ሱዳን ፍቓድ ክልተ ጋዜጠኛታት ወጻኢ ኣሕዲጋ

ኣብ ሱዳን፡ ተቓውሞታት ንሻድሻይ ሰሙን ይቕጽል ኣሎ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ሱዳን፡ ተቓውሞታት ንሻድሻይ ሰሙን ይቕጽል ኣሎ

ሰብመዚ ናይታ ብተቓውሞታት ትሕመስ ዘላ ሃገረ ሱዳን፡ ፍቓድ ክልተ ጋዜጠኛታት ወጻኢ ሰሪዞም።

እዚ ማለት፡ ነቲ ሻድሻይ ሰሙን ሒዙ ዘሎ፡ ኣንጻር መንግስቲ ዘቕንዐ ተቓውሞታት ከቃልሑ ኣይክእሉን እዮም ማለት እዩ።

እቲ ሓደ ጋዜጠኛ፡ ሰራሕተኛ ኣል ዓረብያ ዝተብሃለ ናይ ስዑዲ ወኪል ዜና ኮይኑ፡ እቲ ካልአይ ድማ ሰራሕተኛ ናይ ቱርኪ ኣናዶሉ ኤጀንሲ እዩ።

ሰብመዚ ንኹነታት ናይቶም ጋዜጠኛታት ክግምግሙ ከም ዝደለዩ እኳ እንተተዛረቡ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃቡን።

ንናይ ወጻኢ መራኸብቲ ሓፋሽ ፍቓድ ዝህብ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ጠቒሱ ሬይቶርስ ከም ዝጸብጸቦ፡ እቲ ገምጋም ክሳብ ዝውዳእ፡ ፍቓድ እቶም ጋዜጠኛታት ተኣጊዱ ክጸንሕ እዩ።

እቲ ተቓውሞታት ዝሓለፈ ወርሒ ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ዘሎ ቁጠባዊ ኩነታት ዝጀመረ ክኸውን ከሎ፡ ሕዚ ግን ሰልፈኛታት ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሽር ካብ መዝነቱ ክወርድ እዮም ዝጠልቡ ዘለዉ።

ሰበ-ስልጣን ሱዳን ከም ዝሕብርዎ፡ እዚ ተቓውሞ ካብ ዝጅምር ኣስታት 26 ሰልፈኛታት ከም ዝሞቱ ከመልክቱ እንከለው፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ልዕሊ 40 ሰባት ከም ዝሞቱ ይዛረቡ።