ንኣትላንቲክ ብበርሚል ንምቁራጽ ዝሓለነ ፈረንሳዊ ጉዕዙኡ ጀሚሩ

ጄን ጃኩስ ሳቪን ኣብ ህንጸት በርሚሉ Image copyright AFP

ፈረንሳዊ ጄን ጃኩስ ሳቪን፡ ካብ በርሚል ዘተሰርሐ ከቢብ ቅርጺ ዘለዎ ጀልባ ብምጥቃም ኣትላንቲክ ንምቁራጽ ጉዕዝኡ ጅሚሩ'ሎ። ንሱ በሓይሊ ንፋስ እናተሐገዘ ኣብ ዝሓሰቦ ንምብጻሕ'ዩ ዕላምኡ።

ወዲ 71 ዓመት ዝዕእሚኡ ጄን ጃኩስ ሳቪን፤ ካብ ደሴት ስፐይን ተበጊሱ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ናብ ደሴታት ካሪብያን ንምብጻሕ'ዩ ተስፍኡ።

እታ ንእሽቶ ጀልብኡ መደቀሲ፡ ክሽነን መቀመጢ ኣቕሑትን ዘማልእት ንእሽቶ ገዛ'ያ።

ኣብ ዝሓለፈሉ ቦታታት ድማ ንመጽናዕቲ ስነ-ንፋስ ዝሕግዝ ኣሰራት እናሓደገ ክኸይድ ምዃኑ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ'ቲ ንወኪል ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ናይ ስልኪ መልእኽቲ፤ ህዱእ ኩነታት ኣየር ብምህላው ጀልብኡ በዘይ ገለ ጸገም ትጓዓዝ ከም ዘላ ኣብሪሁ።

Image copyright AFP

ሳቪን፡ ብፓይለትነት፡ ሓላዊ ፓረክን ተንሳፋፊ ኣየርን ኮይኑ ኣገልጊሉ'ዩ።

ንሱ ኣብ'ዚ እዋን እዚ ንበይኑ ኣብ'ዚ ህዱእ ባሕሪ ይጓዓዝ ብምህላው፡ እዚ ካብ ማዕዝናት ዝነፍስ ዘሎ ንፋስ ባሕሪ ናብ'ቲ ዝዓለሞ ደሴት ካሪብያን ኣብ ግዚኡ ከም ዘብጽሖ'ዩ ዝተኣማመን።

"መቸም ባርቤዶስ፤ ወይ ድማ ደሴታት ፈረንሳይ ከብጽሓኒ'ዩ" ይብል።

እዛ መርቢል ጃልባ ፤ 3 ሜተር ንውሓት፡ 2፡10 ሜተር ድማ ግፍሓት ዘለዋ ብምዃና፡ ሳቪን ከም ድላዩ ንኽንቀሳቐስ ኣብ ርእሲ ምኽኣላ፤ ከም ዓሳ ባሕርን ካልኦትን ንምርኣይ ዘኽእሎ መርኣይ'ውን ኣለዎ።

ሳቪን፡ ድሮ ሓድሽ ዓመት ንበይኑ መብዓሊ ዝኾኖ ጻዕዳ ወይኒ ኣብ'ታ ጃልብኡ ኣቐሚጡ'ሎ። ከምኡ እውን ነቲ 14 ጥሪ ዘኽብሮ መበል 72 ዓመቱ ዝኸውን ቀይሕ ወይኒ ኣዳልዩ እዩ ዝጓዓዝ ዘሎ።