ክርስትያኖ ሮናልዶ 18.8 ሚልዮን ዩሮ ክኸፍል ተሰማሚዑ

ፍሽኽታ ዝመልኦ ክርስትያኖ ሮናልዶ Image copyright Reuters

ውሩይ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ክርስትያኖ ሮናልዶ፡ ብምድንጋር ቀረጽ ተኸሲሱ ትማሊ ኣብ ቤት-ፍርዲ ሰጳኛ ቀሪቡ።

ንሱ ነቲ ብቤት-ፍርዲ ዝቐረበሉ ብይን ድሕሪ ምቕባል 18.8 ሚልዮን ዩሮ ክኸፍል ተሰማሚዑ።

ሮናልዶ ናብ ቤት ፍርዲ ክኣቱ ኣብ ዝመጸሉ ሰዓት፡ ብዙሓት ማዕከናት ዜና ዓለም ኣብ ኣፍደገ ቤት-ፍርዲ ከም ዝጸንሕዎን፡ ካብ ገጹ ፍሽኽታ ከም ዘይተፈልየን እተን ማዕከናት ዜና ዓለም ሓቢረን።

ንሱ፡ ብምድንጋር ቀረጽ ን23 ወርሒ ንኽእሰር ተበዩንሉ እኳ እንተነበረ፡ ሕጊ ሰጳኛ ግን ንትሕቲ ክልተ ዓመት ዝተፈርደ ሰብ ናብ ቤት-ማእሰርቲ እይትሰድን ኢያ።

ስለዝኾነ ከኣ ክርስትያኖ ሮናልዶ ናብ ዝኾነ ቤት-ማእሰርቲ ስጳኛ ኣይክኸይድን ኢዩ።

ሮናልዶ ነቲ ብይን ብኡንብኡ ስለዝተቐበሎ፡ ኣብቲ ቤት-ፍርዲ ካብ ደቓይቕ ዝሓልፍ ግዜ ኣይገበረን።

ወዲ 32 ዓመት ፖርቱጋላዊ ሮናልዶ፡ ንሽልማት ባሎን ዲ ኦር ሓምሽተ ግዜ ዝዓተረ ኮይኑ፡ ካብቶም ብሉጻት ስፖርተኛታት ዓለምና እዩ።

ብመሰረት ፎርብስ መጽሄት፡ ሮናልዶ ሳልሳይ ዝሃብተመ ስፖርተኛ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዓመት $108 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ኣለዎ።

ብዘይካ'ዚ፡ ተጻወታይ ሊቨርፑል፡ ማድሪድን ባየር ሙኒክን ዝነበረ ስጳኛዊ ተጻወታይ ዛቪ ኣሎንሶ ብተመሳሳሊ ገበን ምስ ሮናልዶ ኣብ ቤት ፍርዲ ተረኺቡ ምንባሩ ተገሊጹ።