ሊቅ ጄምስ ዋትሶን፡ 'ብልሒ ኣእምሮ ጸዓዱ ካብ ፀሊምቲ ይሓይሽ'ዩ' ኢሉ

ኣመሪካዊ ሳይንቲት ጀምስ ዋትሶን Image copyright EPA

ተዓዋቲ ኖበል ፕራይዝ፡ ኣመሪካዊ ሳይንቲስት ጀምስ ዋትሶን፡ ዓሌትነትን በሊሕነትን ኣመልኪቱ ብተደደጋጋሚ ብዝሃቦ ዘረባ ናይ ክብሪ መዓርጉ ተመንዚዑ።

ንሱ ኣብ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መረዳእታ ዲ.ኤን.ኤ. ሰረት (ጂን) ኣብ መንጎ ጸለምትን ጸዓዱን ሰባት ፍልልይ ናይ ኣእምሮ ብልሒ ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ።

ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብ 2007 ከም አቆጻጽራ ፈረንጂ፡ ንጋዜጣ ታይምስ ኣብ ዝሓቦ ሓበሬታ፡ ''ኩሉ ማሕበራዊ መምሪሒታትና ብልሒ ኣፍሪቃውያን ማዕረና ኢዩ ተባሂሉ ይውሰድ፡ ግን እቲ መርመራ ሓቂ ከም ዘይኮነ የርኢ'' ኢሉ ነይሩ።

ዶክተር ዋስቶን ነዚ ርእይቶ ምስ ሃበ፡ ናይ ቻንሰለር ስርሑ ከም ዝስእንን ካብ ካልኦት ምሕደራዊ ሓፍነቱ ከም ዝባረርን ተገይሩ።

ይቅረታ ስለዝሓተተ ግን ናይ ክብሪ መዓርጉ ኣይተሓድገን ነይሩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ግን፡ ኮልድ ሰፕሪን ዝተባህለ ምርምር ማእከል ናይ ክብሪ መዓርጉ ከም ዘሕደጎ ኣፍሊጡ።

እቲ ማእከል እዚ ናይ 90 ዓመት ዝዕድሚኡ ሳይንቲስቲ ርእይቶ "መርትዖ ዘይብሉን፡ ሓላፍነት ዝጎደሎን'' ክብል ንርይትኡ ኮኒንዎ።

እዚ ሳይንቲስቲ ኣብ እንዳ ኣረጋውይን ክንክን ይግበረሉ ከም ዘሎን፡ ብዛዕባ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ንጥፈታት ብዙሕ ግንዛበ ከም ዘይብሉ'ውን ክኢላታት ይሕብሩ።

ዶክተር ዋትሶን ናይ ኮልድ ሰፕሪን ምርምር ማእከል ዳሪክተር ኮይኑ ኣብ 1968 ተሸይሙ። ኣብ 1994 ከኣ ፕረዚደንትን ቻንሰለርን ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ዋትሶን፡ ምስ ካልኦት መሳርሕቱ ኮይኑ ኣብ 1953 ዲ.ኤን.ኤ. 'ዳብል ሄሊክስ' ቅርጺ ከም ዝረኸበ ይፍለጥ።