እንግሊዝ፡ ጉዳይ ኣብ ዓለም ጥቕዓት ዝበጽሖም ክርስቲያን ክጽናዕ ኣዚዛ

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ጀርሚ ሐንትን ካልኦት Image copyright Getty Images

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እንግሊዘ ጀርሚ ሃንት፡ ኣብ መላእ ዓለም ስቓይ ዝበጽሖም ክርስቲያንን፡ ንዐኦም ንምሕጋዝ ኢንግሊዝ ዝገበረቶም ጻዕርታትን ክጽንዑ ኣዚዙ።

እቲ መጽናዕቲ ብቢሾፕ ትሩሮ ዝምራሕ ኾይኑ፡ ኣብ ዓለም ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ጥቕዓትን ቕትለትን ዝበጽሖም 215 ሚሊዮን ክርስቲያን ንምሕጋዝ መንግስቲ እንታይ ከም ዝገበረ ክምርመር'ዩ።

ሰበ ስልጣን ኢንግሊዝ ኣብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝበጽሕ ጥቕዓት እናወሰኸ ምምጽኡ ብምግላጽ፡ በብወርሑ 250 ሰባት ይቕተሉ ኣለው ኢሉ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢንግሊዝ ሃንት፡ እዞም ክርስቲያን ንምሕጋዝ 'ዝሓሸ ስራሕ ክንሰርሕ ኣለና' ኢሉ።

"እንግሊዝ ኣብ ዓለም ብናጽነት እምነት ዝተፈተነት'ያ" ዝበለ እቲ ሚኒስትር፡ ክርስቲያን ዝኾኑ ኣመንቲ ዝበጽሖም ጥቕዓት፡ ብቑጽሮም ንኣሽቱ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ንዝበጽሖም ጥቕዓት፡ ናይ መጠንቀቕታ ደወል'ዩ ኢሉ።

እቲ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ፡ "እቲ መጽናዕቲ ጠንካራ ሕቶታትን ናይ ፖሊሲ ሓሳባትን ክሕዝ'ዩ" እውን ኢሉ።

Image copyright Handout

እቲ መጽናዕቲ ተዛዚሙ ንፋሽካ ክበጽሕ ድማ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ልዕሊ ክርስቲያናት ዝበጽሑ ጥቕዓታት ዕሽሽ ተባሂሎም'ዮም ዝብል ስምዕታ እናበርተዐ ዝመጽአ፡ ፍርዲ ሞት ፓኪስታናዊት ክርስቲያን ቢቢ ምስ ተሰምዐ'ዩ።

ቢቢ ፍርዲ ሞት ምስ ተፈርዳ፤ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፓኪስታን እቲ ውሳኔ ኣፍሺሉዎ'ዩ።

ህይወት ቤተሰብ ቢቢ ኣብ ሓደጋ'ዩ ዘሎ ዝበለ በዓል ቤታ፡ ኢንግሊዝ፣ ኣሜሪካ ወይ ድማ ካናዳ ዕቑባ ክህቡዎ ዝሓትት ሰልፊ ድማ ተኻይዱ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ትሬሳ መይ፡ ቤተሰብ ቢቢሲ ዕቁባ ከይወሃቦ ተኸላኺልኪ ኢኺ ብዝብል ንዝቐረበላ ሕቶ ኣለሳሊሳ መሊሳ ሓሊፋ'ያ።

መይ፡ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ "ኣብ ጋዜጣ ዝተጽሓፈ ኩሉ ክትኣምኑ ኣይብልኩምን" ብምባል ደሕንነት ስድራ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ምዃኑ ተዛሪባ።

ተወሳኺ ዛንታ