ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ንመን እዩ ክዓርቕ?

ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, HOPR

ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ንኣዋጅ መጣየሲ ኮምሽን ዕርቀ-ሰላም ኣጽዲቑ።

እቲ ኣዋጅ ብሓደ ተቓውሞን ብሓደ ድምጸ ተዓቅቦን ዝጸደቐ ክኸውን ከሎ፡ ተወከልቲ ሕቶታት ኣልዒሎም እዮም።

ካብቶም ዝተልዓሉ ሕቶታት ሓደ "እቲ ኮሚሽን ንመን እዩ ክዓርቕ?" ዝብል ነይሩ።

"ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዋላ ንሓንቲ ዕለት ተጻሊኡ ኣይፈልጥን" ዝበሉ ኣይተ ካሳ ጉግሳ ዝተብሃሉ ተወካሊ እዮም ነቲ ሕቶ ኣልዒሎምዎ።

ናይ ውሳነ ሓሳብ ናብቲ ባይቶ ዘቕረቡ ኣይተ ተስፋየ ዳባ ድማ "ተበዲለ እየ ዝብል ኣካል ሕብረተሰብ የለን ኢልና ክንብገስ የብልናን። ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ኣሎ እዩ። እዚ ስምዒት እዚ ክፍጠር ዝገበሩ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ነዞም ምኽንያታት እዚኦም ዘጽንዕ ኮሚሽን እዩ። ክብሉ ምላሽ ሂቦም።"

ኮምሽን ዕርቀ ሰላም፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ፡ ንዘለው ጥርዓናት መበገሲኦም ምጽራይን፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሄራዊ ዕርቂ ብምግባር ሰላምን ፍትሒን ንምንጋስ፣ ብሄራዊ ሓድነትን ምክእኣልን ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ።

ጥርዓናት ምግሃስ መሰል'ውን ዘጻሪ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

ተሓታትነቱ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኸውን እዚ ኮምሽን፡ ንግዳያት ሰብኣዊ መሰላት ድምጾም ዝስመዓሉ መድረኽ ናይ ምፍጣር መዝነት'ውን ክህልዎ ኢዩ።

እቲ ባይቶ ነቲ ኣዘራራቢ ዝኾነ ምቛም ኮምሽን ወሰን ቅድሚ ሒደት መዓልታት ምጽዳቁ ዝዝከር ኢዩ።