ኮንጎ፡ ፊሊክስ ቺሰከዲ ሓድሽ ፕረዚደንት ብምዃን ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓድሽ ፕረዚደንት ደ ሪ ኮንጎ ፊሊክስ ቺሰከዲ

ፊሊክስ ቺሰከዲ ሓድሽ ፕረዚደንት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብምዃን ሎሚ ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ።

ቺሰከዲ፡ ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኪንሻሳ ዝርከብ ቤተመንግስቲ ዝተገብረ ጽንብል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ መራሒ ናይ ንሓድሕዳ "ዝተዓረቐት ኮንጎ" ክኸውን ከም ዝደሊ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ውነኡ ስሒቱ መደረኡ ንሓጺር እዋን ከቋርጽ ተገዲዱ ነይሩ። ምስ ተመልሰ ግን፡ በቲ ዘካየዶ ጎስጓስ ምድካሙ ዝሰዓበ ምዃኑ ገሊጹ።

ፈሊከስ ቺሰከዲ፡ ነቲ ነታ ሃገር ን18 ዓመታት ዝመርሓ ፕረዚደንት ጆሰፍ ካቢላ ብምትካእ'ዩ ስልጣን ተረኪቡ ዘሎ። ጆሰፍ ካቢላ፡ ኣብ 2001 ኣቡኡ ላውረንት ካቢላ ኣብ ስልጣን እንከሎ ድሕሪ ምቕታሉ'ዩ ፕረዚደንታዊ ስልጣን ጨቢጡ።

እዚ ኣብታ ሃገር ድሕሪ 60 ዓመታት ዝግበር ዘሎ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን'ዩ።

ንሱ፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ኣካታዒ ምርጫ 38.5 ሚእታዊ ድምጺ ብምርካብ'ዩ ተዓዊቱ።

እንተኾነ ግን እቲ 34.4 ሚእታዊ ዝረኸበ ካልእ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ማርቲን ፋዩሉ፡ ንውጽኢት ናይቲ ምርጫ ብምንጻግ ናብ ቤት ፍርዲ ከሲሱ ነይሩ'ዩ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ'ታ ሃገር ድማ ፈሊክስ ቺሰከዲ ብርትዓዊ ኣገባብ ከም ዝተዓወተ ድሕሪ ምብያኑ'ዩ እቲ ስነስርዓት ምርኽኻብ ስልጣን ዝካየድ ዘሎ።

እቲ ብኢማኑዌል ሻዳሪ ተወኪሉ ዝተወዳደረ ብፕረዚደንት ጀሰፍ ካቢላ ክምራሕ ዝጸንሐ ልፍንቲ ንውጽኢት ናይቲ ምርጫ ምቕባሉ፡ ምስ ቺሰከዲ ምስጢራዊ ስምምዕ ኣለዎም ዝብል ክስታት ካብ ተቓወምቲ ወገናት ኣስዒቡ'ዩ።

ክሳብ ክንደይ ምሉእ ናጽነት ክህልዎ ይኽእል ዝብል ምጥርጣራት'ውን ክስማዕ ጀሚሩ'ሎ።

ቺሰከዲ "ናብ ሰላምን ልምዓትን ዝቐንዐት ሓያል ኮንጎ ክንሃንጽ ኢና ንደሊ- ንኹሉ እትሓቁፍ ኮንጎ" ክብል መዲሩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተሳተፉ ዜጋታት፡ እቲ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን፡ እታ ሃገር ናብ ደሞክራሲ ተምርሕ ከም ዘላ ዘርኢ'ዩ ክብሉ ርእይቶኦም ገሊጾም።

ፕረዚደንት ጆሰፍ ካቢላ ብወገኑ፡ ትማሊ ንህዝቢ ኣብ ዝሃቦ ናይ ስንብታ መግለጺ፡ ዜጋታት ኮንጎ ንቺሰከዲ ምሉእ ደገፍ ክህብዎ ጸዊዑ፡ ኣድላዪ ምኽሪ ክልግሰሉ ድልዉ ከምዘሎ'ውን ጠቒሱ።

እታ ቅድሚ ሕጂ ብ"ዛየር" እትፍለጥ ዝነበረት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣብ 1960 እያ ናጽነታ ካብ ቤልጁም ረኺባ። ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ኮይኑ ዝተመርጸ ጆሰፍ ካሳቭቡ ድማ ብኡንብኡ ብዝተወለዐ ፓለቲካዊ ቅልውላዉ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተገዲዱ።

ድሕሪኡ ኣብ 1961 ዝመጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓትሪስ ሉሙምባ ድማ፡ ኣብ 1965 ካብ ስልጣኑ ብሓይሊ ድሕሪ ምውራዱ ተቐቲሉ።

ኣብ 1965 ከኣ ሞቡቱ ሰሴኮ ስልጣን ብዕልዋ ድሕሪ ምጭባጡ ነታ ሃገር ክሳብ 1997 መሪሕዋ። ብሚልዮናት ዝቑጸር ሃብቲ እታ ሃገር ከም ዝዘመተ ዝንገረሉ ሞቡቱ፡ ናብ ሞሮኮ ድሕሪ ምህዳም ብዙሕ ከይጸንሐ ኣብኡ ሞይቱ።

እቲ ንስርዓት ሞቡቱ ብጎነጻዊ ቃልሲ ዝሰዓረ ላውረንት ካቢላ ድማ ኣብ 1997 ኣብ ስልጣን መጺኡ። ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ንጉጅለ ካቢላ ወታሃደራውን ንዋታውን ሓገዛት ከም ዘበርከታሉ ይንገር።

እንተኾነ ግን፡ ላውረንት ካቢላ ኣብ 2001 ብሓለውቱ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ሽዑ ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ ወዱ ጆሰፍ ካቢላ ስልጣን ተረኪቡ።