እሚልያኖ ሳላ፡ ተጻዋታይ ጋንታ ካርዲፍ ሲቲ ሒዛ ዝጠፍአት ነፋሪት አሰራ ኣይተረኸብን

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ነቲ ክለብ ዝፈረመ ኢሚልያኖ ሳላ፡ ሰኑይ ናብ ካርዲፍ እዩ እናተገዓዘ ነይሩ። Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ዝፈረመ ኢሚልያኖ ሳላ፡ ሰኑይ ናብ ካርዲፍ እዩ እናተገዓዘ ነይሩ።

ተጻዋታይ ጋንታ ካርዲፍ ሲቲ እሚልያኖ ሳላ ሒዛ ዝጠፍእት ነፋሪት ዛጊት ተስፋ ዝህብ ኣፋፍኖት ከም ዘይተረኽበ ተገሊፁ።

ሰኑይ ምሸት ኣብ ኣልዳነይ ደሴት ደሃይ ዘጥፈአት ነፋሪት ሓደ ካብቶም ተሳፈርቲ ኣርጀንቲናዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ወዲ 28 መንእሰይ ምዃኑ ይፍለጥ።

ነዛ ዝጠፍአት ነፋሪት ንምድላይ ፤ ብሰሉስ ክሳብ 1000 ስኴር ማይል ንምድላይ 5 ነፈርትን 2 ጀላቡን ተወፊረን ነይን።

ጉዕዞ ሳላ፤ ድሕሪ'ቲ ኣብ ፈረንሳ ዝተፈራረሞዎ ናይ 15 ሚልዮን ይሮ ዉዕል ኢዩ ኣብ ፈረንሳ ከተማ ወልሽ ጉዕዙኡ ኣምሪሑ።

ሓላፊ ክላብ ካርዲፍ በዚ ኣጋጠሚ ኣዝዩ ከም "ዝሰንበደ" ገሊጹ።።

ሰራሕተኛታት ባሕርን ነፈርትን ደሴየት ቻነል ፤ ፈረንሳን ዓባይ ብረጣንያን ን15 ሰዓታት ዘካየድዎ ናይ ኣለሻ ወፍሪ ብዘይ ዝኾነ ዓወት ኣስር እታ ነፋረት ኮነ ተሳፈርታ ኣይረኸቡን።

ፖሊስ ጌንሳይ፡ ዝኾነ ኣቕሓ እታ ነፋሪት ኣብ ባሕሪ ጸምበለል ክብል ከምዘይረኸቡ ገሊጾም።

ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ብወገኖም፡ ተሳፈርቲ ብሂወት ናይ ምህላዉ ዕድሎም ኣዝዮ ጸቢብ ምዃኑ ሓቢሮም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣድነቕቲ እቲ ኣጥቃዓይ ነበር ተጻዋታይ ወፂኦም ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ።

ኣቦ ሳላ ተስፋ ከም ዝቖረጸ ንማዕከን ቲቪ ሲኤን 5 ሓዘኑ ገሊጹ።

ሶሊስ ምሸት ሰዓብቲ ሳላ ንኽብሪ ሳላን ፓይሎትን ኣብ ናንተስ ዝርከቡ ፍልፍል ማያት ናይ ክብሪ ዕምባባታት ኣቕሚጦም።

ናንተስ ጋንታ ካርዲፍ ሲቲ ብ2015 ዓ.ም.ፈ ተጸንቢሩዋ፤ ክሳብ ሕጂ ድማ 48 ሽቶታት መዝጊቡ።

እታ ነፋሪት ሰዓት 7፡15 ድሕሪ ቐትሪ ካብ ናንተስ ሰሜን ምዕራብ ፈረንሳ'ያ ተበጊሳ ፤ ንኣስታት 5000ፊት ምስ ተጓዕዘት ንኣባላት ትራፊክ ኣየር ንኽትዓልብ ሕቶ ከም ዝመጾም ሐቢሮም።