ቅልውላው ቬኔዙላ፡ ኣሜሪካ ምንጪ ኣታዊ ፕረዚደንት ማዱሮ ከድርቕ ኢየ ኢላ

ኒኮላስ ማዱሮ (ፀጋም)፣ ጁዋን ጓይዶ (የማን)

ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ቬኔዙላ ከም ሕጋውን ግዝያውን ፕሬዚደንት`ታ ሃገር ድሕሪ ምፍላጡ፡ ፕሬዚደንት ማዱሮ ሃገሩ ምስ ኣሜሪካ ዝነበረ ዝምድና ብምብታኽ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ኤምባሲ ቬንዝዋላ ዓጽዩ። ድሕሪ`ዚ ፍጻመ፡ ሩስያ ነተን ንጁዋን ጓይዶ ከም ሕጋዊ ፕሬዚደንት ዝፈለጣ ሃገራት ኮኒና።

እቲ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ቬኔዙላን ዝተልዓለ ምትፍናን ኣብ ፖለቲካ ዓለም ዓቢ ጽልዋታት ከሕድር ጀሚሩ ኣሎ።

ምምሕዳር ፕሬዚደንት ትራምፕ ምንጪ ኣታዊ ፕሬዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ፡ ንምብታኽ ይጽዕር ከምዘሎ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ፡ ጆን ቦልቶን ገሊጹ።

ፕሬዚደንት ማዱሮ፡ ድሕሪ ሃገሩ ምስ ኣሜሪካ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ድሕሪ ምብታኻ ኢዩ፡ ጆን ቦልቶን ነዚ መግለጺ ዝሃበ።

ኣሜሪካ ብሮቡዕ ነቲ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ቬኔዙላ፡ ጁዋን ጓይዶ፡ ከም ግዝያዊ ፕሬዚደንት ብምፍላጣ፡ ፕሬዚደንት ማዱሮ ኣዝዩ ተቖጢዑ።

እቲ ጉዳይ ``ዝተሓላልኸ`` ኢዩ፡ እንተኾነ ቁጠባዊ ሓገዝ ንጁዋን ጓይዶ ንምብጻሕ መደባት ሰሪዖም ይሰርሑ ከምዘለው፡ ሚስተር ቦልቶን ኣብ ደገ ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ ንጋዜጠኛታት ሓቢርዎም።

ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ንምምሕዳር ማዱሮ ዝህቦ ደገፍ ዝተመቓቐለ ስለዝኾነ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ፕሬዚደንት ማዱሮ ዝገብሮ ጸቕጢ ንምዝያድ ይጽዕር ከምዘሎ፡ ገለ ሰበ ስልጣናት ኣሜሪካ ገሊጾም።

ብኣንጻሩ ሩስያ፡ ገለ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ንጁዋን ጓይዶ ብምድጋፈን ኮኒና፡ እቲ እዘን ሃገራት ዝወሰድኦ ስጎምቲ ንኣህጉራዊ ሕግታት ዝጥሕስን ኣብቲ ሃገር ደም ክፈስስ ዝገብርን ኢዩ ኢላ።

ምኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔዮ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጽባሕ ቀዳም ኣኼባ ብምክያድ ብዛዕባ ኣብ ቬኔዙላ ዘሎ ኩነታት ክዝቲ ጠሊቡ።

ውድብ ሃገራት ኣሜሪካ ብሓሙስ ኣብዘካየድዎ ኣኼባ ንመንግስቲ ማዱሮ ስነ-ምግባር ዝጎደሎን ዘይዲሞክራስያውን ኢዩ ኢሎሞ።

ነቲ ኣብቲ ሃገር ዝተኸስተ ዘይምርግጋእ ንምፍታሕ ``ኩሉ ኣማራጺታት ኣብ ቅድሜና ኢዩ ዘሎ`` ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ።

እቲ ህውከት ብኸመይ ማዕቢሉ?

ብሮቡዕ ገለ ንፕሬዚደንት ማዱሮ ዝድግፉን ካልኦት ድማ ዝቃወሙን ዓበይቲ ሰልፍታት ተቓውሞ ተኻይዶም።

ኣብ ርእሰ ከተማ ካራካስ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ፡ ጁዋን ጓይዶ ንገዛእ ርእሱ ሸይሙ።

ነቲ ዝምስረት መሰጋገሪ መንግስቲ ክመርሕን መረጻ ክውድብን ከምዝኾነ ቃል ኣትዩ።

ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ከምኡ ምባል ድማ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ንጁዋን ጓይዶ ከም ሕጋዊ መራሕ ሃገር ቬኔዙላ ተቐቢልዎ። ብርክት ዝበላ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ፡ ካናዳን ዓባይ ብሪጣንያን ድማ ስዒበንኦ።

እቲ ደገፍ ናይ ሰራዊት ዘይተፈልዮ ማዱሮ፡ ኩሉ ምንቅስቓሳት ጁዋን ጓይዶ ዕልዋ መንግስቲ ንምክያድ ዝሓለነ ኢዩ ኢሉ።

Image copyright EPA

እቲ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተዋህበ መግለጺ ``ነገር ምድላይ ኢዩ`` ድሕሪ ምባል፡ ሃገሩ ምስ ኣሜሪካ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ርክብ በቲኹ።

ብሓሙስ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ናይ ቬኔዙላ ኤምባስን ቆንስላትን ክዕጾ ኣዚዙ።

ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ድማ፡ እቶም ብዙሕ ኣገደስቲ ዘይኮኑ ኣባላት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ቬኔዙላ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣዚዙ።

ብኣንጻሩ፡ እተን ኣብ ቬኔዙላ ዓቢ ቁጠባውን ስትራተጂካውን ረብሓታት ዘለወን ቻይናን ሩስያን፡ ልኡላውነት ማዱሮ ደጊፈን። ሜክሲኮን ቱርክን`ውን ኣብ ጎኒ ማዱሮ ደው ኢለን።

ኣብዚ ሰሙን ጥራይ ኣብዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ ብውሕዱ 26 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓደ ኣብ ካራካስ ዝመደበሩ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ገሊጹ።

ስለምንታይ ኢዮም ሰባት ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዘካይዱ ዘለው?

ፕሬዚደንት ማዱሮ ካብ 2013 ኢዩ ንቬኔዙላ ክመርሕ ጸኒሑ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ንኻልእይ ግዜ ተመሪጹ ቃለ-መሓለ ፈጺሙ። እንተኾነ፡ እቲ ናይ ግንቦት መረጻ ብዓሎቕ ዝተዓብለለ ኢዩ ነይሩ ብምባል ተቓወምቲ ኣብቲ መረጻ ኣይተኻፈሉን።

እቲ ፕሬዚደንት ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ቁጠባዊ ምሕደርኡን፡ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ሃገራውያን ተቓወምትን ክንቀፍ ጸኒሑ።

ዋላ`ኳ ቬኔዙላ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ናይ ነዳዲ ሃብቲ ዘለዋ ሃገር እንተኾነት፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ቁጠባኣ ክወድቕ ተራእዩ። ኢንዱስትሪታት ብሕማቕ ምሕደራ ክሳቐ ጸኒሑ። ካብ ነዳዲ ይርከብ ዝነበረ ኣታዊ ድማ ባይታ ዘቢጡ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ እንታይ ገብር`ዩ?

ናይ ቢቢሲ ናይ ቢዝነስ ጋዜጠኛ፡ ናታሊ ሼርማን፡ ኣብ ዝገበረቶ ትንታነ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣሜሪካ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣናት ምምሕዳር ማዱሮ ዝዓለመ ማዕቀብ ኣዊጃ ከምዝነበረት ገሊጻ።።

ዛጊት ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ፡ እቲ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ፡ ዝኾነ ስጉምቲ ኣይወሰድን ዘሎ ኢላ። እንተኾነ እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተፈጥረ ምፍጣጥ ግና ኣብ ልዕሊ ኣታዊ ነዳዲ እታ ሃገር ስጉምቲ ክትወስድ ይድርኻ ይኸውን ኢላ ናታሊ።


ተወሳኺ ዛንታ