ኣሜሪካ ንመራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ቬኔዙላ ከም ፕረዚደንት ሃገር ተቐቢላቶ

ጁዋን ጓይዶ ንባዕሉ ከም ፕረዚደንት ምስ ሸየመ፡ ዜጋታት ኢዶም እናውለብለቡ ደገፎም እንትገልፁ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ጁዋን ጓይዶ ካብ ትማሊ ረቡዕ ጀሚሩ ንባዕሉ ከም ፕረዚደንት እታ ሃገር ገይሩ ሸይሙ ኣሎ

ኣሜሪካ ንመራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ናይታ ኣብዚ እዋን ብሕሉፍ ቁጠባዊ ዝቕበባን ካልእ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጸገማት ትሕመስ ዘላ ሃገር ከም ግዝያዊ ፕረዚደንት ከም ትቕበሎን፡ ሰራዊት ቬኔዙላ ድማ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዴሞክራሲ ከስፍን ዝጽዕር ዘሎ ጁዋን ጓይዶ ክድግፉ ጸዊዓ።

ዛጊት፡ ሸውዓተ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ ደገፈን ነቲ ግዝያዊ ፕሬዚደንት ጁዋን ጓይዶ ክገልጻ ከለዋ፡ ሚኪኮ ቦሊቭያን ኩባን ግና፡ ደገፈን ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ማዱሮ ሂበን።

ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንመራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ቬኔዙላ ጁዋን ጓይዶ ከም ግዝያዊ ፕሬዚደንት እታ ሃገር ከምዝፈልጦ ገሊጹ።

እቲ ወዲ 35 ዓመት ጁዋን ጓይዶ ብሮቡዕ ኣብ ርእሰ ከተማ ካራካስ ንነብሱ ከም ግዝያዊ መራሒ`ታ ሃገር ድሕሪ ድሕሪ ምእዋጁ`ዩ ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ መግለጺ ዝሃበ።

ብርክት ዝበላ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ፡ እንተላይ ብራዚል ኮሎምቢያን ፔሩ ኤኳዶር ኣርጀንቲናን ፓራጓይን ንጁዋን ጓይዶ ከም ሕጋዊ ፕሬዚደንት ቬኔዙላ ከምዝፈልጥኦ ገሊጸን።

ካናዳ`ውን ደገፋ ንጓይዶ ክትገልጽ ኮላ፡ ሜክሲኮ ቦሊቭያን ኩባን ግና ደገፈን ንማዱሮ ኢየን ሂበን።

እቲ ኣንጻር ፕሬዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ፡ እቲ ንዓመታት እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ቁጠባዊ ውድቀት ክትሽመም ዝገበረን ዝረአየን መራሒ፡ ተቓውሞ ኣብዝካየደሉ ዘሎ እዋን ኢዩ እዚ ኩሉ ምዕባለታት ዝርአ ዘሎ።

እቲ ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ሕሉፍ ቁጠባዊ ዝቕባበን ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌትሪክን ስእነት መሰረታውያን ኣቑሑን ንሚልዮናት ዜጋታት እታ ሃገር ክስደዱ ኣገዲድዎም ኢዩ።

ምስዚ ኹሉ፡ ድሕሪ`ቲ ተቓውምቲ ዘየተሳተደንን ብዓሎቕ ዝተኻየደ መረጻ፡ ፕሬዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ዝሓለፈ ወርሒ ንካልእይ ግዜ ከም መራሒ`ታ ሃገር ቃለ-መሓለ ፈጺሙ።

እንታይ ሓድሽ ምዕባለ ኣሎ?

ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ቬኔዙላ ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃቡ፡ ፕሬዚደንት ማዱሮ ሃገሩ ምስ ኣሜሪካ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና በቲኻን፡ ንቶም ኣብ ቬኔዙላ ዝነበሩ ናይ ኣሜሪካ ዲፕሎማሰኛታት ድማ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ቬኔዙላ ክወጹ ኣዚዙ።

ፕሬዚደንት ማዱሮ፡ ኣሜሪካ ካብ ርሑቕ ንቬኔዙላ ክተማሓድር ብምፍታና ከሲሱ። እቶም ተቓወምቲ ድማ ዕልዋ መንግስቲ ከካይዱ ይጽዕሩ ከምዘለው ገሊጹ።

ፕሬዚደንት ማዱሮ ካብ ቤተ መንግስቲ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ``ንሕና ዝኣክል ናይ ደገ ጣልቃ ምትእትታው ዝራእና ክብረት ዘሎና ህዝቢ ኢና`` ክብል ብሕርቃን ተዛሪቡ።

ንመንግስቲ ፕሬዚደንት ማዱሮ ብምድጋፍ ንኣሽቱ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዶም ኢዮም።

ብሮቡዕ፡ ጁዋን ጓይዶ ኣብ ካራካስ ዝነበረ ሕጉስ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ `` ስጋብ ቬኔዙላ ሓራ ትወጽእ`` እቲ ተቓውሞ ክቕጽል ኢዩ ኢሉ።

``ካብ ሎሚ ንድሓር ከም ግዝያዊ ፕሬዚደንት ኩሉ ፈጻሚ ሃገራዊ ስልጣን እዛ ሃገር ከምዝጨበጥኩ ቃል ይኣቱ`` ኢሉ የማናይ ኢዱ ብምልዓል።

ጁዋን ጓይዶ፡ ከም ሓላፊ ሃገራዊ ባይቶ፡ እቶም ስጋብ ሕጂ ንፕሬዚደንት ማዱሮ ክድግፉ ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት ኣንጻር መንግስቲ ማዱሮ ደው ክብሉ ጸዊዕዎም።

እንተኾነ ምኒስተር ምክልኻል ቬኔዙላ፡ ንጁዋን ጓይዶ፡ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ክመርሕን ነጻ ዝኾነ መረጻ ከካይድን ቃል ዝኣተወ ሰብ፡ ኮኒንዎ።

ማዱሮ ንመሪሕነት እቲ ሰራዊት ኣብ ጎኑ ንምስላፍ ክሰርሓሉን ሓለፋታት ክህቦምን ከምዝጸንሐ፡ ናይ ቢቢሲ ናይ ላቲን ኣሜሪካ ጋዜጠኛ፡ ካንዳስ ፔየቴ ገሊጹ።

ኣብ ናይ ትማሊ ሮቡዕ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣስታት 13 ሰባት ከምዝተቐትሉ፡ ሓደ ንሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባት ዝጣበቕ ናይ ቬኔዙላ ጉጅለ ገሊጹ።

ጁዋን ጓይዶ ፕሬዚደንት እቲ ሃገራዊ ባይቶ ኮይኑ ምስተመረፀ ነቲ ተበታቲኑ ዝነበረ ደምበ ተቓውሞ ሓይሊ ሂብዎ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ጁዋን ጓይዶ ፕሬዚደንት እቲ ሃገራዊ ባይቶ ኮይኑ ምስተመረፀ ነቲ ተበታቲኑ ዝነበረ ደምበ ተቓውሞ ሓይሊ ሂብዎ

ኣሜሪካ እንታይ ኢላ?

ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምምሕዳር ማዱሮ ``ዘይሕጋዊ ኢዩ`` ሃገር ባይቶ ግና እቲ እንኮ ``ሕጋዊ ኣካል መንግስቲ`` ኢዩ ኢሉ።

``ህዝቢ ቬኔዙላ ብትብዓት ኣንጻር ማዱሮን ስርዓቱን ተቓውምኦም ብምግላጽ ነጻነትን ልዕልና ሕግን ክረጋገጽ ድማ ጠሊቦም`` ኢሉ ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ንስርዓት ማዱሮ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቬኔዙላ ንዘውረዶ ሃስያን ምፍርራሕን ከም ``ቀንዲ ተሓታቲ`` ይወስዶ ኢሉ ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ።

ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔዮ፡ ነቲ ማዱሮ ሃገሩ ምስ ኣሜሪካ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ንምብታኽ ዝወሰዶ ስጉምቲ ድሕሪ ምንጻግ ኣሜሪካ ንማዱሮ ከም መራሒ ኣይትፈልጦን ኢያ፡ ብኣንጻሩ ሃገሩ ``ምስ መንግስቲ ግዝያዊ ፕሬዚደንት ቬኔዙላ ኩዋን ጓይዶ`` ዝምድንኣ ክተማዕብል ኢያ ኢሉ።

ማይክ ፖምፔዮ ሰራዊት ቬኔዙላ ኣብታ ሃገር ዴሞክራሲ ንምስፋን ኣብዝካየድ ጻዕርታት ደገፎም ክህቡን፡ ኣሜሪካ ድማ ጁዋን ጓይዶ መንግስቲ ንምምስራት ኣብዘካይዶ ንጥፈታት ክትድግፎ ምዃና ገሊጹ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ካልኦት ሃገራት ን ኩዋን ጓይዶ ክድግፉ ጸዊዑ።

ገለ ድሕረ ባይታ ቬኔዙላ

- ብዝሒ ህዝባ 32 ነጥቢ 4 ሚልዮን

- ካብ 2014 ኣስታት 3 ሚልዮን ህዝቢ ተሰዲዱ

- 95 ሚኢታዊት ኣታዊ እታ ሃገር ካብ ነዳዲ ኢዩ

- ንኣስታት 20 ዓመታት እቲ ማሕበርነታዊ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ

- ኣብ 2013፡ ፕሬዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ንሁጎ ቻቬዝ ብምትካእ ናብ ስልጣን መጺኡ

መን`ዩ ጁዋን ጓይዶ ?

ጁዋን ጓይዶ ከም ሰብ ብዙሕ ዘይፍለጥ ሰብ ኢዩ፡ እንተኾነ ድሕሪ`ቲ ዝተኻየደ መረጻ ፕሬዚደንት ናይቲ ብተቓወምቲ ዝተዓብለለ ባይቶ ኮይኑ።

ድሕሪ`ቲ ሓላፍነት ምጭባጡ ድማ ስጋብ ሓድሽ መረጻ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ፕሬዚደንት ናይታ ሃገር ክኸውን ሕገ-መንግስቲ ከምዘፍቕደሉ ገሊጹ።

ተማሃራይ ኣብዝነብረሉ እዋን ኣንጻር እቲ ማሕበርነታዊ መንግስቲ ሁጎ ቻቬዝን እቲ ብሕርያ ናብ ስልጣን ዝመጸ መንግስቲ ማዱሮን ተቓውሞታት ይመርሕ ነይሩ።

ከም ፕሬዚደንት እቲ ሃገራዊ ባይቶ ምምራጹ ነቲ ተበታቲኑ ዝነበረ ደምበ ተቓውሞ ሓይሊ ሂብዎ።

ተወሳኺ ዛንታ