ናይጀርያ፡ ወተሃደራት ንቤት ጽሕፈት ውርይቲ ጋዜጣ ወሪሮም

ወተሃደራት መንግስቲ ናይጀርያ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ወተሃደራት መንግስቲ ናይጀርያ ካብ 2009 ጅሚሮም ኣንጻር ቦኮ ሓራም ይቃለሱ ኣለዉ

ወተሃደራት ናይጀሪያ ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ'ታ ብብሕቲ እትውነን ጋዜጣ ደይሊ ትራስት ጥሒሶም ብምእታው ኮምፒዩተራት ወሲዶም።

እዚ ስጉምቲ'ዚ ምእሳር ናይ ገለ ሰራሕተኛታት'ታ ጋዜጣ ኣብ'ታ ሕምብርቲ ናዕቢ ቦኮ ሓራም ዝኾነት ሰሜናዊ ምብራቓዊት ናይጀሪያዊት ከተማ ማይ ዱግሪ ስዒቡ'ዩ መጺኡ።

እታ ጋዜጣ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ፡ እቲ ስጉምቲ ምስ'ቲ እታ ጋዜጣ ኣብ ናይ ሰንበት ሕታማ ሰራዊት መንግስቲ ሓደ ሓደ ብቦኮ ሓራም ዝተታሕዙ ቦታታት ከምልስ ይዳሎ'ሎ ክትብል ዘስፈረቶ ጽሑፍ ዝተታሓሓዘ ክኸውን ይኽእል'ዩ ኢላ።

እቲ ሰራዊት ግን ኣብ ቀረባ እዋን በቶም ዕጡቓት ዝተመንዝዖ ቦታ ከምዘየለ'ዩ ዝገልጽ።

እቲ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ'ታ ጋዜጣ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዝኾነ ምኽንያት ኣይሃበሉን ዘሎ።

እቶም ካብ 2009 ኣትሒዞም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀሪያ ዕንወት ዘውርዱ ዘለዉ ዕጡቓት ነቲ ዘሎ መንግስቲ ዓልዮም እስላማዊ መንግስቲ ክምዝርቱ'ዮም ዝቃለሱ ዘለዉ።

`ንነቐፌታ ተኣፋፊ`

ብመሰረት ጸብጻብ`ታ ዝተኸበረት ጋዜጣን መርበብ ሓበሬታን፡ እቶም ዕጡቓት ወተሃደራት ኣብ ሰለስተ መካይን ተጻዒኖም መጺኦም'ዮም ልዳት ናይ'ቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣቡጃ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት'ታ ጋዜጣ ጥሒሶም ኣትዮም።

ብድሕሪ'ዚ ኣቶም ወተሃደራት ንሰራሕተኛታት እታ ጋዜጣ ንኹሉ ኮምፒዩተራትን ላፕ ቶፓትን ከረክብዎም ከም ዝሓተትዎምን ነቲ ቤት ጽሕፈት ከም ዝተቖጻጸርዎን ናይ ዓይኒ መሰኻክር ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ'ቲ መዓልቲ'ቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ማይ ዱግሪ ንዝርከብ ቤት ጽሕፈት ናይ'ታ ጋዜጣ ድሕሪ ምውራር ንዞባዊ ኤዲተር ዑትማን ኣቡበከርን ጋዜጠኛ ኢብራሂም ሳዋብን ኣሲሮሞም።

Image copyright Daily Trust
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ማይ ዱግሪ ንዝርከብ ቤት ጽሕፈት ናይ'ታ ጋዜጣ ድሕሪ ምውራር ንዞባዊ ኤዲተር ዑትማን ኣቡበከርን ጋዜጠኛ ኢብራሂም ሳዋብን ኣሲሮሞም

ምስ እስላማዊ መንግስቲ [ዳዕሽ] ርክብ ዘለዎም ዕጡቓት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ባንዴራኦም ኣብ ባጋ ኣምበልቢሎም ነይሮም፡ በዚ ድማ ብኣሚኢት ዝቑጸሩ ነበርቲ'ታ ማእከል ምግፋፍ ዓሳ ዝኾነት ከተማ ከም ዝሃደሙ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቶም ዕጡቓት ናይ'ቲ ጫሌዳ ናይ ቦኮ ሓራም ዝኾነ እስላማዊ መግስቲ ኣብ ኣውራጃ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኣይስዋፕ) ካብ ሓደ መዓስከር ሰራዊት ኣጽዋር ድሕሪ ምምንዛዕ ንሓደ ኣብ ገማግም ቀላይ ጫድ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ከምዘቃጸሉ ሓቢሮም።

ደይሊ ትራስት ኣብ ትሕዝቶ ጽሑፋ፡ እቲ ሰራዊት ንከተማታት ባጋን ካልኦት ኣብ ቀረባ እዋን ብኣይስዋፕ ዝተመንዝዓን ከተማታት ዶሮን-ባጋን፣ ክሮስ ካዋ፣ ቡንዱራን፣ ኬኮኖን ኩካዋን ንምምላስ ይዳሎ ከምዘሎ ጸብጺባ ነይራ።

እቲ ሰራዊት ንወቐሳታት ተኣፋፊ ከምዝኾነን ምስ'ቶም ዕጡቓት ኣብ ዘካይዶ ግጥማት ንዘጋጥሞ ስዕረት ድማ ከምዘይእመን ልኡኻት ጋዜጣታት ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣብ መተለ ዝርከብ መዓስከሩ በቶም ዕጡቓት ከምዝተወረረ ንኽእመን ዳርጋ ሓደ ሰሙን ወሲድሉ።

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ንዝግበር ምርጫ ምድላዋት ይግበር ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ እቶም ዕጡቓት መጥቃዕትታቶም የዛይዱ ኣለዉ።

እቲ ኣብ 2015 ስልጣን ዝጨበጠን ንኻልኣይ እዋን ንኽምረጽ ዝጽዕር ዘሎን ፕረዚደንት ሙሓመዱ ቡሃሪ ነቶም ዕጡቕቃት ንምጥፋእ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ዋላ'ኳ'ቲ ሰራዊት ንመብዛሕትኡ በቶም ዕጡቓት ተመንዚዑ ዝነበረ ቦታታት ኣምሊሱ እንተኾነ፡ እቶም ዕጡቓት ግን ገና ቀዘፍቲ ዝኾኑ መጥቃዕትታት ናይ ምፍናው ተኽእሎ ኣለዎም።

ተወሳኺ ዛንታ