ሰራዊት ዚምባብዌ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት `ብመደብ መጥቃዕቲ` ብምፍጻሙ ተኸሲሱ

ዜጋታት ናብ ጽርግያ ብምውጻእ ተቓውምኦም ከስምዑ እንከለው Image copyright Getty Images

እቲ ድሕሪ ፕረዚደንት-ነበር ሮበርት ሙጋበ ናብ ስልጣን ዝደየበ ኤሜርሶን ምናንጋግዋ ነታ ብቑጠባ ዝተሓመሰት ሃገር ኣፎይታን ለውጥን ከምጽኣላ ናይ ብዙሓት ትጽቢታ እኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 14 ኣዋርሕ ኾነ ለውጢ ብዘይምምጽኡን፡ በንጻሩ ቁጠባ እታ ሃገር ካብቲ ዝነበርቶ ዝያዳ ብምንቁልቋሉን፡ ዝነደሩ ዜጋታት ናብ ጽርግያ ብምውጻእ ተቓውምኦም ከስምዑ ጀሚሮም።

መንግስቲ ነቲ ተቓውሞ ንምዝራግ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ድማ ብውሕዱ ሰሞንተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

እቲ ብመንግስቲ ዚምባብወ ዝተመዘዘ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰል ወተሃደራት`ቲ ሃገር ኣብቲ ኣብ ልዕሊ`ቶም ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞ ዘስምዑ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ``ብመደብ መጥቃዕቲ`` ብምክያዶም ከሲስዎም።

እቲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ዚምባብዌ ሰበስልጣን መንግስቲ ነቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ንምብታን ወተሃደራት ብምጥቃሞም ኣትሪሩ ነቒፍዎም።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዋጋ ነዳዲ ሰማይ ምስ ዓረገ ኢዩ እቲ ዕግርግር ተላዒሉ።

ወተሃደራት`ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ`ቶም ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞ ዘስምዑ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ሃስያ ከምዘውረዱ ገለ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሓደ ሰብኣይ ንናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ፡ ኣንድሩው ሃርዲንግ ከምዝሓበሮ፡ ንሱን ካልኦት 30 ዝኾኑ ዜጋታት ብወተሃደራት ድሕሪ ምኽባቦም ከምተሃርሙ ነጊርዎ።

እቲ ኣብ ጌን ዝቕጽል ዘሎ ህውከት፡ እቲ ቅድሚ 14 ኣዋርሕ ብደገፍ ሰራዊት ናብ ስልጣን ዝደየበ ፕረዚደንት ኤሜርሶን ምናጋግዋ ኣብ ልዕሊ`ቲ ሰራዊት ዘለዎ ምልከት ስጋብ ክንደይ`ዩ ዝብል ሕቶ የልዕል ኢሉ ኣንድሩው ሃርዲንግ።

ፕረዚደንት ምናንጋግዋ እቲ ኣብ ልዕሊ`ቲ ህዝቢ ዝካየድ ሃስያ ከምዘይጻወሮ ቃል ኣትዩ።

እንታይ`ዩ ተፈጺሙ?

እቲ ኮምሽን ኣብዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓደ ሰሙን ብውሕዱ ሸሞንተ ቅትለት ከምዝተፈጸመን፡ ኩሉ ድማ ብዝተተኮሰ ጥይት ከምዝኾነ ገሊጹ።

``ወተሃደራዊ ዩኒፎርም ብዝለበሱ ኣባላት ሃገራዊ ሰራዊት ዚምባብዌን ፖሊስን ኢዮም ነቲ መጥቃዕቲ ብመደብ ኣካይዶሞ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ`ቶም ጥቓ`ቲ መዕገቲ ሓጹር ዝተገብረሉን፡ ሰልፈኛታት ንብረት ዝዘረፉሉን ዘንደድሉን ቦታታት ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ሰባት ኢዩ ተኻይዱ`` ኢሉ እቲ ኮምሽን።

እቲ ኮምሽን ብዝርዝር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ሓይልታት ጸጥታ ብለይቲ ናብ ገዛውቲ ሰባት ብምእታው፡ ነቶም ሰብ ገዛ እንተላይ ንደቂ 11 ዓመት ቆልዑን ኣብ መሬት ብምድቃስ ከምዝሃረምዎም ገሊጹ።

``እቲ መንግስቲ ነቲ ህዝባዊ ምልዕዓል ንምግታእ ሰራዊት ብምውፋሩ ሞትን ኣካላዊ መጉዳእትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ኣስዒቡን፡ የስዕብን ኣሎ`` ኢሉ እቲ ኮምሽን ኣብዘውጽኦ መግለጺ።

ካልእ ጸብጻባት ክምዝሕብርዎ፡ ኣብ ውስጢ`ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ብውሕዱ 12 ሰባት ከምዝሞቱን ብዙሓት ብጥይት ከምዝቖሰሉን ይገልጹ።

Image copyright Reuters

ብዛዕባ ፕሬዚደንት ምናንጋግዋ`ከ?

እቲ ወዲ 76 ዓመት ምናንጋግዋ፡ ንቲ ኣብቲ ሃገር ዝተኸሰተ ዘይምርግጋእ ንምህዳእ፡ ነቲ ናይ ኤውሮጳ ዑደቱ ብምቁራጽ ብሰኑይ፡ 21 ጥሪ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ብምሰረት እቲ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ ድማ፡ ፕሬዚደንት ምናንጋግዋ ኣብቲ ኣብ ዳቮስ ስዊዘርላንድ ዝጋባእ ዘሎ ናይ ዓለም ናይ ኢኮኖሚ መጋባእያ ክሳተፍን ንዓለማውያን ኣውፈርቲ ድማ ኣብ ዚምባብዌ ከውፍሩ ክጽውዕ ትጽቢታት ነይሩ።

ናብ ሃገሩ፡ ዚምባብዌ ምስተመልሰ ኣብ ዝገበሮ ትዊት ድማ ዚምባብያውያን ፖለቲካዊ ጸግዕታቶም ብዘየገድስ ነቲ ተሃስዩ ዘሎ ቁጠባ ሃገር ንምሕዋይ ብሓባር ክጽዕቱ ተማሕጺኑ።

ኣብቲ ዝገብሮ ትዊት፡ እቲ ብኣባላት ጸጥታ ዝተኻየደ ህውከትን ዘርኣይዎ ሕማቕ ተግባራትን ``ዘይቅቡልን ክድዓት ኣንጻር ሓዳስ ዚምባብዌ ኢዩ`` ኢሉ።

እቲ ተቓውሞ ብኸመይ ጀሚሩ?

ኣብ መጀመርታ እዛ ወርሒ፡ ፕሬዚደንት ምናንጋግዋ ዋጋ ነዳዲ ከምዝወሰኸ ኣፍሊጡ።

እቲ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ነቲ ኣብቲ ሃገር ዝተራእየ ዋሕዲ ነዳዲ ንምግታእ ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ። እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዚምባብዌ ዘሎ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸበረ ከምዝኾነ ሓደ ዓለማዊ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቶም በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቁጠባዊ ሽግራት ዝሰልከዩ ዜጋታት ኣብዚ እዋን ዋላ ካብ ገዛ ናብ ስራሕ ንምኻድ ናይ ኣውቶቡስ መኽፈሊ ገንዘብ ኢዮም ስኢኖም ዘለው።

እዚ ድማ እቲ ዝነደረ ህዝቢ ኣብ ርእሰ ኸተማ ሃራረን ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እትርከብ ከተማ ቡላዋዮ ተቓውሞ ክካየድ ዝገበሮ።

Image copyright Getty Images

መንግስቲ ንመን`ዩ ዝውንጅል?

መንግስቲ ንተቓዋሚ ሰልፊ ኤምዲሲ ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ብምስዋሩ ይኸሶ።

ኣፈኛ ፕሬዚደንት፡ ጆርግ ቻራምባ፡ መሪሕነት ሰልፊ ኤምዲሲ ብቐጻሊ ነቲ ብዓሎቕ ናብ ስልጣን ዝመጸ መንግስቲ ንምውራድ ናይ ጽርግያ ተቓውሞ ክንጥቀም ኢና ይብሉ ነይሮም ኢሉ።

ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ዓሚ ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ፕሬዚደንት ምናንጋግዋ ነቲ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኔልሶን ቻሚሳ ስዒርዎ ኢዩ ኢሉ ዝሃቦ ብይን ነጺጎሞ ኢዮም።

ተቓውምቲ ሰልፍታት`ከ እንታይ ኢሎም?

ትማሊ ሰሉስ፡ ሰልፊ ኤምዲሲ ሓሙሽተ ኣባላት ባይቶ`ቲ ሰልፊ ከምዝተኣስሩን ናይ ዋሕስ መሰላቶም`ውን ከምዝተኸልከሉን ኣፍሊጡ።

ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ኤምዲሲ ዝኾነ ሞርጌን ኮሚቺ፡ ነቲ ፕሬዚደንት ምናንጋግዋ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ጸጥታ መርመራ ከካይድ ኢየ ዝበሎ ``ከምዘይኣምንዎን፡ ሓቀኛ መራሒ ከምዝይኮነን`` ገሊጹ።

መራሒ ናይቲ ተቓውሞ ስልፍታት ዝጸወዐ ማሕበር ሰራሕተናታት፡ ጃፌት ሞዮ ተኣሲሩ ይርከብ።

መራሒ ሰልፊ ኤምዲሲ፡ ኔልሶን ቻሚሳ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ``መንግስቲ ካላሽንን ካልእ ብረት ዝዓጠቑ ወተሃደራት ኣብ ጽርግያ ብምውፋር ሰላማዊ ዜጋታት ክሃርሙ ዝኾነ መመኽነይታ የብሉን`` ኢሉ።

``ሓይልታት ጸጥታ ሰባት ምስ ስድራቤቶም ዋላ ደቂሶም ዝጸንሑ ካብ ገዛውቶም ብምውጻእ ብዘይዝኾነ መመኽነይታ ተኣሲሮም`` ኢሉ ኔልሶን ቻሚሳ።