ዚምባብያዊ ስሙይ ድምፃዊ ኣብ መበል 66 ዓመቱ ሞይቱ

ኦሊቨር ምቱኩድዚ Image copyright Getty Images

ኣብ ታሪኽ ሙዚቃ ዚምባብዌ ዓብይ ቦታ ዘለዎን ኣዝዩ ተፈታውን፡ ን40 ዓመታት ብሉፃት ደርፍታት ክደርፍ ዝፀንሐ ኦሊቨር ምትኩድዚ ኣብ መበል 66 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

ኦሊቨር ምትኩድዚ፡ ኣብ መፋርቕ 1970ታት ልዕልነት ፀዓዱ ዝኹንኑ ደርፍታት ብምዝያም ኣፍልጦ ክረክብ ጀሚሩ።

ግጥምታት ደርፍታቱ ንማሕበራዊ ለውጢ፣ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታትን ኤችኣይቪ ኤድስን ዘድሃቡ እዮም።

ኣብ 2001 ዓመተ ፈረንጂ 'ዋሳካራ' ዝብል ደርፉ፡ ኣዝዩ ተፈታውን ኣዘራርብን ኮይኑ ነይሩ። እዛ ደርፊ፡ 'ብጣዕሚ ኣሪጎም' ዝብል ትርጉም ዘለዎ እንትኸውን፡ ብዙሓት ንነበር ፕረዚደንት ዚምባበውዌ ሮበርት ሙጋቤ መልእኽቲ ንምሕላፍ ከም ዝደረፎ ይዛረቡ።

ሮበርት ሙጋቤ፥ ተባዕ 'ዶስ ረማስ ተቃላሳይ?

ሙጋቤ እውን እዚ ደርፊ ናብ ሰማዕቲ ንከይበጽሕ ንምኽልካል ግዘ ኣይወሰደሎምን።

ኦሊቨር ምትኩድዚ፡ ሃገራዊ ቅድታት ምስ ዘመናዊ ብምኽላስ፡ 'ኣፍሮ ጃዝ' ዝተብሃለ ቅዲ ሙዚቃ ዝመሃዘ እንትኸውን፡ ኣድነቕቱ ድማ ንስራሕቱ 'ቱኩ ሚዩዚክ' ብምባል ይፅውዕዎም።

ን40 ዓመታት ንዚምባብያውያን ከምህርን ከዘናግዕን ዝፀንሐ ድምፃዊ ኦሊቨር ምትኩድዚ፡ 67 ኣልበም ሙዚቃ ብምሕታም ንዓለም ዘይሩ እዩ።

ነባርነቱ ኣብ ኣሜሪካ ዝገበረ ዚምባብያዊ ድምፃዊ ቶማስ ማፕፉ፡ ብሞት ኦሊቨር ምትኩድዚ ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላፅ፡ ኦሊቨር ምትኩድዚ ዘስደምም ድምፃዊ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ተቓላሳይ ነጻነት ከም ዝነበረ ገሊፁ።

ኦሊቨር ምትኩድዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዘሕተሞ 'ሃንያ ጋ' ዝተብሃለ ናይ መወዳእታ ኣልበሙ፡ ኩነታት ሃገሩ ኣብ ኣዝዩ ዘሰክፍ ኩነታት ከምዘሎ ዝገልፅ ነይሩ።

ን37 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝፀንሑ ፕረዚደንት ነበር ሮበርት ሙጋቤ ካብ መዝነበቶም ወሪዶም፡ ብምናንጋግዋ ምትክኦም ብዙሕ ዘሐጎሶ ኣይመስልን ነይሩ።