ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሼክ ሓሲና ኣብ መረጻ ባንግላድሽ ተዓዊታ

ካብ 2009 ጀሚራ ኣብ ስልጣን ዝፀንሐት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሸሕ ሓሲና ኣብ መረጻ ባንግላድሽ ድምፃ ሂባ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ 2009 ጀሚራ ኣብ ስልጣን ዝፀንሐት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሸሕ ሓሲና ኣብ መረጻ ባንግላድሽ ድምፃ ሂባ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ባንግላድሽ ሸኽ ሓሲና ኣብ`ቲ ዝተገብረ ምርጫ ብዓብላሊ ድምጺ ድሕሪ ምዕዋታ ንሳልሳይ እዋን ነታ ሃገር ክትመርሓ ምዃና ኮሚሽን መረጻ`ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ንሳ እትመርሖ ገዛኢ ሰልፊን መሻርኽቱን 288 ካብ 300 መናብር ባይቶ`ታ ሃገር ተዓዊቶም። እዚ ድማ እቲ ሰልፊ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዘመዝገቦም ዓወታት እቲ ዝዓበየ`ዩ።

ተቓወምቲ ውድባት ግን ነቲ ጎነጽን ምፍርራሕን ምትላልን ዝበዝሖ `መስሓቕ` ዝበልዎ ምርጫ ኮኒኖም። ንሳቶም ሸውዓት መናብር ጥራይ ድሕሪ ምርካቦም ዳግማይ ምርጫ ክካየድ ጠሊቦም ኣለዉ።

`ኮሚሽን ምርጫ ነዚ መስሓቕ ዝኾነ ውጽኢት ብቕልጡፍ ክስርዞ ንሓትት` ኢሉ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ካማል ሖሳይን።

`ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ትሕቲ ሓደ ዘይሻራዊ መንግስቲ ሓድሽ ምርጫ ክካየድ ንጠልብ` ኢሉ ንሱ።

ኮሚሽን ምርጫ ባንግላድሽ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ`ቲ ምርጫ ምትላላት ነይሩ ዝብሉ ጠቐነታት `ካብ መላእ`ታ ሃገር` ከምዝሰምዐ ድሕሪ ምግላጽ፡ ክምርምሮ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ደገፍቲ መራሒ ሰልፊን ተቓወምቲ ውድባት ዝተገብረ ጎነጽ ብውሑዱ 17 ሰባት ሞይቶም።

እንታይ`ዮም`ቶም ጠቐነታት?

ሰልፊ ኣዋሚ ሊግ ናይ ሸኽ ሓሲና ካብ 2009 ኣትሒዙ ንባንግላድሽ ይመርሓ`ሎ። ሓደ ካብ ተቓወምቲ ውድባት ግን እቲ ውድብ ኣቐዲሞም መድመጺ ወረቓቕቲ ዝተመልኦ ሳጹናት ተጠቒሙ ኢሉ ወቒሱ።

ኣፈኛ ተቓዋሚ ሰልፊ ሃገራዊ ሰልፊ ባንግላድሽ (ቢ ኤን ፒ)፡ ኣብ 221 ካብተን 300 መናብር `ዘይልሙድ` ኣሰራርሓ ነይሩ ኢሉ።

ምድማጽ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ልኡኽ ቢቢሲ ኣብ`ታ ወደባዊት ከተማ ቺታጎንግ መድመጺ ወረቓቕቲ ዝመልኡ ሳጹናት ከምዝረኣየት ሓቢራ። እቲ ሓላፊ ናይ`ቲ መድመጺ ቦታ ግን ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ። ኣብ`ቲ ቦታን ሓያሎ ካልኦት መድመጺ ነቑጣታትን ድማ ወከልቲ መራሒ ሰልፊ ጥራይ ተረኺቦም ነይሮም።

ብውሑዱ 47 ነቲ ጥምረት ናይ ተቓወምቲ ውድባት ወኪሎም ዝተወዳደሩ ሰባት ምድማጽ ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ምትላልን ምፍርራሕን ነይሩ ብምባል ካብ ውድድር ስሒቦም ወጺኦም።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ መረጽቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ዳካ ሪጋ ሒዞም

ጎስጎስቲ ፖለቲካ፣ ተዓዘብትን ተቓወምቲ ውድባትን እቲ ምርጫ ፍትሓዊ ከምዘይከውን ኣቐዲሞም ኣጠንቂቖም ነይሮም፡ እቲ መራሒ ሰልፊ ግን ነቶም ተቓወምቲ ውድባት ብምንዛሕ ሓሶት ወቒስዎም።

`በቲ ሓደ ወገን ጠቐነታት ይነዝሑ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ንሰራሕተኛታትናን መራሕቲ ውድብና የጥቅዑ። እዚ`ዩ`ቲ ዘሕዝን ፍጻመ ናይ`ዛ ሃገር` ኢላ ሓሲና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ።

`ሓያል ፍርሒ ንምዝራብ`

ብልእኽቲ ቢቢሲ ዮጊታ ሊማየ ዝቐረበ ትንታነ።

ብሰንበት ካብ ሓደ መድመጺ ነቑጣ ናብቲ ካልእ ዘወር ኣብ ዝበልናሉ እዋን ሓደ ነገር ንጹር ነይሩ። ደገፍቲ ሰልፊ ሸኽ ሓሲና ኣብ ቅድሚ ካሚራ ደው ኢሎም መልሲ ንምሃብ ሕጉሳትን ዓው ኢሎም ዝዘረቡን ኮይኖም ረኺብናዮም። መብዛሕትኦም ካልኦት ግን ንምዝራብ ኣዝዮም ይፈርሑ ነይሮም።

ሓደ ሰብኣይ፡ መብዛሕትኦም ቤተሰቡ ኣብ መድመጺ ነቑጣታት ምስ በጽሑ ድሮ መድመጺ ካርድታቶም ካልኦት ሰባት ተጠቒሞምሉ ከምዝጸንሕዎም ነጊሩና። ስሙ ከይንጽሕፍ ብምምሕጻን ድማ እቲ ምርጫ ፍትሓዊ`ዩ ነይሩ ኢሉ ከምዘይኣምን ገሊጹ።

ስለምንታይ ተዳሂሉ ከምዝነበረ ንምርዳእ ከቢድ ኣይነበረን። ኣብ ዝኸድናዮ መድመጺ ነቑጣ፡ ብደርዘናት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ሰልፊ ናይ`ታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኣብ ደገ ደው ቃለ-መሕትት ንዝህቡ ሰባት ብጽሞና ይጸናጸኑ ነይሮም። ዋላ ሓደ ሰብ ካብ ተቓወምቲ ሰልፍታት ኣይተራእየን።

ዋላ`ኳ`ቲ ኮምሽን ምርጫ ነቲ ዝተባህለ ምትላላት ክምርምሮ ምዃኑ እንተገለጸ፡ ንሱ ንባዕሉ ብተቓወምቲ ውድባት ብኣድልዎ ተወቒሱ`ዩ።

እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ነቲ እቲ ምርጫ ፍትሓዊ ኣይኮነን ዝብል ጠቐነ ነጺጋቶ`ኳ እንተነበረት፡ ነዚ ሓድሽ ጠቐነታት ግን ዛጊት መልሲ ኣይሃበትን ዘላ።

ውድባ ኣብ`ቲ ምርጫ ክዕወት ምዃኑ ዓቢ ትጽቢት ተገይርሉ`ኳ እንተነበር፡ እቲ ዓወት ግን ኣካታዒ ክኸውን`ዩ።

ንምንታይ`ዩ`ቲ መረጻ ኣገዳሲ ኮይኑ?

ባንግላደሽ ብኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣተዓብለለት 160 ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር`ያ። ብኣዝዩ ሃሳዪ ዝኾነ ስግራት ክሊማዊ ለውጢ፣ እስላማዊ ጥሩፍነት፣ ሱር ዝሰደደ ድኽነትን ብልሽውናን ድማ ትሳቐ።

ኣማኢት ኣሽሓት ካብ ጎረቤት ሃገር ምያንማር ሃዲሞም ዝመጹ ሮሂንጃ እስላም ኣብ`ታ ሃገር ብምህላዎም፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን፡ እታ ሃገር ዓለም-ለኻዊ ኣድህቦ ተዋሂቡዋ ጸኒሑ`ዩ።

ቀቅድሚ`ቲ ምርጫ ኣብ ዝነበር እዋን፡ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ክልቲኡ ሸነኻት ጎነጽ ነይሩ። እቲ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓለን ዓሰርተ ዓመታት ዝያዳ መላኺ ኮይኑ ተባሂሉ ብወሃብቲ ርእይቶ ዝተነቕፈ መንግስቲ`ውን ኣብ ልዕሊ ተጻረርቱ ጨፍላቒ ስጉምቲታት ክወስድ ጸኑሑ`ሎ።

መን`ዮም ነይሮም`ቶም ተወዳደርቲ?

ናይ ነዊሕ እዋን ተቐናቓኒ ሸሕ ሓሲና ዝኾነ ኻለዳ ዚያ ኣብ ፈለማ ናይ`ዚ ዓመት`ዚ ብብልሽውና ተኸሲሳ ተሓቢሳን ኣብ`ቲ ምርጫ ከይትሳተፍ ተኣጊዳን ነይራ። ንሳ ግን እቲ ክሲ ፖለቲካዊ`ዩ ነይሩ ኢላ።

ዚያ ኣብዘይተሳተፈቶ ምርጫ፡ እቲ መሻርኽቲ ሓሲናን ሚኒስተርን ዝነበረ ካማል ሆሰይን ነቲ ጥምረት ውድባት ተቓወምቲ ወኪልሉ ተወዳዲሩ።

እንተኾነ ግን እቲ ንቕዋም ናይ`ታ ሃገር ዝነደፈ ወዲ 81 ዓመት ጠበቓ ኣብ`ቲ ምርጫ ኣይተሳተፈን።

ሰልፊ ቢ ኤን ፒ ነቲ ኣብ 2014 ዝተካየደ ምርጫ ተሓሪምዎ ብምንባሩ፡ እዚ ናይ ሰንበት ምርጫ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ኩሎም ዓበይቲ ተቓወምቲ ውድባት ዝተሳተፍዎ ናይ ፈለማ ምርጫ ኮይኑ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ቀጻሊ መንገዲ ኤርትራ ናበይ?