ዲ ኣር ሲ ኮንጎ፡ ሰልፈኛታት ተቓውሞ ማእከል ሕማም ኢቦላ ኣጥቂዖም

ሰልፈኛታት ተቓውሞ ዘጥቅዕዎ ክፋል ማእከል ሕማም ኢቦላ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰልፈኛታት ተቓውሞ ማእከል ሕማም ኢቦላ ኣጥቂዖ፡ ንብረት'ቲ ማእከል ደማ ወሲዶምን ኣቃፂሎምን።

ኣብታ ብምልባዕ ሕማም ኢቦላ እትፍለጥ ካልአይቲ ሃገር ኣፍሪቃ ዝኾነት፡ ዴሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ እቶም ብምንዋሕ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝነደሩ ተቓወምቲ ንሓንቲ ማእከል ጥዕና ሕማም ኢቦላ ብምጥቃዕ ነቲ ናውቲ ኣቃጺሎም።

መንግስቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ምርጫ ሃገር ኢዳ ብምእታዋ፡ ንኣምባሳድር እቲ ሕብረት ኣብ ውሽጢ 48 ስዓታት ካብቲ ሃገር ክወጽእ ወሲና።

ኣብ ገለ ቦታታት ዴሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኮንጎ እቲ ሰንበት ክካየድ ዝነበሮ ፕሬዚደንታዊ ምርጫ ስጋብ ወርሒ መጋቢት ብምስግጋሩ ዝተቖጥዑ ሰባት ነቲ ሕማም ኢቦላ ዝምርመረሉ ክሊኒክ ኣጥቂዖም።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ እቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ስጋብ ወርሒ መጋቢት ዝተናወሐሉ ምብራቓዊ ከተማ ቤኒ ኢዩ ተኻይዱ። ቤኒ ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ተቓወመቲ ሰልፍታት ዝቆጻጸርወን ቦታታት ኢያ።

ሓደ ካብቲ ምኽንያታት እቲ ምርጫ ስጋብ ወርሒ መጋቢት እተሰጋገረሉ ድማ ምልባዕ ሕማም ኢቦላ ኣብቲ ከባቢታት ብምኽሳቱ ኢዩ ኢሉ ምርጫ ኮምሽን እታ ሃገር።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ቀጻሊ መንገዲ ኤርትራ ናበይ?

ተቓወምቲ ሰልፍታት ግና፡ እቲ መንግስቲ ድምጺ ከደናግር ስለዝደለየ ኢዩ ብምባል ነቶም ሰበስልጣናት ወንጂሎም።

ብጀካ ከተማ ቤኒ፡ ኣብ ከተማታት ቢቴምቦን እታ ኣብ ምብራቕ እትርከብ ከተማ ዩምቢ`ውን እቲ ምርጫ ስጋብ ወርሒ መጋቢት ዝተሰጋገረለን ከተማታት እየን።

እቲ ንፕሬዚደንት ጆሴፍ ካቢላ ዝትክእ መራሒ ዝመጽእ ወርሒ ቃለ-መሓላ ክፍጽም ኢዩ ይብሃል ስለዘሎ፡ እቲ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ድምጺ ናይተን ሰለስተ ከተማታት ኣብ ቁጽሪ ኣይክኣቱን ማለት ኢዩ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ደገፍቲ ተቓዋሚ ተወዳዳሪ ማርቲን ፋዩሉ

ፕሬዚደንት ካቢላ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃል-መሕተት፡ እቲ ምርጫ ስጋብ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ምርጫ ዝግለጸሉ እዋን ምስግጋር ሕጋዊ ኢዩ ኢሉ።

``ብዙሕ ኣይትሻቐሉ፡ እቲ ሕጊ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጉዳያት`ውን ይምልከት ኢዩ`` ኢሉ ፕሬዚደንት ካቢላ።

ዴሞክራሲያዊት ኮንጎ፡ ኣብ 1960 ናጽነታ ካብ ቤልጂም ካብትረክብ ሰላዴሞክራሲያውን ናይ ስልጣን ምስግጋር ኣይገበረትን።

ካቢላ እቲ ኣብ 2001 ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ፡ ኣብ 2016 ካብ ስልጣኑ ክወርድ ነይርዎ። እንተኾነ፡ እቲ ንዕኡ ንምትካእ ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ፡ ብሰንኪ ምስኣን ርግኣትን ናይ ሎጂስቲክን ናይ ትሕተ-ቕርጺ ጸገማትንብቐጻሊ ክሰጋገር ጸኒሑ።

ደገፍቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ግና እቲ ምስግጋር ምርጫ፡ ፕሬዚደንት ካቢላ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ስለዝደለየ ኢዩ ይብሉ። ካቢላ ግና፡ ነቲ ዝብሃል ብምንጻግ፡ ንጻግ፡ ነቲ ናይ ውሽጣዊ ጉዳያት ምኒስተሩ-ነበር፡ ኤማኒኤል ራማዛኒ ሻድሪ ተዓዊቱ ንኽወጽእ ይድግፎ ኣሎ።

እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ እናኸደ ከሎ፡ ብሃንደበት ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር እታ ሃገር ንኣምባሳድር ሕብረት ኤውሮጳ ባርት ኦቭሪ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣዚዝዎ።

ዝሓለፈ ሳምንታት፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣናት ኮንጎ ዳግማይ እገዳ ኪግበር ድሕሪ ምውሳኑ፡ መንግስቲ ኮንጎ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ መስርሕ ምርጫ እታ ሃገር ኢዳ ብምትእትታዋ ክነቕፍዋ ጸኒሖም።

ሓደ ካብቶም ሕብረት ኤውሮጳ እገዳ ኪግበረሉ ዝሓተቱ ድማ፡ ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት-ነበርን ሕጂ ንፕሬዚደንትነት ዝወዳደር ዘሎን ኤማኑኤል ራማዛኒ ሻዳሪ ኢዩ። ኤማኑኤል ኣብ 2017 ኢዩ ነፈለማ እዋን ብምግሃስ ሰበኣዊ መሰላት እገዳ ዝተገብረሉ።

ኣብቲ ናይ ሕማም ኢቦላ ማእከል እንታይ ኣጓኒፉ?

ሓደ ዓይኒ ምስክር ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ እቲ መጥቃዕትሪ ምስተፈጸመ፡ እቶም ኣብቲ ማእከል ዝነበሩ ሕሙማት ሃዲሞም።

ብድሕሪኡ፡ ፖሊስ ናብቲ ቦታ ብምምጻእ ነቲ ተእኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ጥይት ናብ ላዕሊ ብምትኳስ በቲኖሞም።

ካብቶም ዝሃደሙ 21 ሰባት፡ እቶም 17 ብሕማም ኢቦላ ዝተለኽፉ ኢዮም ነይሮም። ካብቶም ዝሃደሙ 11 ይመለሱ ድኣ`ምበር በቲ መጥቃዕቲ ኣዝዮም ``ተዳሂሎም`` ኢዮም።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰራሕተኛታት ቦርድ መረፃ ዲኣርሲ ቀዲሞም እቲ ማቺን መረፃ እንትፍትኑዎ

ስለምንታይ`ዩ ምርጫ ኣብተን ሰለስተ ከተማታት ተደናጒዩ?

ኣብዚ ወርሒ፡ ኣብ ዩምቢ ብሰንኪ ንሓደ ጭቃ-ዓዲ ኣበይ ንቕበሮ ብዝብል ዝተላዕለ ህውከት፡ 80 ሰባት ክሞቱ ከለው ኣሽሓት ድማ

ኣብ ቤኒ ድማ እታ ከተማ ብሕማም ኢቦላ ስለዝተጠቕዐት ክኸውን ከሎ፡ ኣብታ ቡቴምቦ ድማ እስላማዊ ሚሊሻ ዩጋንዳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኮንጎ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ኢዩ ይብሃል።

ደገፍቲ ተቓውምቲ ሰልፍታት ግና መንግስቲ ስጋብ ውሳኒኡ ዝቕይር ተቓውምኦም ክቕጽሉ ከምዝኾኑ ገሊጾም።

ርእይቶ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ`ከ እንታይ ነይሩ?

ተወከልቲ ሸሞንተ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሮቡዕ ኣብዘካይድዎ ኣኼባ፡ ሓደ ልኡኽ ናብ ኮንጎ ብምስዳድ ምስ ካቢላ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ክዘራረቡ ወሲኖም።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ፡ ኣስታት 40 ሚልዮን ህዝቢ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኤማኑኤል ራማዛኒን ፋዩሉን ፌሊክስ ቲሼከኢዲን ዝካየድ ምርጫ ድምጾም ክህቡ ተመዝጊቦም።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ቓወምቲ ውድባት ከይዲ እቲ መረፃ ኣብ ሕቶ ኣእትዮሞ

ስለምንታይ`ዩ ምርጫ ኣብተን ሰለስተ ከተማታት ተደናጒዩ?

ኣብዚ ወርሒ፡ ኣብ ዩምቢ ብሰንኪ ንሓደ ጭቃ-ዓዲ ኣበይ ንቕበሮ ብዝብል ዝተላዕለ ህውከት፡ 80 ሰባት ክሞቱ ከለው ኣሽሓት ድማ

ኣብ ቤኒ ድማ እታ ከተማ ብሕማም ኢቦላ ስለዝተጠቕዐት ክኸውን ከሎ፡ ኣብታ ቡቴምቦ ድማ እስላማዊ ሚሊሻ ዩጋንዳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኮንጎ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ኢዩ ይብሃል።

ደገፍቲ ተቓውምቲ ሰልፍታት ግና መንግስቲ ስጋብ ውሳኒኡ ዝቕይር ተቓውምኦም ክቕጽሉ ከምዝኾኑ ገሊጾም።

ርእይቶ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ`ከ እንታይ ነይሩ?

ተወከልቲ ሸሞንተ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሮቡዕ ኣብዘካይድዎ ኣኼባ፡ ሓደ ልኡኽ ናብ ኮንጎ ብምስዳድ ምስ ካቢላ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ክዘራረቡ ወሲኖም።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ፡ ኣስታት 40 ሚልዮን ህዝቢ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኤማኑኤል ራማዛኒን ፋዩሉን ፌሊክስ ቲሼከኢዲን ዝካየድ ምርጫ ድምጾም ክህቡ ተመዝጊቦም።