ኤርትራ - ትግራይ፡ ዶክተር ደብረጽዮንን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ዘትዮም

ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ሎሚ መዓልቲ መግለፂ እንትህቡ
ናይ ምስሊ መግለጺ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ሎሚ መዓልቲ መግለፂ እንትህቡ

ዶክተር ደብረፅዮን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ኩሉ መስመራት ዶብ ምስ ኤርትራ ክፉት ንክኸውን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝተዘራረቡ ገሊፆም።

ምኽፋት ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራ፡ ድሕሪ ምዕጻው ዶባት ራማ ክሳድ ዒቓን፡ ዛላምበሳ - ሰርሓን ትማሊ ምክያዱ ብዙሓት 'እንታያ'ዩ ዝግበር ዘሎ' ዝበል ሕቶ ከልዕሉ ደሪኽዎም'ዩ።

ርእሰ ምምሕዳር (ብምክትል) ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን፤ ብዛዕባ ምዕጻው ዶብ ዛላምበሳ-ሰርሓ ተኣሳሲሩ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝተዘራረብሉን፡ ምስዝኾነ ካልእ ጉዳይ ከምዘይዛመድን ሓቢሮም።

እቶም ዶባት ከይተዓፅዉ፡ ከምቲ ተጀሚሩ ዝነበረ፡ እቲ ህዝቢ ብነፃነት ክራኸብ ከምዝመርፁ ገሊፆም፡ ይኹን'ምበር "እቲ ስጉምቲ ስርዓት ንምትሓዝ ክሳብ ዝኾነ ንኹላትና ዝጠቅም እዩ" ኢሎም።

"እቲ ህዝቢ ንህዝቢ ዝጀመርናዮ ርክብ ፅቡቅ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ከም መንግስታት ድማ፡ ናይ ክልቴና ምድልላይ ከምዘሎ ተረዲኡኒ። ደጊም ተመሊስና ናብ ኲናት እንኣትወሉ ምኽንያት ኣይክህሉን'ዩ" ኢሎም።

ብሓፈሻ፡ ንእግረ መገዲ ዋላ ይኹን'ምበር ንፈለማ እዋን ዝሐሸ ግዘ ረኺቦም ኣብ ቀፃሊ ዝምድናታት ትግራይን ኤርትራን ሓቢርካ ዝዕበየሉን ጉዳያት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝዘተዩ ወሲኾም ሓቢሮም።

እዚ ኣብ ርእሲ እቲ ምስ ዓርሱ ዝኸኣለ ኮሚቴ ዝተጣየሸሉ ዝበሉዎ ብብርኪ ፌደራል መንግስቲ ዝግበር ርክብ ተወሳኺ ምዃኑ ድማ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝተኸፈተ መስመር ዶብ ሰርሓ ዛላምበሳን፡ ቡሬ ደባይሲማ ከምኡ'ውን ራማ ክሳድ ዒቓ ስዒቡ፡ ብፍላይ ኣብ መስመር ዶብ ሰርሓ ዛላምበሳ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓቢ ንግዳዊ ርክባት ብምፍጣር፡ ካብን ናብን ክልቲአን ሃገራት ዓቢ ንግዳዊ ምንቅስቃስ ተራእዩ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝተኸፈተ ዶብ ዘላምበሳ ሰርሓ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ካብ ፌዴራል መንግስቲ ፍቓድ ንዘይብሎም ገያሾ ብ26 ታሕሳስ ተዓጽዩ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ታሕሳስ 27 መስመር ራማ-ክሳድ ዒቓ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ተዓጽዩ።

Image copyright PM office ETH
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን (የማን) ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ሰላምታ እንትለዋወጡ

ኣብ 7 ጥሪ 2019 ዝተኸፈተ ዶብ ኦምሓጀር ሑሞራ ምስ ምዕጻው እዚ ክልተ መስመራት ብምዝማድ ካልእ መልክዕ ሒዙ ነይሩ።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ተሰነይ ዝኸዱን ኣብ ምኽፋት እቲ ዶብ ዝተሳተፉን ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ትማሊ ኣማስዮም ንኢትዮጵያ ቴሌቭዥን "ኣብ ዝሓለፈ ወሑድ ኣዋርሕ'ውን ንግዳውን ማሕብራውን ርክባት ተራእዩ እዩ። ህዝብን ሰራዊትን ንዝሓለፈ ኲናት ኮኒኑ ዝመጽእ ተስፍኡ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።" ኢሎም።

"ዋላ ሓጺር ግዜ ይኹን ቀጻልነት ናይዚ ሰላም ዘቀጽል፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘሎ ርክብ ዘደልድል ስርሓት'ዩ ክረአ ጸኒሑ" ድማ ኢሎም ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ዝተዓጸወ መስመራት ድማ፡ ስርዓት ንምትሓዝን ግቡእ ቅጥዒ ንምግባርን ዝዓለመ ምንባሩ ብምሕባር ኣብ ውሑድ መዓልታት ኩሉ ምድላዋት ተጻፊፉ ዳግማይ ንክኽፈት ብሓባር ይስራሕ ምህላው ገሊጺም።

እዚ ዶብ ብቅልጡፍ ክኽፈት ኣለዎ ዝብል ናትና መርገጺ'ዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረጽዮን፡ "ዶክተር ኣብይ'ውን ነዚ ሓሳብ ክዛራረቡሉ ጸኒሖም 'ዮም፤ ኣነ'ውን ብውልቀይ ኣዘራሪበዮም እየ" ድሕሪ ምባል እዚ ዶብ ስርዓት ብዘለዎ ኣገባብ ከኽይድን ብናይ ግምሩኽን ናይ ምቁጽጻር ስርዓት ክእለን ከም ዝግብኦ ሓቢሮም።

ተወሳኺ ዛንታ