣበድ ተስፋይ፡ "ጀነራል ስብሓት ሓደ ካብቶም ኣብ ቃልሲ ሓርነት ዓቢ ተራ ዝነበሮም ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ንፉዕ ወዳባይ" ምዃኑን ይገልጾ።

"ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓድነቱ ኣትሪሩ ጸላእቱ ንክስዕር፡ ሓያል ፖለቲካዊ ጎስጓስ ካብ ዝገበሩን፡ ሕቖ ጸላኢ ዝሰበረ ስርሒታት ዝመርሐን፡ ነቲ ሰውራ ካብ ዘዐወቱ በላሕቲ ሰባት ሓደ እዩ" ይብል ተጋዳላይ ኣበድ። ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም "ሰብ ዘይጓዳእን ልኡሙን" ምዃኑ እውን ብምግላጽ።

እዚ'ውን ኮይኑ ግን፡ 'ወዲ ኤፍሬም' ጽቡቕ ናይ ዘረባ ክእለት ዘለዎ መዳሪ፡ ህዝቢ ዝውድብን ዘነቓቕሕን መሃሪ፡ ሓላፊ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር ብምንባሩ ኣብ ህዝቢ ተፈላጥነት ከም ዘሕደረ ይነግር ክብሮም ዳፍላ።

"ናብ ቃልሲ ክጽንበር እንከሎ ብዕድመ ካብቶም ዝነኣሱ ብምንባሩ፡ ክዛረብ እንከሎ "ኣንታ ክንደይ ይነፍዕ'ዩ?' ብምባል ህዝቢ ይኣምኖ ነይሩ" ዝብል ክብሮም ዳፍላ፡ ናብ ቦሎኛ ክመጽእ እንከሎ ዝተገብረን ዘይተገብረን ሓዊሱ ሰጋእ እንከይበለ ህሉው ኩነታት ሜዳን ምዕባለታትን ዝገልጽ ክኢላ መዳራይን ንፉዕ ወዳባይን ምንባሩ ይዝክር።

"ልዕሊ ዝኾነ ግን "ወዲ ኤፍሬም' ሓሪቑ፣ ኣንጸርጺሩ ኣይትረኽቦን" ዝበለ ክብሮም፡ ቐስ ኢሉ እናተዛረበ፡ ብድሕሪት ሓያል ስራሕ ዝሰርሕን መልእኽቲ ኢሳይያስ ብዝግባእ ዘፈጽምን ሰብ መሲሉ'ዩ ዝስመዐኒ ይብል።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ቀጻሊ መንገዲ ኤርትራ ናበይ?

"ሃለዋት ህዝቢ ዝልውጥ ስራሕ ኣይሰርሐን"

ጀነራል ስብሓት፡ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ዘሕደረ፡ ኣብ ገድሊ ልዑል ግደ ዝነበሮ መዳርን ወዳብን እኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዘለው ነዊሕ ዓመታት ግን እዚ እዩ ዝበሃል ዝድነቕ ተራ ኣይነበሮን ይብሉ ክልቲኦም ፈለጥቱ።

"ንለውጢ ዝኸውን ስራሕ ሰሪሑ ክብሎ ኣይክእልን። ከምቲ ሙኩርን በሊሕን ምንባሩ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ለውጢ ንክመጽእ ዝገበሮ ነገር የለን፤ ብዝያዳ እኳ ደኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ እናነጸሎ እዩ መጺኡ" ይብል ተጋዳላይ ኣበድ ተስፋይ።

ተጋዳላይ ክብሮም ዳፍላ እውን ንርእይቶ ኣበድ እዩ ዝድግፍ፡ ቅድሚ ናጽነት ሓያል ናይ መሪሕነት ተራ ዝነበሮም 13 ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ መስከረም 2001 ኢሳይያስ ንብዙሓት ካብኣቶም ኣሲሩዎም።

ንክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር ዝመርሐ፡ ገዳይም ብጾቱ፡ ሕቶ ለውጢ ስለ ዘልዓሉ ክእሰሩ እንከለው፡ ሚኒስተር ምክልኻል ዝነበረ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም'ውን ሓደ ካብቶም ቃልሲ ህዝቢ ዘፍረዮም ተጋደልቲ እዩ።

"እዚኦም፡ ኹሉ ሰብ ዝፈልጦም፣ ብኣኽብሮት ኮነ ስልጣን ትሕቲ እግዚሄር ዝነበሩ'ዮም። ድሕሪ ናጽነት ግን ተርኦም ዳርጋ ኣይተርኣየን። እቲ ምኽንያት ከኣ፡ ኢሳይያስ ስለ ዘይደለየ እዩ" ይብል ክብሮም።

ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፡ ወተሃደር ስለ ዝነበረ፡ ኣባላት ሰራዊት ዝነበሩን ዘለውን ከም መራሒኦም ይፈልጡዎ፡ ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳር ስለ ዝሰርሐ ከኣ ህዝቢ እውን ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ።

ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ 1994፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ስሙ ናብ ህዝባዊ ግንባር ዴሞክራስን ፍትሕን ክቕይር እንከሎ፡ ኢሳይያስ ባዕሉ መሳርሕቲ ስለ ዝሓረየ ንከም በዓል ስብሓት ኤፍሬም፣ ማሕሙድ ሸሪፎ፣ ጴጥሮስ ሰሎሞን፣ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)፣ መስፍን ሓጎስ ዝኣመሰሉ፡ ዝጥመቱ ገዳይም መጓዕዝቱ ኣብ መሪሕነት ህግደፍ ከም ዘይመጽኡ ተጋዳላይ ኣበድ ይዛረብ።

ይኹን'ምበር ዝብል ኣበድ፡ ኣብ 2001 ብጉጅለ 15 ዝተሰምዩ ሓያሎ ካብኣቶም "ቅዋም ኣብ ስራሕ ይውዓል፡ ክብሉ እንከለው፡ ወዲ ኤፍሬም ምስኦም ኮይኑ ለውጢ ኣይሓተተን፡ ኣጽቂጡ'ዩ ምስቲ ስርዓት ቀጺሉ።

ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ጸዓትን ማዕድንን ከኣ ከም ስማዊ ሚኒስተር ተቐሚጡ ጸኒሑ ብምባል "ድሕሪ ናጽነት፡ ከምቲ ክኸኖ ዝግበኦ ህዝቢ ዝጠልቦ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ኣይተግሀን፡ ኣረ ኣብ ገሊኡስ ዓንቃፊ'ውን ነይሩ" ብምባል ይገልጾ።

ክብሮም ዳፍላ'ውን እንተኾነ "ወዲ ኤፍሬም ነቲ ምትሓት ክሳብ ሕጂ ተቐቢሉዎ ይኸይድ ኣሎ። ካልኦት ስለ ምንታይ ከምዚ ዘይኸውን ክብሉ እንከለው፡ ንሱ ግን ኣይተዛረበን" እዩ ዝብል።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
''ጀጋኑ ኤርትራ ኣብ ጎዳጉዲ'ዮም ዘለዉ''

ማህረምቱ እንታይ ይሕብር?

ጀነራል ኤፍሬም ስብሓት ተሃሪሙ ኣብ ሕክምና ምህላው እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝተባህለ ነገር የሎን።

ማህረምቱ ግን ኣዘራራብን ዝተፈላለዩ ግምታት ዘተኣናግድ ዘሎን ኮይኑ፡ ኣብ ህዝቢ ጽቡቕ ስምዒት ክፈጥር ከም ዘይኽእል'ውን ፈለጥቱ ይዛረቡ።

ጀነራል ስብሓት፡ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኮነ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን፡ ከም ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ስራሕ መንግስቲ ርኡይ ተራ ኣይጸንሖን'ዮም ዝብሉ መቓልስቱ።

"ከም ዘይሰርሕ'ዩ ኮይኑ ተቐርቂሩ ጸኒሑ። ናይ ነገር፣ ናይ ህልኽ ሰብ ግን ኣይኮነን፡ ካብዚ ተበጊስና እዝን እዝን'ኳ እንተዘይበልና፡ ማህረምቱ ግን ውዲት ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል ተጋዳላይ ኣበድ።

ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ግን በቲ ሓሳብ ኣይሰማማዕን። ካብ መንግስቲ እትረኽቦ ጥሉል ሓበሬታ ስለ ዘይህልወካ፡ ውዲት ክኸውን ይኽእል ኢልካ'ኳ ክትሓስብ እንተተገደድካ፡ ግዳይ ናይ መንግስቲ ክኸውን ይኽእል እዩ ግን ኣይብልን ይብል።

"እዚ ቑጥዐ ናይ ህዝቢ'ዩ። ህዝቢ ንስብሓት ከም ፈታው ነብሱን ጎራሕን እዩ ዝርእዮ። ሰባኺ ፍትሕን ዲሞክራስን ነይሩ ከብቅዕ ምእንቲ ፍትሕን ደሞክራስን ብቓልዕ ምንም ኣይተዛረበን።"

"መዛንኡ ኣባላት ጉጀለ-15 ክእሰሩ እንከለው ስለ ዘጽቀጠ" ብመንግስቲ ምንም ዝመጽኦ ዘሎ ኣይመስለንን" ይብል ክብሮም።

"ኣብ ልዕሊ መራሕትን እቲ ስርዓትን ጽልኣት ስለ ዝማዕበለ፡ ዝኾነ ሰብ ካብ ናቱ ተበጊሱ ዝኾነ ነገር ዝገብረሉ ግዜ በጺሑ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ዝብል ኣቶ ክብሮም፡ ምናልባት ዝሓረቑ ወተሃደራት ወይ ካልእ እምበር፡ መንግስቲ ክገብሮ ይኽእል እዩ ዝብል ጥርጣረ ከም ዘይብሉ ይሕብር።

ተወሳኺ ዛንታ