ቤት ፍርዲ ኬንያ 74 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ውሳነ ኣሕሊፉ

ቤትፍርዲ ኬንያ Image copyright SIMON MAINA

ቤት ፍርዲ ኬንያ ብዘይሓጋዊ ፍቓድ ክንቀሳቐሱ ዝተረኸቡ 74 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዝወሰነ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኤምባሲ ኣማኻሪ ቆንስላዊ ጉዳያት ኣቶ ቴድሮስ ተፈሪ፡ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ካብ ክልል ደቡብ፡ ከባብታት ሃድያን ከምባታን ምምፅኦም ተዛሪቡ።

"ካብ ዝእሰሩ ሎሚ [ሰሉስ] 12 መዓልቲ መሊእዎም ኣሎ። ዝተፈላለያ መኻይን ተጠቒሞም ብሞያሌ ዝኣተዉ እዮም" ዝበለ ኣቶ ቴድሮስ፡ እቶም 14 ጥራሕ ፓስፖርት ከም ዝሓዙ ገሊፁ።

ፖሊስን ክፍሊ ምርመራ ወንጀልን ኬንያ ብዛዕብኦም ሓበሬታ ምስ በፅሖም፡ ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኻኺቦም ከም ዝረኸብዎምን ናብ ጣብያ ፖሊስ ከም ዝወሰድዎምን ኣረዲኡ።

"ናባና ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ኣረጋግፁልና ኢሎምና። ብዝገበርናዮ ምፅራይ ድማ ዜጋታትና ከም ዝኾኑ ፈሊጥና" ኢሉ።

ዕድመ ናይቶም ኢትዮጵያውያን፡ ካብ 16 ክሳብ 22 ክኸውን ከሎ፡ ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ስራሕ ንምርካብ ናብ ኬንያ ምምፅኦም እቲ ኤምባሲ ኣብ ዘቕረበሎም ሕቶ ኣረዲኦም።

ኣቶ ቴድሮስ ከም ዝበሎ፡ ብዝተፈላለያ መኻይን ተፃዒኖም ክመፅኡ ከለዉ፡ ኣብ ኬንያ ዝቕበልዎም ሰባት ኣለዉ። "እዞም 74 መናእሰይ ኣብ ገዝኣ ክዓርፉ ዝገበረት ሓንቲ ሰበይቲ'ውን ኣብ ቀይዲ ውዒላ" ክብል ሓቢሩ።

ስምምዕ ምስ ፖሊስ

ብዘይሕጋዊ ፍቓድ ክንቀሳቐሱ ዝርከቡ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ክምስረተሎም ዝኽእል ክሲ ክብድ ዝበለ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ይኹን ደኣ'ምበር ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቶም ንኽጥረዙ ዝተወሰኖም ዜጋታት ምስ ፖሊስ ስምምዕ ኣካይዱ'ዩ።

"ክብድ ዝበለ ክሲ ንኸይምስረት ተመኻኺርና። በዚ ድማ ኣብ ምትእምማን በፂሕና። ኩነታት ዕድሚኦምን ደረጃ ትምህርቶምን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናብ ቤት ፍርዲ ክነቕርቦም ኢሎምና" ይብል ኣቶ ቴድሮስ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረቡ፡ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዝብል ውሳነ ተዋሂቡ። ፖሊስ ኬንያ ከኣ፡ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ንኽዳለወሎም ንኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኤምባሲ፡ ነቶም ፓስፖርት ዘይሓዙን ዝሓዙን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዘኽእሎ ሕጋዊ ሰነድ ጉዕዞ ካብ ትማሊ ጀሚሩ የዳልወሎም ምህላዉን ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ከም ዝውዳእን ኣብ ኬንያ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣማኻሪ ቆንስላዊ ጉዳያት ኣቶ ቴድሮስ ተፈሪ ተዛሪቡ።

ብሞያሌ ኣቢሎም ናብ ሃገሮም ከም ዝምለሱ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ካብቶም ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ እቶም ሽድሽተ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ኮይኖም፡ ኤምባሲ ኢትዮጵያ 'ንኽሕክሞም ብፖሊስ ዓጂብኩም ሃቡና' ክብል ንዘቕረቦ ሕቶ፡ 'ንሕና ክነሐክሞም ኢና' ዝብል መልሲ ከም ዝተውሃቦ ተፈሊጡ።

ኣቶ ቴድሮስ "ኣብ ሓደ ተዳጒኖም'ዮም ዘለዉ። ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ጥራሕ መግቢ ይቐርበሎም። ክትርእዮም ከለኻ ዘሕዝን'ዩ" ክብል ነቲ ኩነታት ኣረዲኡ።

ካልኦት'ከ?

ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ማእሰርቲ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ተኣሲሮም ከም ዝርከቡ ዝዛረብ እቲ ኣማኻሪ ቆንስላዊ ጉዳያት፡ ጉዳዮም ብኤምባሲ ኢትዮጵያ ክትትል ይግበሮ ምህላዉ ገሊፁ።

"ብሓፈሻ ኣብዛ ሃገር ክንደይ ዝኣኽሉ ኣለዉ? ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታትከ ይርከቡ? ዝብል ብዝርዝር፡ ናብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ [ኢትዮጵያ] ኣፍሊጥና ኢና። እቲ ሚንስትሪ ድማ ናብ ፖሊስ ፅሒፉ ስለዘሎ፡ ንዕኡ ኢና ንፅበይ ዘለና" ኢሉ።

ነቲ መረዳእታ ምስ ረኸቡ፡ ንዓይነት እቶም ብኢትዮጵያውያን ዝተፈፀሙ ገበናት ብምፍላይ፡ ብመሰረት ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ዘሎ ክልተኣዊ ስምምዕ ልውውጥ እሱራት ጉዳዮም ክረኣ ከም ዝግበር ኣረዲኡ።

ብዘይካ'ቶም 74 መናእሰይ፡ ካልኦት 14 ኣብ ከተማ ናይሮቢ፣ 98 ድማ ኣብ ሞምባሳ ብዘይ ሕጋዊ መንቀሳቐሲ ፍቓድ እናተንቀሳቐሱ ተታሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝርከቡ ካብ ኣቶ ቴድሮስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት