ኣውስትራልያ፡ 500 ቁርዲድ ዝወረርዎ ገበል ናይ ደም ዋሕዲ ሕክምናዊ ረድኤት ተገይሩሉ

ኒክ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ገበል ካብቶም ቆራዲድ ነፃ ክኸውን ኪኢሉ ኣሎ Image copyright CURRUMBIN WILDLIFE HOSPITAL
ናይ ምስሊ መግለጺ ኒክ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ገበል ካብቶም ቆራዲድ ነፃ ክኸውን ኪኢሉ ኣሎ

ካብ ነብሱ 500 ቆራዲድ ክራገፉ ዝተገበረ ገበል ከም ዝተዳኸመን ዋሕዲ ደም ከም ዘጋጠሞን ሰብ ሞያ ጥዕና እንስሳት ኣወስትራልያ ሓቢሮም።

ሃደንቲ ኣትማን፡ ነቲ ገበል ኣብ ከባቢ መሕምበሲ ጋብላ ረኺቦም ከም ዘድሓንዎ ተገሊፁ።

ኒክ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ እቲ ገበል ንዘጋጠሞ ረኽሲ ህክምና ክረክብ ተገይሩ።

"ክንቀሳቐስ ዘይምኽኣሉ ድማ እቶም ቆራዲድ ከም ድላዮም ክቆፃፀርዎ ዕድል ፈጢሩሎም" ሆስፒታል እንስሳት ካረምቢን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

Image copyright Gold coast and brisbane snake catcher/facebook
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰብ ሞያ ሕክምና 511 ቁርዲድ ካብ ገበል ከም ዘራገፉ ኣፍሊጦም

እቲ ገበል ካብ ዘጋጠሞ ፀገም ጥዕና መሊኡ ምስ ሓወየ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ናብ ጫካ ክስደድ ምዃኑ ተገሊፁ'ሎ።

ሰብ ሞያ ሓለዋ እንስሳ፡ ኒክ ኣብ ሓፂር እዋና ናብ ንቡር ጥዕንኡ ክምለስ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

ቆራዲድ ንዋሕዲ ደም ዘሳጥሑ ኮይኖም፡ ሕፅረት ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም እውን የስዕቡ።