ኢትዮጵያ፡ ኣይተ በረከት ስምኦንን ኣይተ ታደሰ ካሳን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ኣይተ ታደሰ ካሳን ኣይተ በረከት ስምኦንን Image copyright TIRET / AFP

ኣይተ በረከት ስምኦንን ኣይተ ታደሰ ካሳን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣቃሊሐን።

እዞም ክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ነበር "ኣብ ኮርፖሬት ጥረት ናይ ሃብቲ ብኽነት ፈጺሞም ተባሂሎም ስለዝተጠርጠሩ" እዮም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ተባሂሉ።

ብዛዕባ ማእሰርቲ እዞም ክልተ ሰበስልጣን ንቢቢሲ ናይ ውልቀ ርእይቶኦም ዝሃቡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ "ክሳብ ሕዚ እናገምገምናዮ ካብ ዝመጻእናዮ ተላዒለ እንትግምት፡ ምስ ምጥፍፋእ ቅርሽን ብልሽውናን ብዝዛመድ፡ በረከትን ታደሰን ናይ መወዳእታ [ተሓተትቲ] እዮም ክኾኑ ዝኽእሉ" ኢሎም።

ኣይተ ጌታቸው፡ እዚ ማእሰርቲ ፖለቲካውነቱ ከምዘመዝንን፡ ክልቲኦም ጥርጡራት ፍትሓዊ ዳይነት ክረኽቡ እዮም ኢሎም ከምዘይሓስቡ'ውን ተዛሪቦም።

ብመሰረት ጸብጻብ ኤጀንሲ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣምሓራ፡ ኣይተ በረከትን ኣይተ ታደሰን ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቶም እዮም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።

ኮሚሽን ጸረ ብልሽውና ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ተጠርጠርቲ ተታሒዞም ናብ ባህርዳር ከምዝተወሰዱ ኣፍሊጡ።

ዝተጠርጠርሉ ገበን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጸመ ብምዃኑ፡ ጉዳዮም ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከብ ቤትፍርዲ ከምዝረኣይ'ውን እቲ ኮሚሽን ገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ ኣይተ በረከት ስምኦንን ታደሰ ካሳን ክሲ ክምስርት ዘኽእሎ መረዳእታታት ከምዝኣከበ ድማ እቲ ኮሚሽን ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣይተ ታደሰ ካሳ ንነዊሕ ዓመታት ዋና ፈጻሚ ስራሕ ጥረት ኮርፖሬት ኮይኑ ዝመርሐ ክኸውን ከሎ፤ ኣይተ በረከት ስምኦን ድማ ሓላፊ ቦርድ ኮርፖሬት ጥረት ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ብአዴን (ናይ ሕዚ ኣዴፓ) ዝነበሩ ኣይተ በረከት ስምኦንን ኣይተ ታደሰ ካሳን፡ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ካብ ኣባልነት ማእከላይ ኮሚቴ ከም ዝተኣገዱ ዝዝከር እዩ።

ካብ ኣባልነት ማእከላይ ኮሚቴ ድሕሪ ምእጋዶም፡ ኣይተ በረከት ስምኦን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለመሕተት፡ ካብ ብኣዴን (ናይ ሕዚ ኣዴፓ) ዝተኣገድሉ ሓደ ምኽንያት "ኣብ ጥረት' ፀገም ፈጢሮም እዮም" ብዝብል ምዃኑ ገሊጾም።

እንተኾነ፡ ነቲ ዝተባህለ "ክሲ" ከምዘይኣምንሉ ገሊጾም ነይሮም።

ኣይተ በረከት ብዛዕባ ጥረት እንትዛረቡ "ንመጀመሪ ዝተውሃበና ገንዘብ 20 ሚልየን ብርን ካብቲ ኲናት ዝተረፋ 31 ዝኣረጋ ኢነትሬታትን ማርቼዲሳትን እየን። ሕዚ 11 ቢልየን ብር ዝግመቱ፡ 20 ኩባንያታት ንክልል ኣምሓራ ኣረኪብና ኢና። ኣመስጊኖም ክስንዩና ምተገብአ ነይሩ። ፅድቂ ተሪፉ ብኣግባቡ ምነቐፈኒ ከምዝበሃል፡ ብስሩዕ እኳ ኣየሰናበቱናን" ኢሎም።

ኣይተ ታደሰ ካሳ ብተመሳሳሊ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮም ጻንሒት ካብ ማእከላይ ኮሚቴ ብአዴን ዝተኣገድሉ ምኽንያት ተሓቲቶም እንትምልሱ፡ "ንሕና እቲ ዝርዝር ኣይፈልጥናዮን፤ ኣብቲ ኣኼባ 'ውን ስለዘይነበርና። ነቲ ሰበር ዜና ኣብ ገዛና ኮፍ ኢልና እናሃለና ኢና ሰሚዕናዮ" ኢሎም ነይሮም።

ኣይተ ታደሰ ካሳ፡ ምስ ኮርፖሬት ጥረት ብዝዛመድ "ተሓታቲ ክኸውን'የ" ዝብል ስግኣት ከምዘይብሎም'ውን ተዛሪቦም እዮም።

"ብኦዲት እናተረጋገጸ ዝኸይድ እዩ። ኩሉ ነገር ኣብ ባይታ እዩ ዘሎ። እቶም ፋብሪካታት ኣለዉ፡ ሰነዳት ኣለዉ። ብኡ ምርግጋጽ ይከኣል እዩ። ኣነ ተሓታቲ ክኸውን እየ፡ ስጉምቲ ክውሰደኒ እዩ ዝብል ስግኣት የብለይን" ምባሎም ይዝከር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት