ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ፡ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ተቐቲሎም

ኣባላት ፌደራል ፖሊስ Image copyright Wazema Radio
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ

ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ፡ ክልተ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ እቲ ኸባቢ ተዛሪቦም።

ሓላፊ ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን እቲ ዞባ ኣይተ ደሳለኝ ተረፈ፡ እቶም ዝተቐተሉ ክልተ ኣባላት ፖሊስ፡ ኣብ መፈልፈሊ ሓይሊ ፊንጫኣ ከምኡ ድማ ኣብ ከተማ ጌዶ ኣብ ዝርከብ ጣብያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሓለውቲ ዝነበሩ እዮም ኢሉ።

"ነዚ ናቑጣታት እናተቐያየሩ እዮም ዝሕልውዎ። እዞም ሰባት ነበርቲ ፊንጫ ስለዝኾኑ ብዙሕ ሰብ እዩ ዝፈልጦም። ኣብ ፌደራል ፖሊስ ዝሰርሑ ተወለድቲ ኦሮሚያ እዮም። 'ቤኛላታ' ኣብ ዝበሃል ከባቢ ድማ ተቐቲሎም" ኢሉ ኣይተ ደሳለኝ።

ኣብ መኪና ኮይኖም ናብ ፊንጫኣ እናተጉዓዙ እናሃለዉ እዩ ተኹሲ ከምዝተኸፈቶም'ውን ኣይተ ደሳለኝ ይዛረብ።

ነቲ መጥቃዕቲ መን ከምዝፈጸሞ ኣይፍለጥን ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ እቶም ኣባላት ፖሊስ ትማሊ ቀትሪ ከምዝተቐተሉ ሓቢሩ።

"ንሕና ኢና ዝብል ኣካል ስለዘይተረኸበ፡ ቀታሊ ኣይተፈለጠን። እቲ ወረዳ ግን የፃርይ እዩ ዘሎ። ካብ ጌድኦ ናብ ፊንጫኣ ንሓለዋ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ፡ እዮም ተቐቲሎም። እቲ ጥይት መን ከምዝተኮሶ ግና ኣይፍለጥን። ትማሊ ከባቢ ሰዓት ሸውዓተ ከምዝተቐተሉ እቲ ወረዳ ፀብፂቡልና ኣሎ" ኢሉ እቲ ሓላፊ።

ጸጥታ ከባብታት ምዕራብ ኦሮሚያ ካብ ዝናጋዕ ጸኒሑ እዩ።

መንግስቲ እቲ ክልል፡ ኣብቲ ኸባቢ ንዝበጽሑ መጥቃዕትታት ንግንባር ናጽነት ኦሮሞ (ኦነግ) ተሓታቲ ይገብር።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኦዲፒ ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኦነግ ንሰብመዚ መንግስቲ ይቐትል፣ መሓውር የፍርስ፣ ይዘምትን ዕጥቂ ሚሊሳታት የፍትሕን ኣሎ ክብል ከሲሱ እዩ።

ብኻልእ መዳይ፡ ኣቦ መንበር ኦነግ ኣይተ ዳውድ ኢብሳ፡ ውድቡ ምስ መንግስቲ ዝገበሮ ስምምዕ፡ መንግስቲ ይጥሕሶም ከምዘሎ ቅረትኡ ገሊጹ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት