ሸኽ መሓመድ ሑሴን ዓሊ-ኣላሙዲ መን እዮም?

ሸኽ ሞሓመድ ሑሴን ኣል-ኣሙዲ Image copyright IBTime

ትውልደ ኢትዮጵያውን ዜግነት ስዑድዓረብ ዘለዎምን ቢልየነር ሸኽ መሓመድ ሑሴን ኣል-ኣሙዲ፡ ትማሊ ተኣሲሮምሉ ካብ ዝነበሩ ቤት-ማእሰርቲ ሪያድ ምስተፈትሑ፡ ኣብ ጅዳ ናብ ዝርከቡ ስድርኦም ተፀንቢሮም።

መንግስቲ ስዑድዓረብ ብዘካየዶ ወፍሪ ፀረ-ግዕዝይና ስዒቡ፡ ምስ ብዙሓት ስሙያት ሰብ-ሃፍትን ንጉሳውያን ቤተሰብን፡ ንልዕሊ 14 ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ዝፀንሑ ሸኽ መሓመድ ሑሴን ኣል-ኣሙዲ ንክፍትሑ፡መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዑል ግደ ከምዝነበሮ ጠበቕኦም ኣይተ ተካ ኣስፋው ንቢቢሲ ገሊፆም።

ትማሊ ብስልኪ ረኺብና ዘዘራረብናዮም ኣይተ ተካ ፡ ጥዕና ሸኽ ሞሓመድ ሑሴን ኣል-ኣሙዲ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዘሎን፡ ናብ ስደርኦም ከምዝተፀምበሩን ሓቢሮም።

ናብ ኢትዮጵያ መዓዝ እዮም ክመፅኡ? ንዝብል ሕቶና እንትምልሱ ድማ፡ " ናብ ኢትዮጵያ ምምላሶም ኣይተርፍን፤ ይኹን'ምበር መዓዝ ከምዝመፅኡ ብርግፀኝነት ምዝራብ ኣይኽእልን" ኢሎም እቶም ጠበቓ።

ማእሰርቲ ንጉሳውያን ቤተሰብን ሰብሃፍትን

መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ብዛዕባ መንነት እሱራት ዝርዝር ሓበሬታ ዋላ እኳ እንተዘይሃበ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት 26 ጥቅምቲ ጀሚሩ ብብልሽውና ተጠርጢሮም ተኣሲሮም ዝነበሩ ልኡላት፣ ሚኒስትራት፣ ሚኒስትራት ነበርን ከምኡ እውን ሸኽ መሓመድ ዓሊ ኣላሙዲ ይርከብዎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብውልቀ ሰብ ሃፍቲ ኢንቨስትመንት (ወፍሪ) ንዓመታት ብዙሕ መዋእለ ነዋዮም ዘፍሰሱ ኣላሙዲ፡ ብዘለዎም መጠን ሃፍቲ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ሞንጎ ዝፅርሑ ቢልየናራት ሓደ እዮም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ተዋፊሮም ብዝርከቡ ዓበይቲ ትካላቶም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ቆፂሮም ዘስርሑ እዞም በዓል ሃፍቲ፡ ከምዝተኣሰሩ ምስተሰምዐ ኣብ ናህቶም ትካላት ስግኣትን ጭንቀትን ኣስዒቡ ነይሩ።

ትካላት እዞም በዓል ሃፍቲ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዘለዎም ግደ ከሞግስ ዝፀንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሸኽ ዓሊ ኣላሙዲ ከምዝተኣሰሩ ብዙሕ እንከይፀንሐ ዕላዊ ገይርዎ።

ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ዝነበሩ ኣይተ ኃይለማርያም ደሳለኝ፡ እዞም በዓል ሃፍቲ ምእሳሮም ስዒቡ ብዝተፈጠረ ተቓውሞ ምላሽ ዝሃቡ እንትኾኑ፡ መንግስቶም ኣብ ጉዳይ ሸኽ ኣላሙዲ ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ከምዘይተቐመጠ ገሊፆም ነይሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ፡ "ስዑድ ዓረብ ሉኣላዊት ሃገር ስለዝኾነት ንሕና ኢድና ክነእቱ ኣይንኽእልን። ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ግና ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ነፃርይ ኣለና" ብምባል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዉ ስራሕቶም ጸገም ከምዘይፍጠር እምነት መንግስቶም ምዃኑ ገሊፆም ነይሮም።

ንኣይተ ኃይለማርያም ብምትካእ ስልጣን ቀዳማይሚኒስትርነት ዝሓዙ ኣብይ ኣሕመድ እውን፡ ናብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ዝተጓዓዙሉ እዋን፡ ምስ ላዕለዎት ሰብመዚ እታ ሃገር ብዛዕባ ሸኽ ኣላሙዲ ከምዝተዘራረቡን፡ ኣብ ቀረባ ካብ ቤትማእሰርቲ ከምዝወፅኡ ቃል ከምዝኣተውሎም ምዝራቦም ይዝከር።

ይኹን'ምበር እቶም በዓልሃፍቲ ካብ ቤትማእሰርቲ እንከይተፈትሑ፡ ንኣዋርሕ ኣብ ስዑድዓረብ ተኣሲሮም ድሕሪ ምፅናሕ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተፈትሑ ተቓሊሑ።

ንምፍታሕ ሸኽ መሓመድ ዓሊ ኣላሙዲ ግደ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ልዑል ከምዝነበረ፡ ፈለጥቲ ውሽጢ ንቢቢሰ ገሊፆም።

Image copyright Anadolu Agency
ናይ ምስሊ መግለጺ ወራሲ ዓራት ልኡል ሞሓመድመድ ቢን ሰልማን

ድሕሪ መጋረጃ እቲ ማእሰርቲ

ስዑድዓረብ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ተዋፊሮም ዘለዉ ሓያሎ ውልቀሰባት ዘመናዊ ሆቴል ሪትዝ ካርልተን ናብ ቤትማእሰርቲ ብምልዋጥ ምስዳጎነቶም፡ እዚ ወፍሪ ፀረ-ግዕዝይና '"ገና ፈላማይ" ከምዝኾነ መንግስቲ እታ ሃገር ገሊፁ ነይሩ።

እዚ ስጉምቲ ድማ፡ ወራሲ ዙፋን ልኡል ሞሓመድ ቢን ሳልማን፡ ንሓድሽ ጉጅለ ፀረ-ብልሽውና ብምምራሕ ኣብታ ሃገር ከምፅእዎ ንዝደለዩ ለውጢ፡ ክንደየናይ ስልጣን ከምዘለዎምን ፅዕንቶ ምፍጣር ከምዝኽእሉን ዘርእይ እዩ ተባሂሉ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንተግባር እዚ ጉጅለ ፀረ-በልሽውና ደጊፎም እዮም። ትራምፕ ኣብ ትዊተር ገፆም፡ " ኣብ ልኡል ወራሲ ዙፋን ዓብይ እምነት ኣለኒ፡ ዝሰርሕዎ ዝፈልጡ እዮም" ክብሉ ኣሞጊሶም ነይሮም።

ንስዑድዓረብ ብቅርበት ዝፈልጣ ፀብፃቢ ድሕንነት ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፍራንክ ጋርድነር ከምዝገልፆ፡ "ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ስዑድዓረብ ይካየድ ዘሎ ምፍላጥን ናይ መፃኢ ምግማትን ኣዝዩ ዘፀግም እዩ። ካብ 85 ዓመታት ንነዘ ተራእዩ ዘይፈልጥ ለውጢ ይረኣይ ኣሎ" ክብል ተዛሪቡ ።

"ማእሰርቲ እዞም ልኡላት፣ ሚኒስትራት ከምኡ እውን ነጋዶ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ" ዝብል ፍራንክ፡ ወራሲ ዙፋን ልኡል ሞሓመድ ቢን ሳላማን ናብ ስልጣን ምምፃእ፡ እታ ሃገር ናብ ካልእ ኣንፈት ይወስዳ ኣሎ " ኢሉ።

ወፍሪ እዚ ማእሰርቲ ምክያዱ ስዒቡ፡ ብስም እቶም እሱራት ተመዝጊቡ ዝርከብ ገንዘብን ንብረትን ንከይንቀሳቐስ ከምዝተኣገደ ሚኒስትር ሓበሬታ ስዑድዓረብ ምግላፁ ይዝከር።

ካብዚ ብተወሳኺ ነዚ ወፍሪ ዘካይድ ጉጅለ ፀረ-ብልሽውና ኣብ ዝኾነ ውልቀሰብ ትእዛዝ ማእሰርቲ ናይ ምውፃእን ጉዕዞ መገሻ ምእጋድን ስልጣን ተዋሂብዎ ስለዝነበረ፡ ካብ ማእሰርቲ ወፃኢ ዝነበሩ ሰብሃፍትን ሰብመዚን ልዕሊ ዓመት ክሰግኡ እዮም ፀኒሖም።

ምርምራ እዚ ግዕዝይናን ማእሰርትን፡ ኣብታ ሃገር ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ፀገም ንምብዳህ ከምዝተጀመረ ዝገልፅ'ኳ እንተኾነ፡ ተንተንቲ ፖለቲካ ግና እዚ ወፍሪ ኣብ ሞንጎ ንጉሳውያን ቤተሰብ ስዑድዓረብ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ፡ ወራሲ ዙፋን ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ስልጣን ንምቁፅፃር ዝወሰድዎ ስጉምቲ እዩ ይብሉ።

ሸኽ መሓመድ ሑሴን ዓሊ ኣል-ኣሙዲ መን እዮም?

ከም ፀብፃብ መፅሄት ፎርብስ፡ ሸኽ ሞሓመድ ሑሴን ኣል-ኣሙዲ ካብ ስዑዳዊ ኣቡኦምን ኢትዮጳዊት ኣደኦምን ኣብ ከተማ ደሴ ተወሊዶም።

ዕድመ እዞም በዓል ሃፍቲ 72 ከምዝኾነ ዝገልፅ መፅሄት ፎርብስ፡ ዘይቲ ነዳዲ፣ ዝተፈላለዩ ምንጭታትን ብናይ ባዕሎም ፃዕሪን ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ዜግነት ስዑድዓረብ ዘለዎም ሸኽ ሞሓመድ ሑሴን ኣል-ኣሙዲ፡ ብቐዋምነት ዝነብሩሉ ኣብ ስዑድዓረብ ኣብ ጅዳ እዩ። ኣብ ወርሒ መጋቢት 2017 እቲ መፅሄት፡ ኣብ ዝርዝር ሃፋትም ዓለም ዝፀርሖም እንትኸውን፡ ሸኽ ሞሓመድ ኣል-ኣሙዲ ዝተፃረየ 10 ነጥቢ 3 ቢልየን ዶላር ንብረት ብስሞሞም ብምምዝጋብ ካብ ዓለም ኣብ መበል 159 ደረጃ ኣቐሚጥዎም ነይሩ።

ይኹን'ምበር መፅሄት ፎርብስ ከም ኣቆፃፅራ አውሮጳውያን 2018፡ ሃፍቲ ሸክ መሓመድ ሑሴን ኣል-ኣሙዲ ኣየናይ ምዃኑ ብትኽክል ምፅራይ ኣይከኣልኩን ብዝብል፡ ስሞም ካብ ዝርዝር ቢልየነራት ዓለም ሰሪዝዎ እዩ።

ስርዓት ደርግ ወዲቑ ኢህወዴግ ነታ ሃገር ምስተቖፃፀረ፡ ናብ ትውልዲ ሃገሮም ብምምፃእ መዋእለ ነዋዮም ዘውፈሩ ሸኽ መሓመድ ሑሴን ኣል-ኣሙዲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ተዋፊሮም ዓበይቲ ምንቅስቓስ ኢንቨስትመንት ዘካይዱ ትካላት ኣለውዎም።

ፍልፍል ሃፍቲ ሸኽ ሞሓመድ ሑሴን ኣል-ኣሙዲ ዋላ እኳ ብዋናነት ዘይቲ ነዳዲ እንተኾነ፡ ኣብ መኣድን፣ ሕርሻ፥ ሆቴል፣ ኮንስትራክሽን፣ ሪልስቴት፣ ሆስፒታል፣ ምርምርን ስልጠናን፣ ፋይናንስን ካልኦት ዘፈራትን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣሜሪካ፣ ኣፍሪቃን ማእኻላይ ምብራቕን ተዋፊሮም ይርከቡ።

እዞም በዓል ሃፍቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ኣብ ዘለዎም ትካላት ንልዕሊ 200 ሽሕ ሰራሕተኛታት ዕድል ስራሕ ዝፈጠሩ እንትኾኑ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ ልዕሊ 70 ትካላቶም ድማ ንልዕሊ 40 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠርሎም ሓበሬታታት የረድኡ።

ካብ ቋንቋታት ወፃኢ ዓረብኛ፣ እንግሊዝኛን ጣልያንኛን ዝዛረቡ ሸኽ መሓመድ ሑሴን ኣል-ኣሙዲ ካብ ውሽጢ ዓዲ ድማ ትግርኛን ኣምሓርኛን ኣፀቢቖም ይዛረቡ።

ኣብ ሃገራት ስዊድንን ሞሮኮን መፃረይ ነዳዲ ብምዕዳግን ጨንፈራቶም ብምኽፋትን ስራሕቶም ቅድሚ ምስፍሖም፡ ኣብ ዘፈር ኮንስትራክሽን (ሪልስቴት) ተዋፊሮም ነይሮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስዊድን ስሙያት ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ሰብ ሃፍቲ ድማ ይፅርሑ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ርኹባት ስዑድ ዓረብ ምስ ዝተኣሰርሉ ሆቴል ክነላልየኩም!

ተወሳኺ ዛንታ