ማዳጋስካር፡ ኣንድሪ ሪጆሊና ተዓዋታይ ኣካታዓይ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኾይኑ

ሚስተር ራጆሊና ኣብ ካልኣይ ዙር እቲ መረፃ ድምፁ እንትህብ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ሚስተር ራጆሊና 56 ሚኢታዊት ድምፂ ረኺቡ ሓድሽ ፕረዚደንት ማዳጋስካር ኮይኑ።

ቅድሚ ሕዚ ፕረዚደንት ማዳጋስካር ኮይኑ ዘገልገለ ኣንድሪ ሪጆሊና፡ ንካሊእ ፕረዚደንት ነበር ተነሓናሒኡ (ተወዳዳሪ) ስዒሩ ተዓዋታይ ፕረዚደንታዊ መረጻ'ታ ሃገር ኮይኑ ተዓዊቱ።

እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት፤ ንተነሓናሒኡ ፕረዚደንት ነበር ማርክ ራቫሎማና ዝሰዓሮ፡ 56 ሚኢታዊ(ት)ድምፂ ብምርካብ እዩ።

ክልቲኦም ተወዳደርቲ ውፅኢት እቲ መረፃ ብዘይወላውል ከም ዝቕበሉ ቃል ኣትዮም ነይሮም እዮም።

ይኹን'ምበር፡ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ነበር ራቫሎማና ቅድሚ 10 ዓመት በቲ ሕዚ ዝሰዓሮ ሚስተር ራጆሊና ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱዎ ካብ ስልጣን ዝወረደ እዩ።

ንሱ፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ዝተኻየዱ መረፃታት ከቢድ ምጭብባር ክፍፀም ከም ዝፀንሐ ብተደጋጋሚ ክገልፅ ፀኒሑ እዩ።

ሕዚ'ውን እንተኾነ፡ ኣብታ ርእሰ ከተማ ከቢድ ናይ ፀጥታ ዘይምርግጋእ ሰፊኑ ዝቐነየ እንትኸውን፡ መረፃ ቦርድ ውፅኢት'ቲ መረፃ ዕላዊ ኣብ ዝተገበረሉ ስነ ስርዓት፡ ራቫሎማና ኣይተረኽበን።

ሕገ መንግስታዊ ቤት ፍርዲ'ታ ዓዲ፡ እቲ መረፃ ተቐባልነት ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣብ ውሽጢ ትሸዓንተ መዓልታት ብይኑ ከፍልጥ ትፅቢት ይግበረሉ።

ኣብ ቀዳማይ ዙር እቲ መረፃ፡ ራጆሊና 39 ሚኢታዊ እንትረክብ፤ ሚስተር ራቫሎማና ድማ 35 ሚኢታዊት ከም ዝረኸበ ይግለፅ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ጎስጓሶም፡ ቁጠባ እታ ሃገር ንምምሕያሽ ክሰርሑ ቃል ኣትዮም።

75 ሚኢታዊ ህዝቢ ማዳጋስካር፡ ኣብ ትሕቲ ሕሱም ድኽነት ከም ዝነብር መረዳእታት ይሕብሩ።

ሕዚ ካብ ስልጣኑ ዝፋኖ ዘሎ ፐረዚደንት'ታ ሃገር፡ 9 ሚኢታዊት ጥራሕ ብምርካብ ኣብ ቀዳማይ ዙር እዩ ተፋንዩ።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ መረፃ ምጭብርባራት ተፈፂሙዎ ዝብል ክሴታ ይቐርቦ እዩ

ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ዲቕ ዝበሉ ሰብ ሃፍቲ ክኾኑ እንከለው፡ ስልጣኖም ተጠቒሞም ዝረኸቡዎ እዩ ዝብል ክስታት ይቐርቦም ኢዩ።

ንሳቶም ብወገኖም ከምዚ ዓይነት ክሲታት ኣይቕበሉዎን።

ከም አቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ 2013፤ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ከየስዕብ ተባሂሉ ክልቲኦም ተወዳደርቲ ኣብ መረጻ ከይሳተፉ ተኣጊዶም ነይሮም።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ እቶም ቀንዲ ተነሓናሕቲ ሓያሎ ጎስጓስ ኣካይዶም

ማዳጋስካር፤ ኣብ 2001 ዕላዊ ዝኮነ አካታዒ ውፅኢት መረፃ ስዒቡ፡ ኣብ ዕግርግርን ናዕብን ኣትያ ናይራ።

ቅድም ክብል፡ ኣብዚ ዓመት ድማ እቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ፕረዚደንት ንባዕሉ ዝምችእ ሕጊ መረፃ ኣዳልዩ ተባሂሉ ከቢድ ተቓውሞ ገጢሙዎ። እታ ሃገር ድማ ናብ ናዕብን ዕግርግርን'ውን ኣምሪሓ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ጥሙር መንግሰቲ ቖይሙ፡ መንጎኛ ሕጊ ወፂኡ፡ ነዚ ሕዚ ዝተኻየደ መረፃ ድማ መንገዲ ፀሪጉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት