ኣፍሪቃ፡ ኣብ 2018 ታሪኽ ዝሰርሑ ሰባት በዓል መን ነይሮም?

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣህመድ

ምንጪ ስእሊ, Office of the prime minister

ጋናዊት ኤልዛቤጥ ኦሄኔ ንቢቢሲ ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ፡ ንገለ ዓበይቲ ፍጻሜታት 2018 ኣስፊራ'ላ።

እዚ ዓመት ድማ፡ "ኩል ግዘ ሓድሽ ነገር ካብ ኣፍሪቃ" ዝብል ክልስ ሓሳብ ክወጽእ ዝገበረ ዓመት ምኻኑ ትገልጽ።

ብፍላይ ብምኽንያት ወሰኽ መሃያ፡ ሃንደበት ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዘምርሑ ወተሃደራት፡ ኩል ግዘ ብቐሊሉ ብፑሽ ኣፕ ዝቐጽዕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይረኽቡን ትብል።

ኣብ ሕሉፍ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ፡ ዕልዋ ክተካይድ ኣብ እትሓስበሉ እዋን ዝፍጸም'ዩ ነይሩ ብምባል ድማ ትገልጾ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ግን፡ ስርሑ ከመይ ክሰርሕ ከም ዝሓሰበ ኾነ ብዛዕብኡ እትግምቶ ነገር የለን።

ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣብ ሒደት ወርሓት፡ ኣብዪ ኣሕመድ ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ ኣልዒሉ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት ፖለቲካ ፈቲሑ፣ ኣብ ደገ ዝነበሩ ተቓወምቲ ናብ ዓዶም ክኣትው ፈቒዱ፣ ተዓፅየን ዝነበራ ኣማኢት መርበባት ሓበሬታን ቻነላት ቴሌቭዥንን ድማ ኸፊቱ።

ምንጪ ስእሊ, Walta TV

ምስ ናይ ነዊሕ እዋን ፀላኢ

ብልክዕ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝመጽኡ ለውጢታት እናጠዓዓሙ እንከለው፡ በቲ ካልእ ሸነኽ'ውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ግንባር ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ማዕረ ስጉምቲ ብምውሳድ ጸሓይ ክትበርቕ ገይሩ በሃሊት'ያ ኤልሳቤጥ።

ንዓመታት ምስ ኤርትራ ዝጸንሐ ኩነተ ኵናት ከብቅዕ ብምግባር፡ ነቲ ናይ ነዊሕ እዋን ጽልኢ ድማ ብሰላም ደቢሱዎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስልጣን

ዓለም ክሳብ እትግረም፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ፍቕሪ ፈሲሱ፣ ዝተዓጸወ መስመር ስልኪ ጋሕ ኢሉ ተኸፊቱ፣ በረራ ኣየር ተጀሚሩ፣ ዝተነፋፈቓ ኣእዳው ተጨባቢጨን፡ ተሰዓዒመን።

እዚ ፌሽታ ከይቅሃመ እንከሎ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ፍርቂ ሓላፍነት ካቢንኡ ንደቂ ኣንስትዮ ሂቡ።

ሕዚ፡ ኢትዮጵያ ጓል ኣንስተይቲ ፕሬዝደንት (ሳህለወርቅ ዘውዴ)፣ ፕሬዝደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ (መኣዛ ኣሸናፊ)፣ ጓል ኣንስተይቲ ኣካቢት ኮሚሽን መረጻ (ብርቱኳን ዲደቅሳ)፣ ከምኡ'ውን ወሃቢት ቃል መንግስቲ (ቢልለኔ ስዩም) ኣለዋ።

ደቡብ ኣፍሪቃ

ካልእ ኣብ መሪሕነት መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽአት ኣፍሪቃዊት ሃገር'ያ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብ ስልጣኑ ክእለ ንዝተገደደ ፕሬዝደንት ጃኮብ ዙማ ተኪኡ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ስሪል ራማፎሳ ድማ፡ ብዙሓት ብተስፋ መሊኡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕሬዝደንት ራማፎሳ፡ ፑሽ ኣፕ ዘይኮነ ዘስርሐ ብዙሓት ዘተባብዑ ስራሕቲ ብምስራሕ ግን ቐልቢ ተነሓናሕቱ እንከይተረፈ ገዚኡ።

ኣንጻር ግዕዝይና (ብልሽውና) ፡ "እቲ ከሽዐ ክሓቅቕ ኣለዎ" ዝብል ሃሽታግ (#)ምስ ጀመረ፡ ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ናይ ኽምስታ ግዘ ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሰ ተሰሚዑዎም።

እዚ'ውን ኮይኑ ግን፡ ራማፎሳ ኣብ ልዕሊ ብግዕዝይና ዝሕተቱ ሰባት ስጉምቲ ክወስድ ምስ ጀመረ፡ ጽላሎት ዙማ'ዩ ዓብሊሉዎ።

ዙማ፡ ንጹህ'የ ዝብል መርገጺኡ ኣቐጺሉ፤ ኣብ ልዕሊኡ ቐሪቦም ዝነበሩ 16 ዓይነታት ኽሲ ብልሽውና ድማ እቲ ቤት ፍርዲ ውድቂ ክገብሮም ሓቲቱ።

ጸያፍ አገላልፃ ትራምፕ

ኣብዚ ዓመት፡ ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣፍሪቃ "ረሳሕ" ብምኻና ሃገሩ፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ስደተኛታት ከም ዘይትደሊ እንትገልጽ፡ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ሓቢረን ምላሽ ሂበንኦ።

ብኣንጻሩ ግን በዓልቲ ቤቱ ሜሌና ትራምፕ፡ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ (ጋና፣ ማላዊ፣ ግብጽን ኬንያን) በጺሓ።

በዓልቲ ቤቱ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ድማ፡ ትራምፕ ኣፍሪቃውያን በዓልቲ ቤቱ ከም ዝፈተውዋ ትዊት ይገብር ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

ዊሃ ንቬንጌር ኣኽቢሩ

ኣብ ፓሪስ ካብ ሓደ ህንጻ ክጸድፍ ኢሉ ዝነበረ ህጻን ዘድሓነ ስደተኛ፡ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝነበራ ኣረኣእያ ክትቕይር ገይሩ። ፕሬዝደንት ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዑደት ኣብ ዝገብረሉ እዋን ፕሬዝደንት ጋና ናና ኣኩፎ ኣዶ ኣፍሪካ ናይ ዓለም ልግስና ከም ዘየድልያ ዘርኢ ናይ 8 ደቒቕ ምስሊ ከዳምጽ ተገዲዱ'ዩ።

እዚ ምስሊ፡ ብዙሓት ርእየሞ፡ እቲ መራሒ ድማ ስምዒቶም ኣጸቢቁ ገሊጹልና ኢሎም።

ፖፕ ቦቢ ዊኔ

ኣባል ፓርላማ ኡጋንዳ ሙዚቀኛ ፖፕ ቦቢ ዊኔ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ንሰሙናት ኡጋንዳ ኣንቀጥቂጡዋ ነይሩ።

ብክሕደት ተኸሲሱ ፖሊስ እንትኣስሮ፡ ቀልቢ ዓለም ስሒቡ ጸኒሑ። ኣብ እዋን ማእሰርቱ ጉድኣት በጺሑኒ ብምባል ንሕክምና ካብ ሃገር ወጺኡ'ኳ እንተጸንሐ፡ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ሙዚቃዊ ምርኢት ኣቕሪቡ።

ካልኦት ዓበይቲ ፍፃመታት

ኣብዚ ዓመት፡ ሓደ ሰብ ንጽቡቕ ስርሑ ኣፍልጦ ረኺቡ'ዩ።

ኮንጎኣዊ ዶክተር ደኒስ ሙክዌጌን ኢራናዊት ኣክቲቪስት ናዲያ ሙራድን ናይዚ ዓመት ሽልማት ኖቤል ወሲዶም።

ዶክተር ሙክዌጌን፡ "በሰላታት ጾታዊ ጥቕዓት ዝሕክም ዘሎ መሪሕ በዓል ሞያ" ተባሂሉ እንትሙገስ፡ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝርከቡ ብኢዱ ዝተፈወሱ ድማ፡ "ምትሃታዊ ዶክተር" ኢሎም ገሊጸሞ።

ምንጪ ስእሊ, EPA

ጆርጅ ዊሃ ኣብ ወርሒ ጥሪ ፕሬዝደንት ላይቤሪያ ኮይኑ መሪሕነት ተቐቢሉ።

ኩዕሶ እግሪ እንትጅምር ንዝሓገዝዎ ዘመስገነ ኾይኑ፡ ኣሰልጣኒኡ ንዝነበረ ኣርሰን ቬንጌር ናይታ ሃገር ዝለዓለ ሽልማት ኣበርኪትሉ'ዩ።

ኔልሰን ማንዴላ ብህይወት እንተዝህሉ ነይሩ፡ ኣብዚ ዓመት መበል 100 ዓመቱ ከኽብር ነይሩ።

ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከይዱ ምህሮ ዝሃበ ኾይኑ፡ ንክብሩ ድማ ዓበይቲ ኮንሰርት ተዳልዮም ነይሮም።

ህይወት ዝሓለፉ

ፍሉጥ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ መለኸትን ጎስጓሲ ኣንጻር ኣፓርታይድን ሁግ ማሰከላ፡ ኣብዚ ዓመት ዓሪፉ፤ ብዙሓት ድማ ሓዚኖም።

በዓልቲ ቤት ኔልሰን ማንዴላ ነበር ዊኒ ማዲኪዜላ ማንዴላ'ውን ኣብዚ ዓመት'ያ ሞይታ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነበር ኮፊ ኣናን፡ መበል 80 ዓመቱ ኣኽቢሩ፤ ናይ ምኽባር ሰላም ስራሕቱ እናሰርሐ ድማ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዙምባብዌ ናብ ዝተኻየደ ምርጫ ልኡኽ መሪሑ ከይዱ።

ትጽቢት ብዘይተገበሮ ግን፡ ብነሓሰ ኣብ ስዊዘርላንድ ዓሪፉ። ስነ ስርዓት ቀብሩ ድመ ኣብ ጋና ተፈጺሙ።

ፍቕራዊ ምሕዝነት ኣፍሪቃን ቻይናን ሰጢሙ ይቐዕጽል'ዩ ዘሎ፤ እዚ ፍቕሪ ንምጽናዕ ድማ ፕሩዝደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ተወሳኺ 60 ቢሊዮን ዶላር ፋይናንሳዊ ልቓሕ ንኣፍሪቃ ከም እትገብር ኣበሲሩ።

ኣሜሪካውያን ግን፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ንእትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ኣይፈተውዎን፡ ኣይተቐበሉዎን።