ዓወትታት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፡ ቀደምን ሎምን

ናይ ፈለማ 90ታት ተቀዳደምቲ Image copyright Mewael Mehansho
ናይ ምስሊ መግለጺ ደው ካብ ዝበሉ፡ የማነ ቴድሮስ፡ ቢንያም ያሬድ፡ ዮናስ ዘካርያስ፡ ብንያም በርሀ፡ ስብሓት ኣስመሮም፡ ዳኒኤል ኣበበ፡ ዘርእዝጊ ወልደግዮርጊስ፡ ዮሴፍ ኣለምሰገድ፡ ኣቶ የማነ ነጋሲ፡ ደሳለኝ ነጋሽ፡ ሳምሶን ሶሎሞን፡ ኮፈ ካብ ዝበሉ ሚኪኤል ዘካርያስን ሳምኤል ዘካርያስ

ንህዝቢ ብራዚል ኵዕሶ እግሪ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ዓይነት ውድድር ክኸውን እንከሎ፡ ኵዕሶ ስክዒት እንክልዓል'ውን ኣመሪካውያን እዮም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ፡ ኤርትራውያን ከኣ ብቅድድም ብሽክለታ ክልዓሉ ብዙሕ ግዜ ይስማዕ'ዩ።

ኤርትራውያን፡ ንብሽክለታ ኣካል ኣገደስቲ ንዋት ቤት ገይሮም ካብ ዝሕዝዎ ዘመን ሓሊፉ'ሎ።

ኣብ 1910 ብሓደ ወተሃደር ጣልያን ናብ ኤርትራ ከም ዝተኣታተወት ዝዝረበላ ብሽክለታ፡ ኣብዚ ሰዓት እዚ ብዙሓት ኣብ ዝባና ተሓንጊሮም ኣብ 'ፖንድዩም' ደይቦም ስም ሃገሮም ከጸውዑ ባንዴራ ሃገሮም ከንበልብሉን ብዙሕ ግዜ ተራእዮም'ዮም።

ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ካብ 1936-2011 ዝብል መጽሓፍ ዝደረሰ፡ ኣብ 2013 ሓላፊ ቴክኒክ ሃገራዊ ፌደረሽን ብሽክለታ ኤርትራ ከምኡ ከኣ ካብ 2004 ክሳብ 2014 ኣካያዲ ቅድድም ብሽክለታ 'ማውንቴይን ባይክ' ዝነበረ መዋእል መሃንሾ ከምዚ ይብል።

"1910 ኣብ ባጽዕ ንብሽክለታ ዝተኸልከለ ምዃኑ ዝሕብር 'ታቤላ' ስለ ዝተረኸበት ብሽክለታ ኣብ ኤርትራ ካብቲ እዋን ጀሚራ ኣብ ኣገልግሎት ትውዕል ምንባራ ከም መረጋገጺ ክውሰድ ይክኣል እዩ።"

Image copyright Mewael Mehansho
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ 1985 ኣብ ዓመታዊ ውድድር መላእ ኢትዮጵያ ዝተዓወተት ጋንታ ኤርትራ

ኣብ 2004 ከምኡ ድማ 2005 ብዙሓት ናብ ኩናት ስለዝኸተቱ፡ ኣብ ኮርሶ ኤርትራ ብዙሕ ሓርጎጽጎጽ ነበረ።

ኣብቲ እዋን፡ መዋእል መሃንሾ "ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ፍውሲ የድለዮ ኣሎ" ዝብል ጽሑፍ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ጽሒፉ።

"ድሒረ'ውን 'ንኺድ ናብ ቀዳሞት' ዝብል ንሕሉፍ ታሪኽ ብሽክለታ ኤርትራ ዝነግር ጽሑፋት ከሕትም ምስ ጀመርኩ ኣኪብካ ምሉእ መጽሓፍ ዘይትገብሮ ዝብል ሓሳብ ካብ ሰባት ስለዝመጸኒ ብዕቱብ ክሕዞ ጀሚረ" ብምባል ነዛ ካብ 1936 ጀሚራ ንታሪኽ ብሽክልታ ኤርትራ እተዘንቱ መጽሓፉ ከም ዘዳለዋ ይዛረብ።

ስለዝኾነ፡ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ እንክልዓል ናብ ሰላሳታት ከይተመለስካ ነዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ምትንታን ዝክኣል ኣይኮነን ይብል መዋእል።

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ዝነበረትሉ ኣሃዱ ኢሉ ዝጀመረ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ኣብ 1937 ብደቀባት ኤርትራ እትምወል ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራውያን ክትምስረት ከምዝከኣለት ድማ የዘንቱ።

"ጋንታ ዓንደማርያም፡ ጋንታ ወልደሚካኤል ኣስመሮም (በርበረ)፡ ጋንታ ካሕሳይን ሰለስቴና ሓቢርና ኣንጻር ጥልያናውያን (ኤርትራ ዋላ እኳ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እንግሊዝ እንተነበረት፡ ብሽክለታ ዝወዳደሩ ግን ኢጣላውያን እዮም ነይሮም) ዘይንገጥም ብዝብል ሓሳብ ኣብ 18 ሕዳር 1951 ድሕሪ ምርድደኦም 26 መጋቢት 1952 ጋንታ ኣፍሪቃ ተመስሪታ" ይብል መዋእል።

"ኣብ ምምስራት ጋንታ ኣፈሪቃ ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያም'ውን ሓደ ሚእቲ ሽልንግ ከምዘዋጽኡን፡ ኣብ 1952 ብደረጃ ጋንታ፡ 'ጋንታ ኣፍሪቃ' ቀዳመይቲ ክትወጽእ እንከላ ብውልቂ ክኣ ወልደሚካኤል ኣስመሮም (በርበረ) ተዓዊቱ" ይብል።

ኤርትራውያን ኣብዚ ሕጂ እዋን ንከም ውድድራት ዙር ርዋንዳ፣ ዙር ጋቦን ላ ትሮፒካለ ኣሚሳን ባንጎን ካልእን ውድደራት ናይ ኣፍሪቃ ክዕብልልዎን ኣብ ዓበይቲ ዓለምለኻውያን ውድደራት ኣትዮም ዓብሊሎም ክወጹን ምርኣይ ንቡር ኮይኑ ኣሎ።

ኣስመራ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ዘለዋ ብራኸን ካብ ኣስመራ ወሑዳት ኪሎ ሜተር ናብ ወገን መንደፈራ ዝርከብ ዓቀብ መንጉዳ፡ መንዲ ባጽዕ ዘሎ ጥውይዋይ ዓርበሮቡዕን፡ መንገዲ ከረንን፤ ዳንጋ ተወዳደርቲ ኣብ ምስሓል ዓቢ ግደ ከም ዘለዎ ብዙሓት ይሰማምዑ።

ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ቤት፡ ብሽክለታ ኣላ ምባል ናብ ሓቂ ዝቐረበ'ዩ ብፍላይ ክኣ ኣብ ከተማታት።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፡ ዋላ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበርሉ'ውን ንኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብ ብዙሕ ዓለምለኻዊ ውድድርን ኦሎምፒክን ተሳቲፎም'ዮም።

Image copyright Mewael Mehansho
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ 1956 ሜልቦርን ኦሎምፒ ኢትዮጵያዊ ገረመው ዶምቦባ እናመረሐ

ኣብ 1956፡ ክልተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ መስፍን ተስፋይን ጸሃየ ባህታን፡ ምስ ኢትዮጵያውያን ደምቦባ ግርሙ፡ ኣብ ሜልበርን ዝተኻየደ ኦሎምፒክ።

ኣብ 1960 ክልተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ጂቫኒ ማሶላን፡ ኣቶ ኣልኣዛር ክፍሉን ንኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ተሳቲፎም።

ኣብ 1964 ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ የማነ ነጋሲ፡ ፍስሓጽዮን ገብርየሱስ ተኸስተ ወልዱ ( ጀጋንተ) ከምኡ'ውን ኣቶ መሓሪ ዑቕባሚካኤል ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ።

ኣብ 1968 ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ የማነ ነጋሲ፡ ፍስሓጽዮን ገብርየሱስ ተኸስተ ወልዱ ( ጀጋንተ) ከምኡ'ውን ኣቶ መሓሪ ዑቕባሚካኤል ኣብ ኦሎምፒክ ሜክሲኮ።

1972 ሓሙሽተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ የማነ ነጋሲ: ፍስሓጽዮን ገብርየሱስ ተኸስተ ወልዱ ( ጀጋንተ) ሱሌማን ዓብዱራሕማን ከምኡ'ውን ኣቶ መሓሪ ዑቕባሚካኤል፡ ኣብ ኦሎምፒክ ሙኒሽ ክሳተፉ ክኢሎም እዮም።

Image copyright Mewael Mehansho
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ 1986 ንኤርትራ ወኪላ ናብ ሃዋሳ ዝኸደት ጋንታ

ድሕሪ ናጽነት

ድሕሪ ናጽነት፡ ብፍላይ ክኣ ኣብቲ ዙር ኤርትራ ዝጀመረሉ፡ ክሳብ 15 ጋንታታት ናይ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዙር ይሳተፋ ምንባረን ዝሓበረ መዋእል መሃንሾ፡ ኣብቲ ግዜ መን ካብ መን ይበልጽ ንምፍላዮም ዘጸግሙ ተቐዳደምቲ ምንባሮም ድሕሪ ምሓባር፡ ኣስዒቡ፡ ድሕሪ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ ኩሉ ሰብ ስለ ዝኸተተ እቲ ኮርሶ ምድኻም ከም ዝተራኣዮ ይሕብር።

Image copyright Mewael Mehansho
ናይ ምስሊ መግለጺ ጋንታ ስካንያ 1993-1996

ገለ ካብቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተራኣየ ዕብይ ዕብይ ዝበለ ፍጻመታት ከኣ ነዚ ይመስል።

2001፡ ብምኽንያት ዓስራይ ዓመት መዓልቲ ናጽነታ ኤርትራ ዙር ኤርትራ ጅሚሩ፡ ሃብተ ወልደስምኦን ነዚ ውድድር ክዕወተሉ እንከሎ ኣብ 2003 ከምኡ'ውን 2004'ውን ሃብተ ወልደስምኦን ነዚ ውድድር ክዕወተሉ ክኢሉ'ዩ።

2009፡ ዙር ኤረትራ ብዩሲኣይ ኣፍልጦ ብምርካብ ናይ 2.2 'ካታጎሪ' ተዋሂብዎ ብሓሙሽተ መድረኻት ተኻይዱ፡ ሜሮን ርእሶም ነቲ ውድድር ክዕወተሉ እንከሎ በረኸት የማነ ክኣ ኣምበሳ ዓቐብ ብምኻን ውድደሩ ዛዙሙ።

2012: ኤርትራ ብተቀዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ተወኪላ ኣብ ኦሎምፒክ ሎንዶን ተሳቲፋ።

2013: ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ዕዉት ዙር ቱርኪ ኮይኑ።

Image copyright JEAN-PHILIPPE KSIAZEK
ናይ ምስሊ መግለጺ ናትናኤል ብርሃነ

2014: ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ቀዳማይ ኣፈሪቃዊ ዕዉት ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ 2014 ኮይኑ

2015: ኤርትራ ልዕሊ 16 ፕሮፎሽናል ተቀዳደምቲ ከተፈሪ ክኢላ።

2015: ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ቀዳሞት ኤርትራውያንን ጸለምቲ ኣፍሪቃውያንን ኣብ ቱረ ዲ ፍራንስ ክሳተፉ ዝኽኣሉ ተባሂሎም ኣብ መዝገብ ሰፊሮም።

2015፡ ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ናይ ዓቐብ ነጥቢ ብምምዝጋብ ቀዳማይ ኤርትራውን ጸሊም ኣፍሪቃውን ናይ ዓቀብ ናይ መድረኽ ዕውት ክኸውን በቒዑ።

Image copyright Mewael Mehansho
ናይ ምስሊ መግለጺ ውደድር ብሽክለታ ኣብ ሰማንያታት ኣብ ጎዶናታት ኣስመራ፡ ነብሲሄር የማነ ተኸስተ ጻዕዳ ማልያ ገይሩ ዘሎ

ድሕሪ ናጽነትን ኦሎምፒክን

ብፒስ ቦት ትፍለጥ ናብ ኤርትራ ዑደት ትገብር ዝነበረት ጉጅለ በጻሕቲ፡ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዝነበረ ውድድር ብሽክለታ ብምምሳጥ 1996 ዮናስ ዘካርያስን በረኸት ዘርአን ብውድድር ተመሪጾም ብፒስ ቦት ተመዊሎም ኣብ ጃፓን ስልጠና ድሕሪ ምውሳድ ናብ ኦሎምፒክ ኣትላንታ ከይዶም።

ኣብቲ እዋን፡ ኤርትራ ኣባል ዓለማዊ ውድድር ኦሎምፒክ ስለ ዘይነበረትን ኣባል ዓለማዊ ውድድር ኦሎምፒክ ንምዃን ብውሕዱ ኣብ ሓሙሽተ ኣህጉራዊ ፌደሬሽናት ክትከውን ስለዝነበራ እዚ ክኣ ስለዘየማላኣቶ ካብ ውድድር ክቦኽሩ ክኢሎምን።

በዚ ምክንያት ድሕሪ ናጽነት ቀዳሞት ተሳተፍቲ ኦሎምፒክ ናይ ምዃን ዕድሎም በዚ ተቖጽዩ ይብል መዋእል መሃንሾ።

ድሕሪ ናጽነት ቀዳማይ ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ

Image copyright Bryn Lennon
ናይ ምስሊ መግለጺ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት

"ዳዊት መሓሪ (ኢራብ) ኣብ 1999 ኣምጺእዎ ዝነበረ ብቕዓት ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ናይ ምዃን ዕድል ረኺቡ ነይሩ፡ ፌደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ግን ከሳልጠሉ ኣይክኣለን" ዝበለ መዋእል መሃንሾ፤ "2004'ውን ሃብተ ወልደስምኦንን ኤፍሬም ተወልደ (ዓዲ ገምበሎ) ምስ ጋንታ ማርኮ ፖሎ ናይ ምስታፍ ፈተነ ገይሮም ነይሮም እታ ጋንታ ግን ናብ ደረጃ ፕሮፈሽናል ኣይበጸሐትን ነይራ" ይብል።

ካብዚ ተበጊሱ፡ ቀዳማይ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ኤርትራ ዳንኤል ተክለሃይማኖት'ዩ ይብል።

መዋእል መሃንሾ ኣብ መወዳእታ "ብሽክለታ ኤርትራ ኣካይድኡ ምሉእ ብምሉእ ኣዐርዩ ኣብ ቀረባ እዋን ኤርትራ እትውንና ጋንታ ኣብ ቱር ዲፊራንስ ክንርኢ" ብምባል ትምኒቱ ይገልጽ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ስፖርት ምስ ደቂ ኣንስትዮ ይኸይድ' ዶ?

ተመሳሳሊ ዛዕባታት