ጥዕና፡ ኣብ 'መዕቆር ሽንቲ ህጻናት' ጎዳኢ ኬሚካል ተረኺቡ

ናይ ህጻናት ናፒስ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ውሕስነት ስረ-ጽሬት ህጻናት (ናፒ) ኣብ ሕቶ ዘእተወ መጽናዕቲ ፈረንሳ

ሃገራዊ ትካል ጥዕና ፈረንሳ፡ መጠኑ ዝሓለፈ ኬሚካል (ቀመም) ኣብ ናይ ህጻናት ግዝያዊ ስረ-ጽሬት (ናፒ) ከም ዝረኸበ ገሊጹ።

እቲ ትካል ኣብ ዝገበሮ መጽናዕታዊ ፈተነታት፡ ካብቲ ዝተፈቕደ ዓቐን ንላዕሊ ኬሚካላትን፡ ብትሑት ደረጃ ድማ ጸረ-ጻህያይ ዝኾነ ግሊፎሴት ዝተባህለ ቀመም ከም ዘለዎ ኣረጋጊጹ።

"ነቲ ኣብ ህጻናት ከብጽሕዎ ዝኽእሎ ሓደጋታት ኣብ ግምት ብምእታዉ" ህጹጽ ስጉምቲ ክውሰድ ድማ ጸዊዑ።

ሚኒስተር ጥዕና ፈረንሳ፡ ኣግነስ ቡዚን ግን "ኣብ ልዕሊ ህጻናት ከቢድ ወይ ህጹጽ ስግኣት ዘብጽሕ ኣይኮነን" ክብል ተዛሪባ።

"ናፒ ካብ ምጥቃም ዓዲ ክንውዕል የብልናን፡ ንዝሓለፈ 50 ክንጥቀመሉ ጸኒሕና ኢና" ክትብል ንኣገልግሎት ዜና ኤ ኤፍ ፒ ሓቢራ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብቲ ብሚኒስትሪታት ጥዕና፡ ፋይናንስን ኣከባብን ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ኣፍረይቲ ነቲ ሓደገኛ መጠን ኬሚካል ንምውጋድ 15 መዓልቲ ተዋሂብዎም ከም ዘሎ'ዩ ዝሕብር።

እቲ መጽናዕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት (ብራንድ) ናይቲ ፍርያት ከም ዝተኻደ ሓበሬታ ናይቲ ትካል የረድእ። ኣዮኖት ምዃኖም ግን ብስም ኣይጠቐሰን።

ገለ ካብቶም ኣብ ፈረንሳ ዝስርሑ ዓይነታት ስረ-ጽሬት (ናፒስ) ኣብ ካልኦት ሃገራት'ውን ዝሽየጡ'ዮም።

ሓንቲ ህጻን ኣብተን ናይ መጀመርታ 3 ዓመታት ብገምጋም ኣስታት 4000 ናፒ ይጥቀም።

እቶም ዝተረኽቡ ኬሚካላት ብመንገዲ ሽንቲ ናብ ቆርበት ህጻናት ክኣትዉ ዝኽእሉ ምዃኖም'ዩ እቲ ስግኣት ክፍጠር ኪኢሉ።

ገለ ካብኣቶም፡ ብፍላጥ ዝኣተዉ'ዮም፡ ንኣብነት "ምንጻግ (ኣለርጂስ) ናይ ቆርበት ከስዕብ ዝኽእል ጨና" ከም ዝንስነሰሉ ይግበር'ዩ።

ግሊፎሴት፡ ኣብ ኣመሪካ ብ'ራውንድኣፕ' ዝብል ስም ዝዝውተር እኳ እንተኾነ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ካንሰር ከስዕብ "ተኽእሎ" ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጹ፡ ተጣበቕቲ ክውገድ ክጽውዑ ጸኒሐም'ዮም።

ኣብ ኣውሮጳ ድማ፡ ከም ጸረ-ጻህያይ ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ'ዩ፡ ምኽንያቱ ሕብረት ኣውሮጳ ካንሰር ናይ ምስዓብ ተኽእልኡ ስለዘይቅበሎ።

ይኹን 'ምበር ፈረንሳ፡ ኣብ 2021 ከተወግዶ መደብ ስለዘለዋ'ዩ፡ እቲ ኩነታት ብዙሕ ዝዝረበሉ ዘሎ።