ኢትዮትጵያ ኤርትራ፡ ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራ ተኸፊቱ

ዶብ ኦምሓጀር-ሑምራ ተኸፊቱ Image copyright office of the PM

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ንዶብ ኦምሓጀር ሑምራ ሎሚ ዕለት 7 ጥሪ 2019 ብውግዒ ከፊቶሞ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ብፕረዚደንታት ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ተሰንዩ ናብ ተሰነይ ድሕሪ ምእታው፡ ብፕረዚደንት ኢሳይኣስ ኣፈወርቂን ሰበ-ስልጣን መንግስትን ድሙቅ ኣቀባብላ ተገይርሉ ክብል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ትዊተሩ ሓቢሩ።

ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ናብ ኤርትራ ምእታዉ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ነቲ ክልል ዘማሓድር ዘሎ ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ዘይተፈትሐ ወጥሪ ኣብ ምህዳእ ተራ ክህልዎ ዝኽእል'ዩ።

ብኻሊእ ገፅ፡ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ከተማ ሰቲት ሑመራ ሰልፊ ወፂኦም፡ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው፡ተቓውሞ ከምዘስምዑን መንገዲ ዓፅዮም ከምዝነበሩን ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

Image copyright Office of the Prime Minister/twitter
ናይ ምስሊ መግለጺ ኢታ ማጆር ሹም ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮንን (ጸጋም) ምስ ኤርትራዊ ብ/ጀ ተኽለ ክፍላይ (ተኽለ ማንጁስ)

ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይ ኣምሓራን፡ ወሰንን መንነትን መሰረት ዝገበሩ ምስሕሓባት ውጥጥን ፀኒሑ እዩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ዝተልዓሉ ጎንፅታት፡ ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ትግራይ ካብ ከተማታት ጎንደርን ኣምሓራን ከምዝተመዛበሉ ምፅብፀፃብና ዝዝከር እዩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ፡ ምኽፋት መስመር ኦምሓጀር-ሑመራ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ ንግዲ፡ መጓዝያን መራኸቢታትን ዳግም ምጅማር ሓደ ካብቲ ብዕለት 9 ሓምላ 2018 ዝተበጽሐ ሓባራዊ ስምምዕ ምዃኑ ኣብ ትዊተሩ ገሊጹ።

ዶባት ቡሬ - ደባይሲማን፡ ዛላምበሳ - ሰርሓን ብ11 መስከረም 2018 ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብያ ኣሕመድን ምኽፋቱ ይፍለጥ።

Image copyright Office of PM/twitter
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን (ጸጋም) ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ

እንተኾነ ግን፡ ድሒሩ መስመራት ራማ - ክሳድ ዒቓን፡ ዛላምበሳ - ሰርሓን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ምዕጻዎም ይዝከር። እቲ ስጉምቲ ብወገን ኤርትራ ዝተወስደ ኮይኑ፡ ተጓዓዝቲ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ካብ ፈዳራላዊ መንግስቲ ናይ መሕለፊ ፍቓድ እንተሃልይዎም ጥራይ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ከም ዝኽእሉ ከም ዝተገልጸሎም ገለ ካብኣቶም ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

እቲ ስጉምቲ ሃንደበት ዝተወስደ ምዃኑን፡ ንግዳዊ ኣቑሑት ዝጸዓና መካይን ንድሕሪት ክምለሳ ብምግዳደን፡ በቶም መስመራት ዝካየዱ ንግዳዊ ንጥፈታት ከም ዝደስከሉ ይንገር።

Image copyright Teshome Hadush
ናይ ምስሊ መግለጺ ኤርትራውያን ናብ ሑመራ እናኣተዉ

ክልቲኦም መንግስታት፡ ብዛዕባ'ቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ዛጊድ ዝሃብዎ መጠንቀቕታን መግለጽን ኣይነበረን።

ምኽፋት ናይ'ዚ መስመር ድማ ርክብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከደልድል ከም ዝኽእል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚነስተር ገሊጹ'ሎ።