ፓኪስታን፤ ወዲ 9 ዓመት ህጻን፡ ቐተልቲ ስድሩኡ ፖሊስ ምዃኖም ኣቃሊዑ

ናይቲ ከባቢ ተወካሊት ሚኒስትር (ኣብ የማን) እቶም ካብ ሞት ዝደሓኑ ህጻናት ኣብ ሆስፒታል ከይዶም በጺሖም። Image copyright Punjab government
ናይ ምስሊ መግለጺ ናይቲ ከባቢ ተወካሊ ሚኒስትር (ኣብ የማን) ነቶም ካብ ሞት ዝደሓኑ ህጻናት ኣብ ሆስፒታል እናበጽሖም እንከሎ።

ኣብ ፓኪስታን ብዝተኸፍተ ተኹሲ ወላዲኡን ኣሕዋቱን ዝሰኣነ ወዲ 9 ዓመት ህጻን፡ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት እቲ ቕትለት ዝተፈጸመ ብፖሊስ ምዃኑ ኣጋሊጹ።

ሓይሊ ጸረ ግብረ-ሽበራ፡ ምስ ጉጅለ እስልምና ምትእስሳር ዘለዎም ሓሙሽተ 'ኣሸበርቲ' ኣብ ድቡብ ምዕራብ ላሆር ምስ ኣባለት ፖሊስ ቶኽሲ ኣብ ዝኸፈቱሉ እዋን ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ካልኦት ሰለስተ ኣሸበርቲ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ክልል ከተማ ሳሂዋል ከም ዘምለጡ ድማ ፖሊስ መግለጺ ሂቡ።

ይኹን'ምበር ህጻን ኦማር ኻሊል በኣንጻሩ ንጋዜጠኛታት እታ ሃገር ዝሃቦም ሓበሬታ ነዚ ዝጻረር እዩ። ስድርኡ ካብ ላሆር ናብ ናይ ቤተሰብ መርዓ እናተጓዕዙ ከለዉ ፤ ነታ ኣቦኡ ዝመርሓ ዝነበረ መኪና ፖሊስ ደዉ ከም ዘበሉዋ ይዛርብ።

"ኣቦይ 'ቶኽሲ ኣይትኽፈቱ፡ ዘድልየኩም ገንዘብ ዉሰዱ' ኢሉዎም፤ ግን ከኣ ኣይጸንሑን ቶኽሲ ድማ ከፊቶም" ክብል ኦማር ኣብ ቪድዮ ክዛረብ ይረእ። ኣብቲ ህሞት'ቲ ድማ ኣቡኡን ህጻን ወዲ 12 ዓመት ሓዉን ብሞት ተፈለይዎ።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ቀብሪ ስድራ ዑመር ዝተረኸበ በጻሒ

ኦማር ምስ ክልተ ምንኣስ ኣሓቱ ካብ ሞት ድሒኖም ኣብ ሓደ ርሕቕ ዝበለ ትካል ነዳዲ ክምዝተርኸቡ ጸብጻብ ገሊጹ።

ምስ ናይ ኦማር ቕድም ክብል ዝሃቦ ጸብጻብ ዝወሃሃድ ብናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዘተላዕለት ቪድዪ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሓ ምንባራ ንጸብጻብ ፖሊስ ድማ ተቛዉሞ በቒዓ።

ኣብታ ብሓለፍቲ መገዲ ዝተላዕለት ቪድዩ ኣርባዕተ ተሳፈርቲ ክቕተሉ እንከለዉ ዘርኢ እንትኸውን፡ ቀዳማይ ሚንሰተር እታ ሃገር ብወገኑ "ስድራቤቶሞ ኣብ ቅድሚ ደቆም ብቕሉዕ ክቕተሉ ምርኣይ ኣዝዩ ዘስደምድም ፍጻሜ" ክብል ብመገዲ ትዊተር ነቲ ተግባር ኮኒኖዎ።

ኣብ ዝሃለፈ ቀዳም፡ ወግዓዊ መርመራ ኣብ ተግባር'ኳ ኣንተወዓለ፡ ብዙሓት ሰብ ስልጣን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ ተገይሩ።

ብሰሉስ ዓቀብቲ ሕጊ ቡንጃብ ዉጽኢት ዝተኻየደ መርመራ ኣባላት ኣንጻር-ግብረ ሽበራ (ራዕዲ) ካብ ስልጣኖም ከም ዝወርዱን እቶም ካልኦት ሓሙሽተ ዕጡቓት ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐረቡን መግለጺ ሂቡ።

ፖሊስ ራዮ ኣንዋር ገበነኛ ምዃኑ'ኳ እንተተረጋገጸ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ንኽኣቱ ወሳነ ኣይተወሰደሉን፤ እዚ ተግባር ድማ ንህዝቢ ኣቖጢዑ።

ቕድም ክብል ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ስድራቤት ኦማር ኻሊል ብጾቱን ኣባል ግብረ ሽበራ ምዃኖም፡ ንሓደ ኣሜሪካዊ በዓል ዜጋን ወዲ ሓደ ኣባል ፓርላማ ነበርን ክዘርፉ መደብ ከም ዝነብሮም ዘርኢ እዩ።

ከምኡ ድማ ናይ ውግእ ኣጽዋር ሒዞም ብመኪና ክጓዓዙ ኣብ ዝተራኣይሉ እዋን መጀመርያ ናብ ፖሊስ ከም ዝቶኮሱ ፤ እቶም ፖሊስ ድማ ዲሒሮም ከም ዝቶኮሱ እዮም ሓቢሮም።

ቕድም ክብል ኣብታ ዝተዘርገሐት ቪደዩ ግን እቶም ዝተቐትሉ ሰባት ዝኾነ መሳርያ ከምዘይነበሮም ፖሊስ ብወገኖም ቐዲሞም ቶኽሲ ከም ዝኸፈቱን ገለ ክፋል ኣባላቶም ድማ ካብታ ናይ ተሳፈርቲ መኪና ቦርሳታትን ሳንዱቕን ሰሪቆም ነታ መኪናን ምስ ኣብ ዉሽጣ ዝሞቱ ሰባት ኣብ ዘለዋ ራሕሪሖማ ከምዝኸዱ ምሉእ መረዳእታ ክተከዉን በቒዓ'ላ።

ጎረባብቲን መቕርብ ዘሻን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ብዙሓት ሰዓብቲ መንእሰያትን መሰረታዉያን ጉጅለን ከም ዘለዎ ሓቢሮም። እዞም ጉጂለ ከም ወተሃደራት ዝሰልጠኑ ኮይኖም ነጻ ዜጋዉያን ኮይኖም ድማ ይነብሩ።

ሓለፍቲ ፖሊስ ነዚ ጉዳይ ብረቂቕ ይካታተልዎ ከም ዘለዉን ካብ ስልጣኖም ወጻኢ ኣዋዲ ዘይብሉ ተግባር ኣብ ልዕሊ ዝፈጸሙ ድማ መርትዖ ረኺቦም ስጉምቲ ክወስድሎም ምዃኑም ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ ሰሜን ኤስያ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝካየዱ ቕትለት ደረት ኣልቦ'ዩ።

ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ናይ ንግዲ ከተማ ካሩቺ፤ ራኦ ኣንዋር ዝተባህለ ሓላፊ ፖሊስ ብመሰረት ትእዛዝ ኣባላት ጸጥታ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ቕትለት ንጹሃን ሰባት እናፈጸመ ናይ ዕለት እንጀርኡ ይምእርር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት