ኢትዮ-ኤርትራ፡ ዶብ ዘላምበሳን መረብን ካብ ፌደራል መንግስቲ ፍቃድ ንዘይሓዙ ገያሾ ተዓፅዩ

ምንጪ ስእሊ, TSIGE TESFAY
ብወገን መረብ ዘሎ መስመር ራማ-ክሳድ ዒቃ ካብ ሎምዓልቲ ወጋሕታ ኣትሒዙ ብዕሊ ከምዝተዓፀወ ኣቦ መንበር ወረዳ መረብለኸ ኣይተ ፅገ ተስፋይ ንቢቢሲ ገሊፆም።
እቲ ኩነታት ልክዕ ከምቲ ትማሊ ኣብ ኣፍ ደገ ዘላምበሳ-ሰርሓ ዝተፈፀመ ከምዝኾነ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ኣይተ ፅገ፡ ካብ ወተሃደራት ኤርትራ ዝተረኸበ ሓበሬታ መሰረት ገይሮም እንትገልፁ "ኣጋይሽ ወረቐት መንግስቲ ፌደራል ክሕተቱ ግድን እዩ" ዝብል ሓሳብ ከምዝሰምዑ ይገልፁ።
እቲ ዶብ ንምንታይ እዩ ተዓፅዩ ንዝብል: ካብ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ዛጊድ ወግዓዊ መግለፂ ኣይተወሃበን።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ብዛዕባ ምዕጻው ዶብ ኢትዮ ኤርትራ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ።
መን እዩ ነቲ ክልከላ ኣንቢሩ?
ነቲ እገዳ ዘተግብሩ ዘለዉ ወተሃደራት ኤርትራ: መምርሒ ከምዝወረደሎም ጥራሕ እዮም ገሊፆም።
ብወገን ኢትዮጵያ: ኣመሓደርቲ ወረዳታት ጉሎ መኻዳን መረብለኸን: እቲ እግድ ካብ ወገን ኤርትራ እምበር ብኢትዮጵያ ገፅ ከምዘይኮነ እዮም ዝዛረቡ።
ብወገን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ዶባት ራማን ዘላምበሳን ኣብ ሓለዋ ዝርከቡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ፣ ፖሊስን ምልሻን ትግራይ ከምዝኾኑ ይፍለጥ።
ንሳቶም ድማ ክሳብ ሕዚ ጠጠው ኣብሉ ዝብል መምርሒ ካብ ዝኾነ ይኹን መንግስታዊ ኣካል ኣይወረደን ይብሉ።
እቲ ዶብ ዳግም ካብ ዝኽፈት ካብ ባሕቲ መስከረም ኣትሒዙ: ህዝብታት ክልቲኡ ሃገር ፀምልዩ ዝነበረ ርክቦም ክጥጥዕ ብምኽኣሉ ሰናይ ርክብ ጀሚሮም ምንባሮም ብኣንደበቶም ገሊፆም እዮም።ካብ ትማሊ ንነዘ ዳግም ተዓፅዩ ምስ ሰምዑ ግና ብዙሓት ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝጣነዩ ንቢቢሲ ቃሎም ዝሃቡ ሰባት ይገልጹ ኣለዉ።
ካልኦት ድማ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብፍኑው ተጀሚሩ ዝጸንሐ ርክብ ብስርዓት ንምእላይ ዝተጀመረ ስጉምቲ ክኸውን ከምዝኽእል እዮም ዝግምቱ።
ምዕጻው ዶብ ዛላምበሳ-ሰርሓ
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝተኸፈተ ዶብ ዘላምበሳ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ካብ ፌዴራል መንግስቲ ፍቓድ ንዘይብሎም ገያሾ ከምዝተዓጽወ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሪፖርተር ቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣመሓዳሪ ወረዳ ጉለመኻዳ ኣይተ ገብህይወት ገብረየሱስ እቲ ዶብ ፍቓድ ንዘይሓዙ ከምዝተዓፀወ ንቢቢሲ ኣረጋጊፆም።
ካብ ኢትዮጵያ ንዝኸዱ "ካብ ፌደራል መንግስቲ ፍቓድ ክትሕዙ ኣለኩም" ዝብል ምላሽ ከምዝወሃቦምን፡ ካብ ወገን ኤርትራ እውን መሕለፊ ወረቐት ይሰናዳእ ምህላዉ ከምዝተገለፀሎም ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ካብ ወገን ኤርትራ ንዝሰግሩ ድማ፡ ካብ ዝመሃርሉ ቤት ትምህርቲ ወይከኣ ካብ ዝሰርሕሉ ቤት ዕዮ ፍቓድን፡ ናይ ምንቅስቓስ ምኽንያቶም ዝገልፅ ደብዳበ ክሕዙ ከምዝግደዱ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ምንጪ ስእሊ, Yonas Fisehaye
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝተኸፈተ ዶብ ዛላምበሳ
ካብቲ ከባቢ ምንጭታት ቢቢሲ ከምዝብሉዎ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝምለሱ ናብ ሃገሮም ክኣትዉ ይፍቀደሎም። ብተመሳሳሊ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝኸዱ'ውን ይፍቀደሎም። ሓዱሽ ጋሻ ግን ካብ ክልቲኡ ወገን ክንቀሳቐስ ኣይፍቀደሉን ዘሎ።
ኣብ ከባቢ ዶብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምንጭታት ቢቢሲ ድማ፡ እቶም ወተሃደራት ካብ ላዕሊ መምርሒ ከም ዝተውሃቦም ሓቢሮም። ብኣንፃሩ ብዶብ መረብ ግና ኤርትራውያን ብበዝሒ ናብ ትግራይ ይሰግሩ ከምዝነበሩ ምንጭታትና ወሲኾም ሓቢሮም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ኣብ ኣስመራ ተጀሚሩ ዝነበረ ግፋ ሸቃጦ፡ ተረጋጊኡ ከምዘሎ ድማ እቶም ምንጭታት ወሲኾም ሓቢሮም።
ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ካብ መንግስቲ ኤርትራ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ኢትዮ-ኤርትራ፡ ንግዳዊ ርክብ ዶባት ኢትዮ-ኤርትራ ትኹረት ይጠልብ
ሓድሽ ዲፕሎማሲያውን ህዝባውን ርክብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ኣፀቢቑ ንኽሕደስን ፀገም ከይደግስን ሎሚ'ኸ እንታይ ይግበር'ሎ ኢልካ ክዝተየሉ ዘለዎ እዋን ይበጽሕ ኣሎ።