ጥዕናኹም ንምምሕያሽ ሓሙሽተ ቀለልቲ ምኽርታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ዝኣቱ ዘሎ ሓዲሽ ዓመት ፈረንጂ፡ ብዛዕባ ናይ ጥዕና ስጉምትታት ክተወስድዎ እተሓስቡ ቁሩብ ከቢደኩም ከም ዝህለው ምግማት ይከኣል።
ዮጋ'ዶ ክገብር፤ ኣካላዊ ምንቅስቃስ'ዶ፥ ሽኮር'ዶ ከጉድል ወይ'ውን ነዚ ዘለኒ ስብሒ ከጉድል፤ መስተ'ዶ ከቋርጽ ከምኡ'ውን ጭንቀትና ከነጉድል ኢልኩም ከም ትሓስቡ ትኾኑ።
ምሉእ ጥዕና ንምርካብ ሂወትኩም ከም ብሓዲሽ ክትፍተሽ ከም ዘለዋ እዩ ዝስመዓካ።
ኣብ ክንዲ ብዙሕ ለውጢ ክትገብሩ እትፍትኑ ግን፡ ሓንቲ ለውጢ እንተገበርኩም'ከ?
ንኪኢላታት ሓቲትና፡ ሰባት ሓንቲ ነገር ንጥዕነኦም እተማሓይሽ ሓሰብ ክህቡና ተወኪስናዮም።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሓንጎልና ኣተኰሮ ምግባር
ብዛዕባ ኣካላዊ ጥዕና ምሕሳብ መብዛሕትኡ ግዜ ቀሊል ኢዩ። እንተኮነ ግን፡ ብመሰረት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኤክስተር መምህር ስፖርታዊ ሳይንስ ዶክተር ናዲ ሳሚ፤ ናብ ሓንግልና እንድሕሪ ኣተኲርና ርእሰ-ንቕሓት ከነዕቢ ንኽእል ይብላ።
ርእሰ-ንቕሓት ማለት ንስምዒታትና፤ ድልየታትና፤ ኵነተ-ኣእምሮ መሚና ምፍላጥን ምርዳእን ማለት ኢዩ። እዚ ከኣ ምስ ግዜ፡ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕና ኣብ ምምሕያሽ ወይ ምምዕባል ይሕግዘና።
''ስምዒታትኩምን ባህርያትኩምን ብዓᎁቑ እንድሕሪ ተረዲእኹም፡ ብንቕሓት ነቲ እትደልዮዎ ተግባር ንነፍስኹም እቲ ዝበለጸ ምርጫ ክትወስዱ የኽእለኩም'' ትብል ዶክደር ናዲ።
እታ ዶክተር፡ እዚ ንምግባር ብዙሕ ኣገባባት ኣሎ ትብል። እዚ ከኣ ዕለታዊ ንጥፈታትና ምጽሓፍ፤ ኣስተንትኖ፤ ንቕሓት፤ ግዜ ወሲድና ብዛዕባ ሂወትና ምሕሳብ ይጠቃልሉ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ከልቢ ምልማድ
ኣንባቢ ስነ-ልቦና ዶክተር ሪይስ ሳቸር ከም ዝሕብሮ፤ ንኣብነት 'ሊፍት' ካብ ምጥቃም ብእግርና ምንቅስቓስን ምጉዓዝን ንጥዕና ዓብይ ጥቕሚ ኣለዎ ይብል።
ይኹን እምበር ይብል ዶክተር ሳቸር፡ ከልቢ ከም ምልማድ ዝመሰለ ዝህቦ ፍሉይ ረብሓ ግን ኣይከውንን ይብል።
ምስ ከልቢ ን30 ደቃይቕ ኣብ መዓልቲ 2ተ ግዜ እንድሕሪ ተንቀሳቂስና፡ ንጥፈትና ከነበርትዕ ከምኡ'ውን ስምዒታዊ ረብሓትት ክንረክብ ንኽእል።
ዶክደር ሳቸር፡ ''ከምዚ ዓይነት ንደገ ክወጽእ ከም ዝሕግዘናን፤ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ንምግባርን፤ እሙን ዓርኪ ምርካብን ከምኡ'ውን ናይ ካልእ ሂወታዊ ነገር ከነመሓሽ፡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ከነማዕብል ይሕግዘና'' ትብል።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሰሙን፡ 30 አሕምልትን ፍራምረን
ብዘዕባ 5ተ እጃማት ፍሩታን ኣሕምልትን ሰሚዕና ኣለና።
ተመራማሪት አመጋግባ ዶክተር መጋን ሮሲ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ብዝሒ ነገራት ነተኮር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ክነተኩር ኣለና ትብል።
ንሳ፤ እንተነኣሰ፡ ኣብ 30 ዝተፈላለዩ ኣሕምልቲ መግቢ ከነተኩር ይግባእ ትብል።
ምኸንያቱ ካብ ሓምሊ ዝርከብ ንጥረ-ነገር ኣብ ጥዕናና ዝያዳ ግደ ስለዘለዎ ማለት ኢዩ።
እታ በዓልቲ ሞያ፡ ''ኣብ ክንዲ ሓንቲ ዓይኒ ዓተር ንገዝእ፡ 4ተ ሕዋስ ዘለዎ ምሽማት ይሓሽ። ኣብ ክንዲ ሓደ ዓይነት ፍረ ንገዝእ ከምኡ 4ተ ሕዋስ ዘሎዎ ፍረ ምግዛእ ይበልጽ'' ትብል።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዝያዳ ፍሽክ ምባል
ድሕሪ በዓላት መብዛሕተና ነቲ ዝኣከብናዮ ስብሒ ክነጉድል፡ ስፖርት ክንገብር ወይውን ንጅም ክንከይ ሓርኮትኮት ክንብል ኢና።
እንተኾነ ግን ከምዚ ዓይነት ሽቶ፡ ዕላምኡ ክወቕዕ ኣጸጋምን ሞራልካ ዝትንክፍን ከኸውን ይኽእል ኢዩ ይብል ዶክተር ጀምስ ጂል።
ንሱ መጀመርታ ሕጉስ ንምኳን ኣተኵርካ ምፍታን ይሐይሽ ይብል።
ጥዕናና ከነመሓይሽ ብዙሓት ዝርዝራዊ ነገራት ከነማልእ ንኽእል። እንተኾነ ግን፡ ሂወትካ ብደስታ ወይ ብሐጐስ ትነብሮ እንተዘይኮንካ፡ ነቲ ኣጸጋሚ ዝበሃል ከንብድሆ ምናልባት ከጽግመና ይኽእል ይብል።
ብኸመይ'ከ ነታ ሐጐስ ንረኽባ? ዶክተር ጂል፡ ካብተን ኣብ ኣእምሮና ዝመላለሳ ሓሳበት ሓንቲ ለውጢ ጌርና ብዛዕባኣ ፍሽክ ምባል ይሓሽ ይብል። ምስኡ ኸኣ ሓንቲ ዘይተሕጉሰና ነገር ኣላሊና፡ ነዓዓ ንምምሕያሽ ክንሰርሕ ኣለና በሃላይ ኢዩ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እኹል ድቃስ ምርካብ
እዚ ነገር ወላ እኳ ፍሉጥ ነገር እንተመሰለ፡ እኹል ናይ ድቃስ ሰዓታት ንምርካብ (9-8 ሰዓታት ድቃስ) ክንጽዕር ኣለና።
እኹል ድቃስ ዘይምርካብ ንኣሰራርሐ ኣእምሮናን፡ ውሳነታትናን ከጸልዎ ይኽእል ኢዩ ይብል ዶክተር ጋቪን።
እኹል ናይ ድቃስ ሰዓታት ንምርካብ ካብ ቡን ምስታይ ከንቑጠብ ኣለና። ከምኡ'ውን ኤለክትሮኒክስ ዝኣመሰሉ ከም በዓል ሞባይል፤ ላብቶብ ኣብ እዋን ድቃስና ከነወግዶም ኣለና ይብል።