ሱዳናውያን ኣንጻር ፕረዚደንት ኣልበሸር ንዝካየድ ተቓውሞ ንዘይመርሑ ኢማም ሰጒጎም

ሰዓብቲ እምነት እስልምና ብዓርቢ ድሕሪ ዝነበረ ፀሎት ናብ ተቓውሞ ወፂኦም Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ብዓርቢ ድሕሪ ዝነበረ ፀሎት ናብ ተቓውሞ ወፂኦም

ፍሉጥ ሱዳናዊ ኢማም፡ ኣንፃር ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣል-በሽር ንዝግበር ተቓውሞ ክመርሑ ብዘይምኽኣሎም ካብ መስጊድ ንኽወፁ ብኣመንቲ ተገዲዶም።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ሓደ ውልቀ-ሰብ ንኢማም ኣብዱል ሃይ ዩሱፍ "ተስእሞ ካብዚ መስጊድ መሪሕካ ኣውፅኣና!" እናበለ ብዓውታ ክዛረቦም ይስማዕ።

ካልኦት ብዙሓት ሰዓብቲ ድማ እቲ ስርዓት ንኽወድቕ ኣዲሞም።

ፖሊስ፡ ብድሕሪ'ቲ ብዓርቢ ዝነበረ ፀሎት ናብ ዓመፅ ኣብ ልዕሊ ዝወፁ መንብዒ ጋዝ ከም ዝተኮሰ ተፈሊጡ።

ኣብ ሱዳን ንሰለስተ ሰሙናት ኣብ ዝቐነየ ተቓውሞ ዛጊድ ህይወት 22 ሰባት ጠፊኡ'ሎ።

መንቀሊ እቲ ተቓውሞ ድማ ወሰኽ ዋጋ ነዳድን ባንን ኮይኑ፡ ተቓወምቲ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣን ንኽወርዱ ሓቲቶም።

ብዓርቢ እንታይ ኣጋጢሙ?

ኣብ ፌስቡክ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ኣባላት መስጊድ ካቲም ኣል-ሙርሳሊን፡ ነቶም ኣብ ስዑዲ ዝተመሃሩ ኢማም የሱፍ ክፍትንዎም የርእይ።

ተኸተልቶም ንጋዛን ሶርያን ብምድጋፍ ሰልፊ ንኽወፁ ብምልዕዓል ዝፍለጡ ኢማም የሱፍ፡ ካብቲ መስጊድ ንኽወፁ ተገዲዶም።

ኣብ ካልእ ቪድዮ ድማ ብዙሓት ሰባት ካብቲ መስጊድ ወፃኢ ተቓውሞ ከስምዑ የርእይ።

ኣብ ካርቱም ብዓርቢ ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ቅድሚኡ ካብ ዝተኻየዱ ብዝበለፀ ንብዙሓት ሰባት ዝሰሓበን ዝተስፋሕፈሐን ምንባሩ ሮይተርስ ፀብፂቡ።

ኣባላት ፀጥታ ንተቓወምቲ ከም ዝተኸታተልዎም'ኳ እንተተገለፀ፡ ብዛዕባ ዝተጎድኡ ሰባት ዝወፀ መረዳእታ ግን የለን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት