ወዲ ሸሞንተ ዓመት ጓታማላዊ ስደተኛ፡ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ-ኣሜሪካ ዓሪፉ

ኣብ ዶብ ኣሜሪካ ዝተትሓዙ ስደተኛታት ማእኸላይ ኣሜሪካ Image copyright Getty Images

መንግስቲ ኣሜሪካ ነቶም ናብ ሃገራ ዝእትው ዘለው ሰደተኛታት ጓታማል፡ ሆንድራስን ኤል ሳልቫዶርን ብሕማቕ ትሕዞም ከም ዘላ ብምግላጽ፡ ሓደ ኣባላ ባይቶ ኣሜሪካ ንሃገሩ ወንጂሉ።

ወዲ ሸሞንተ ዓመት ጓታማላዊ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሜሪካ ከም ዝሞተ ድማ ሰበ ስልጣናት ኢሜግሬሽን ገሊጾም።

እቲ ዝሞተ ቆልዓ፡ ፊሊፕ ኣሎንዞ-ጎመዝ ከም ዝብሃል ሓደ ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ካብ ግዝኣት ቴክሳስ ገሊጹ።

ነዚ ናይ ሕጂ ወሲኽካ፡ ኣብዚ ወርሒ ድሕሪ ናብ ኣሜሪካ-ሜክሲኮ ዶብ ምስጋር፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሜሪካ ዝሞቱ ስደተኛታት ቆልዕ ክልተ በጺሖም ኣለው።

ኣብቲ ዝሓለፈ ፍጻመ፡ ሓንቲ ጓል ሸውዓተ ዓመት ጓታማልዊት ጃክሊን ካል፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዋ ኢያ ዓሪፋ።

ኣባል ባይቶ ግዝኣት ቴክሳስ፡ ጁዋኪን ካስትሮ፡ ባይቶ ኣሜሪካ ጠንቂ ሞት ናይቲ ቆልዓ ከጻሪ ጠሊቡ።

"ነቶም ዕቑባ ዝሓቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሜሪካ ዝርከቡ ስደተኛታት ከም ሰብ ኩሉ ዝግብኦም ክብረትን ሓልዮትን ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ከም ዝውሃቦም ክነረጋግጽ ኣሎና" ኢሉ ጁዋኪን ካስትሮ።

ጁዋኪን ካስትሮ ብተወሳኺ "ምምሕዳር ኣሜሪካ ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ፡ ነቶም ብሕጋዊ መእተዊ ዶባት ኣሜሪካ ዝኣትው ዘለው ስደተኛታት ብምምላስ፡ ነቶም ስድራቤታትን ቆልዑን ንሓደጋ ይቃልዑ ኣለው" ኢሉ።

ካብ ማእከላይ ኣሜሪካ ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ዶባት ኣሜሪካ ተጓዒዞም ኣለው።

እዞም ስደተኛታት ከም ዝብልዎ፡ ኣብ ሃገሮም፡ ጓታማላ፣ ሆንዱራስን ኤል ሳልቫዶርን ዘሎ ስቅያት፣ ድኽነት፣ ህውከትን ነውጽን ሂወቶም ንምድሓን ከም ዝሃደሙ ይገልጹ።

ዋላ`ኳ መንግስቲ ኣሜሪካ ነቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገራ ዝኣተው ስደተኛታት ክትኣስሮም፡ ክትፈርዶምን ካብኡ ድማ ናብ ሃገሮም ክትሰጎም ምዃና እንተኣጠንቀቐት፡ ዕላማ እቶም ስደተኛታት ግን ኣብ ኣሜሪካ ክነብሩ ከም ዝደልዩ ይገልጹ።

Image copyright Reuters

እንታይ'ዩ ኣጓኒፉ?

እቲ ቆልዓ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ናይ 25 ታሕሳስ ከም ዝዓረፈ ሓለዋ ዶባት ኣሜሪካ ይገልጹ።

እቲ ትካል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሰኑይ፡ እቲ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ቆልዓ፡ ገለ ናይ ሕማም ምልክታት የርኢ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

ኣቲ ቆልዓን ኣቡኡን ናብ ኣላሞጎርዶ፡ ኒው ሜክሲኮ ዝርከብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱን፡ እቲ ቆልዓ ጉንፋዕን ረስንን ስለ ዝነበሮ፡ ኣሞክሲሊንን ብሩፎንን ዝብሃል መድሃኒት ከም ዝተዋህቦን፡ ብሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ ድማ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተፈትሐን እቲ ትካል ሓቢሩ።

ብድሕሪኡ፡ ሰኑይ ናይ ምሸት፡ እቲ ቆልዓ ከምልስ ምስጀመረ ናብቲ ሆስፒታል ተመሊሱ፡ እንተኾነ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ዓሪፉ።

ስጋብ ሕጂ ጠንቂ ናይቲ ቆልዓ ሞት ኣይተፈልጠን።

ጃክሊን'ከ እንታይ ኮይና?

ጃክሊንን ኣቦኣን፡ ምስቶም ካብ ማእከላይ ኣሜሪካ ናብ ኣሜሪካ ዝወሓዙ ስደተኛታት ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ ኢዶም ነቶም ኣብ ኒው ሜክሲኮ ዝርከቡ ኣባላት ሓለዋ ዶብ ኣሜሪካ ከም ዝሃቡን፡ ካብኡ ጃክሊን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከላ ረስኒ ከም ዝገበረትን፡ ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ገለ መዓልታት ድማ ኩሊታ ምስራሕ ደው ምስ ኣበለት ዓሪፋ።

ሬሳ ጃክሊን ድማ ናብ ሃገራ- ጓታማላ ተሰዲዱ።

ጃክሊን ብሰንኪ ስንባደን ንመዓልታት መግቢ ብዘይምብላዓን ማይ ብዘይምስታያን ኩሊታ ምስራሕ ደው ብምባላ ከም ዝዓረፈት ኣባላት ሓለዋ ዶብ ከም ዝገለጹ ጋዜጣ ዋሽንግቶን ፖስት ኣመልኪቱ።

ኣቦ ጃክሊን ግና ውሳነ መንግስቲ ኣሜሪካ ይጽበ ኣሎ።

ስለምንታይ`ዩ ኣብቲ ዶብ ወጥሪ ዘሎ?

ገለ ናይ ማዕከናት ዜና ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ማእከላይ ኣሜሪካ ናብ ዶብ ሕቡራት ምንግስታት ኣሜሪካ ዝውሕዙ ዝነበሩ ስደተኛታት ተዓዚበን።

ድሕሪኡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት እቲ ቑጽሪ ናብ ኣሽሓት ደይቡ።

ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣባላት ሓለዋ ዶባት፡ ኣብ ልዕሊ እኩባት ስደተኛታት እንተላይ ቆልዑት ዝርከብዎም ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሞም።

እቶም ስደተኛታት ብኣእማን ምስ ሃረሙና ኢና እቲ ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒምና ኢሎም እቶም ኣባላት ሓለዋ ዶብ።

እንተኾነ፡ ገለ ንምምሕዳር ትራምፕ ዝነቅፉ ሰባት ግና እቲ መንግስቲ ጨካን ስጉምቲ ብምውሳዱ ክውንጅልዎ ከለው፡ መንግስቲ ሜክሲኮ ድማ እቲ ፍጻሜታት ክምርመር ጠሊባ።

እቶም ኣሽሓት ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ኣሜሪካ ልዕሊ 4,000 ኪሎ ሜትር ከም ዝተጓዕዙ ተፈሊጡ። ብዙሓት ካብኦም ድማ ስድራቤታት ምስ ደቆም ይርከብዎም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ከም ዝበሎ እቶም ስደተኛታት ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ስጋብ ዝውሰን ብወገን ሜክሲኮ ክጸንሑ ኣለዎም ኢሉ።

ተወሳኺ ዛንታ