ዙር ጋቦን፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ቀዳመይቲ ኮይና ውድድራ ዛዚማ

ዙር ጋቦን 2017 Image copyright XAVIER BOURGOIS

ኣብዚ ካብ ዕለት 21 ጀሚሩ ንሸውዓተ መድረኻት ክካየድ ዝቐነየ ዙር ጋቦን ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ክትዕወተሉ እንከላ፡ ሲራክ ተስፎም'ውን ኣንበሳ ዓቐብ ብምዃን ውድድሩ ዛዚሙ።

እዚ ሎሚ ዓመት ንመበል 14 ግዜ ዝተኻየደ ዙር ጋቦን ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚን ሻውዓይ መድረኽን፡ ፈረንሳዊ ሎሮንዞ ማንዚኖ ክዕወተሉ እንከሎ ፡ቢንያም ግርማይ ራብዓይ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ሻዱሻይ፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት መበል ዓስርተ ሰለስተ፡ መትከል እዮብ መበል ዕስራን ሰለስተን ከምኡ ከኣ ኣሮን ደብረጽዮን መበል ሳላሳን ሽዱሽተን ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም።

ኣብ ሓፍሻዊ ግዜ፡ ኢጣልያዊ ኒኮሎ ቦኖፊዝዩ ዕውት ውድድር ዙር ጋቦን ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ ንምዃን፡ ዕስራ ሰዓታትን ሳላሳን ትሽዓተን ደቒቅን ዕስራን ሓሙሽተን ካልኢትን ውዲእሉ፡ ሎሮንዞ ማንዚኒ ሽዱሽተ ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ ክውጽእ እንከሎ፡ሲራክ ተስፎምን መትከል እዮብን ተኸታቲሎም ሓምሻይን ሻድሻይን፡ ዳናኤል ተኽለሃማኖት ታሽዓይ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ዓስራይ ብምውጽኦም፡ ኣርባዕተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ቀዳሞት ዓሰርተ ውድድሮም ዛዚሞም።

ኣብዚ ውድድ ብተመስገን ብሩ፡ ሬድዋን ኢብራሂም፡ ታምራት ገብረዋህድ፡ ፍስሃ ገብረማርያም፡ ቴድሮስ ረዳእን ክብሮም ሃይለማርያምን ዝተወከለት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ካብ ቀዳመይቲ ዓሰርተ ኣርባዕተ ካልኢት ድሒራ መበል ሻድሻይ ወጽያ።

ዛጊት ካብ 2006 ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ኣብ 2014 ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ቀዳማይ ኮይኑ ክዕወተሉ ከሎ፡ ኣብ 2017 ተስፎም ዑቕባማርያም ኣብ 2012 ድማ ሜሮን ርእሶም ካልኣይ ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም እዮም።

ብላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ዝፍለጥ ዙር ጋቦን፡ ብዩሲኣይ ናይ 2.1 ደረጃ ዘለዎ፤ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ እዩ።

ኣብዚ ንመበል 14 ግዜ ዝተኻየደ ዙር ጋቦን ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ፡ ሃገራውያን ጋንታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ርዋንዳ፡ ጋቦን፡ ሞሮኮ፡ ሞርሽየስ፡ ኮት ዲቫር፡ ቡርኪናፋሶ ኣልጀርያን ካሜሮንን ክሳተፋ እንከለዋ፡ ብደረጃ ጋንታ ናይ ፈረንሳ ዳይረክት ኢነርጂ፡ ቪታለ ኣርከያ ሳምሲክ፡ ናይ ጣልያን ኣድሮኒ ግያካቶሊ ከምኡ ከኣ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሮ ታቸ ተሳቲፈን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት