ንኤርትራ ዝጽምብር 'ካርታ ኢትዮጵያ' እንታይ ሳዕቤን ከኸትል ይኽእል?

ካርታ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ
ናይ ምስሊ መግለጺ ካርታ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኤርትራውያንን ገለ ኢትዮጵያውያንን ናይ ማሕበራዊ ሚድያ 'ኲናት' ክካየድ ቀንዩ'ሎ።

መንቀሊ ናይቲ ኣብ ፈይስቡክን ትዊተርን ዝካየድ ዘሎ ርሱን ክትዕ- እታ ንኤርትራ ዝሓወሰት ናይ ቀደም ናይ ኢትዮጵያ ካርታ'ያ።

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት፡ ኣብቲ ኣብ ዱባይ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ድሕሪ ምዕዋቶም፡ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ ኤምባሲ'ታ ሃገር ዜጋታቱ ብዓወት ኣትሌታቶም ዘለዎም ሓጎስ ክገልጹ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ትዊተር ለጢፉ።

ኣብቲ ስእሊ ንኤርትራ ዝሓዘት ናይ ቀደም ካርታ ኢትዮጵያ ስለዝነበረ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣቖጢዑ። ብዙሓት ኤርትራውያን ተቓውሞኦም ምስ ገለጹ ግን፡ እቲ ኤምባሲ፡ነቲ ስእልታት ብምእላይ "በቲ ዝተፈጸመ ጌጋ ይቕሬታ ንሓትት" ኢሉ።

ገሊኦም ብዝተሰነዐ ካርታ (ፎቶሾፕ) ሕነኦም ክገልጹ ዝፈተኑ ኤርትራውያን እውን ኣይተሳእኑን። ንካርታ ኤርትራ ብናይ ቀደም ባንዴራ ስኢሎም: ነቶም ንካርታ ኤርትራ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ዝጸምበሩ 'ዓይኒ ንዓይኒ' ዝብል መልእኽቲ ከመሓላልፉ ፈቲኖም።

ሓደ ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ፓለቲካውያን ጉጅለታት'ውን ንኤርትራ ዝጸምበረ ካርታን ኣርማታትን ስለዘለዎም፡ እዚ ለንቅነ ዝተራእየ ንልዑላዊት ኤርትራ ዝጸንበረ ካርታ፡ ናጽነት ኤርትራ ናይ ዘይተዋሕጠሎም ኣኽረርቲ ስምዒት እዩ ይብሉ ተንተንቲ።

እቲ ንኤርትራ ዝጸምበረ ፈቐድኡ ዝቀላቐል ዘሎ ካርታ ኢትዮጵያ ጠንቅን ሳዕቤንን ምትፍናንን ግጭትን ክኸውን ዘለዎ ተኽእሎ ክሳብ ክንደይ'ዩ? ቅድሚ ሕጂ ዶባት ጎረባብቲ ሃገራት ጸንቢሩ ዝወጽአ ካርታታት እንታይ ሳዕቤን ነይሩዎም?

ኤርትራ፡ ኣብ 1991 ሓርነታ ምስተጎናጸፈት ይኹን፡ ኣብ 1993 ናጽነታ ብወግዒ ምስ ኣወጀት፡ ንዶባት ዝምልከት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘካየደቶ ወግዓዊ ዝርርብ ኣይነበረን ይብሉ ሓደ ሓደ ሰበስልጣን መንግስቲ ነበር።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ጂቡቲን ሱዳንን ኣምባሳደር ኤርትራ ዝነበረ ዓብደላ ኣደም

እቶም ንምምሕዳራዊ ጉዳያት ዝምልከት ዝወጽኡ ሓደ ሓደ ካርታት፡ ብወገን ኤርትራ ዝወጽኡ ይኹኑ ብገለ ጎረባብቲ ዝወጽኡ ካርታታት ንዶባት ሃገር ዝትንክፉ ብምዃኖም፡ ናብ ምስሕሓብን ጎንጽን ኣምሪሖም'ዮም።

ኣብ ዶብ ኤርትራን-ጂቡቲን

ኣብ 1995 ኤርትራ ምስ ጂቡቲ ከይተላዘበት ንዶባት ክልቲአን ሃገራት ዝትክንፍ ካርታድሕሪ ምሕታማ፡ መንግስቲ ጂቡቲ ቁጠዐኡ ብምግላጽ፡ እቲ ካርታ ክሳሓብ ከም ዝጠለበ ኣብቲ እዋን'ቲ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጂቡቲ ዝነበረ ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ገሊጹ።

"እቲ ኩነታት ብውዑዩ እንከሎ፡ ኢሳይያስ ኣብ ዝመርሖ ዝነበረ ኣኼባ ኣምባሳደራት፡ ነታ ጉዳይ ኣልዒለያ፡ እዛ ካርታ እዚኣ ናይ ጂቡቲ መሬት ዘእተወት ብምዃና ጸገም ክትፈጥረልና ትኽእልያ ኢለዮ። ኢሳይያስ ግን ኣይተቐበሎን፡ ክንከላኸለሉን ክንማጎተሉን ንኽእል ኢና ኢሉ ሸለል ኢሉዎ። ብወገነይ ድማ፡ እቲ ጉዳይ ናይ ምጉትን ምክልኻልን ጥራይ ዘይኮነ፡ እዛ ካርታ እዚኣ ናይ ሓቂ እንተኾይና፡ ሰራዊት ጂቡቲ ኣብ መሬትና ኣሎ ማለት'ዩ፡ ምኽንያቱ፡ እታ ካርታ ዝሓቖፈቶ መሬት ወተሃደራት ጂቡቲ ዓስኪሮምሉ ስለዝነበሩ" ይብል።

ድሕሪኡ፡ ኣምባሰዳር ዓብደላ ካብቲ ኣኼባ ምስተመልሰ መንግስቲ ጂቡቲ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ከም ዘልዓሎ ይዝክር።

እቲ ጉዳይ እናተወዓወዐ ብምኻዱ፡ ጂቡቲ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከሲሳ። ኣብቲ እዋን'ቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን ነቲ ጉዳይ ዲፕሎማስያዊ መፍትሒ ንምንዳይ ናብ ጂቡቲ ብምብጻሕ፡ ናይ ሓባር ኮሚቴ ምምስራት ዝብል እማመ ኣቕሪቡ።

እንተኾነ ግን፡ መንግስቲ ጂቡቲ፡ ምስ ኤርትራ ልዙብ ርክብ ስለዘይጸንሖ፡ እታ ካርታ ከይተሳሕበት ምምስራት ሓባራዊ ኮሚቴ ኣገዳስነት ከም ዘይብሉ፡ ከምዝገለጸ ይሕብር።

ምናልባት እቲ ጥቡቕ ዝምድና ኢሳይያስን መለስን፡ ንጂቡቲ ዘግለለ ዝመስል ስምዒታት ፈጢሩ ክኸውን ይኽእል፡ ኣብ ርእሲኡ እውን ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ክትጥቀም ብምውሳና ዝመጽአ ዘይምቅዳው ክኸውን ከምዝኽእል ይግምት ዓብደላ ኣደም።

ብተወሳኺ፡ ኣብ መጀመርታ 90ታት ሓደ ዕጡቕ ተቓዋሚ ጉጅለ ንመንግስቲ ጂቡቲ ኣብ ስግኣት ኣውዲቕዎ ስለዝነበረ ኣብ ጂቡቲ ፓለቲካዊ ዘይምርግጋእ ተፈጢሩ ነይሩ።

Image copyright MAHMOUD ALI YOUSSOUF/TWITTER
ናይ ምስሊ መግለጺ ኤርትራን ጂቡቲን ዲፕሎማስያዊ ዝምድነአን ናብ ንቡር ንምምላስ ይጽዕራ ኣለዋ

ጂቡቲ ክልተ ዓበይቲ ብሄራት ዘለውዋ ሃገር እያ። እቲ ዝበዝሐ እቲ ብዒሳ ዝፍለጥ ጉጅለ ሶማል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝተረፈ 35% ህዝባ ድማ ዓፋር'ዩ። እቲ ምንቅስቓስ ከኣ ናይ ብሄረ ዓፋር ዝመስል ምልዕዓል'ዩ ነይሩ።

እቲ ኲነታት ኣብ ኤርትራ እውን ምልዕዓል ከየናኽስ ስግኣት ስለዝነበረ፡ ጥቡቕ ምክትታል ክግበረሉ ጀሚሩ።

ምምሕዳራዊ ካርታ ክልል ትግራይ

ሓደ ካብ መንቀሊ እቲ ህይወት ልዕሊ 100 ሽሕ መንእሰያት ዝቐዘፈ፡ ኣሻሓት ካልኦት ዘቑሰለ፡ ምምዝባልን ሃብቲ ክልቲአን ሃገራት ዘባኸነን ኣዕናዊ ዶባዊ ኲናትን፡ ንክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ምትፍናን ዘስዓበ እቲ ብህወሓት ዝተሓትመ ካርታ ምንባሩ ክዝረብ ጸኒሑ'ዩ።

እቲ ኣብ 1997 ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዘሕተሞ፡ ንከም በዓል ባድመን ከባቢ ዓሊቴናን ዝርከቡ ገለ ከባቢታትን ዝሓቖፈ ብምንባሩ፡ ብወገን ኤርትራ ተቓውሞ ገጢምዎ። ሓቂ'ዩ ኣብቲ እዋን ባድመ ንባዕሉ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኢትዮጵያ'ዩ ነይሩ።

ሽዑ ኤርትራ፡ እቲ ካርታ ክንዮ ምምሕዳራዊ መዳዩ ፡ ኣብቲ ብኣሃዱ ካርቶግራፊ ኢትዮጵያ ዝተዳለወ ካርታ ሃገር ሰፊሩ፡ ኣብቲ ሽዑ ዝተሓትመ ሓዲሽ ባጤራ እታ ሃገር ብምስፋሩ ዘይሕጋዊ እዩ ክትብል ከሲሳ።

ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም ከም ዝብሎ ግን፡ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ኩናት ዘምረሐ ጉዳይ ኣቐዲሙ ክምዕብል ብዝጸንሐ ምቅሕሓር ከምእተደፍአ እዩ ዝንገር። ምኽንያቱ ድሕሪ ናጽነት፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ትካላዊ ብዘይምንባሩ፡ ንከም ዶብ ዝኣመሰሉ ዓበይቱ ጉዳያት ብደረጃ ሃገር ክታሓዙ ዘይምኽኣሎም ተወሳኺ ጸገም ምንባሩ ይዝክር ዓብደላ።

Image copyright FISTUM AREGA/TWITTER
ናይ ምስሊ መግለጺ ድሕሪ 20 ዓመታት ዝተፈጥረ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ

"ጥዑይ ዝምድና ዘለወን ሃገራት ግን ንዝኾነ ጸገማተን ናይ ካርታ ይኹን ናይ ካልእ ተላዚበን ክፈትሐኦ ይኽእላ እየን። እንተገደደ ከኣ፡ ካብ ዓለማዊ ትካላትን ኣብያተ ፍርድን ሓገዝ ክሓታሉ ይኽእላ እየን" ብምባል፡ ንምቅርራብን ምርሕሓቕን ሃገራት ዝምደነአን ከምዝውስኖ የረድእ።

ብክልቲኦም ወገናት፡ መበገሲ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ቁጠባዊ፡ ዞባዊ 'ጎብለል' ናይ ምዃን ሃቐነን፡ ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዘባልሕዎ ምዃኑን ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ጉዳይ "ዶባዊ" ምዃኑ ስለዘይተረፎ፡ ናብ ዘይሻራዊ ዳንነት ተኣትዩ፡ ካርታታትን ውዕላትን መግዛእቲ ክገናጸል ግድን ኮይኑ። እቲ ኣብ 2002 ብኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ብይን ንባዕሉ ኣብ ካርታ ዝሰፈረ'ዩ ነይሩ።

ሕጂ'ውን እንተኾነ፡ ዋላኳ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ብይን ከም ዘለዎ ክትግብረኦ እንተተሰማምዓ፡ ዛጊት ኣብ ባይታ ንምምልካቱ ዝጀመረኦ መስርሕ ብዘይምህላው ዳግማይ ናብ ግጭት ከይምለሳ ስክፍታታቶም ዝገልጹ ብዙሓት'ዮም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ንጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት "ብንጹር ተመልኪቱን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ተረኪቡ'ዩ። ብዛዕባኡ "እንተን ግናን" ዝበሃል የለን። እቲ ምዕራፍ ተዓጽ'ዩ" ክብል ኣብ ትዊተር ሓቢሩ።

'ዝኸዱ'ውን ክምለሱ'ዮም፡ ኢትዮጵያ እንዳሰፍሐት ክትከይድ'ያ'

እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ክልተ ካርታት ካብቲ ሕጂ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ 'ካርታ ኢትዮጵያ' ፍሉይ ዝገብሮም ግን፡ "ንሉኡላውነት ወይ ሃገርነት ኤርትራ ዝደናደን ኣይኮነን"ብምባል'ዩ ዝገልጾ ኣምባሳደር ዓብደላ።

እቲ ካርታ፡ ንኣህጉራዊ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ብምድምሳስ፡ ንብምልእታ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሕውስ ብምዃኑ'ዩ፡ 'ውጹእ ድርቅናን ንዕቀትን'ዩ' ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ።

ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ከይተረፉ ዘለዎም ዘይዕግበት ዝገለጽሉ ኣጋጣሚ ድማ ኮይኑ'ሎ። በዚ ጉዳይ ብዙሓት ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን ሓደ ድምጺ ዘስምዕሉ እዋን ኮይኑ'ሎ።

እቶም ተርእዮታትን ስምዒታትን ድማ፡ በቲ ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ክጥቀመሎም ዝጸንሐ ቃላትን መግለጺታትን ዝያዳ ይጎሃሃር ምህላው ተንተንቲ ይዛረቡ።

"እዞም ዘለና [ክንብተን] ይትረፍ እቶም ዝኸዱ'ውን፡ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ [ክምለሱ ምዃኖም'ን]፡ ኢትዮጵያ እናሰፍሐትን እናሓየለትን ከም እትኸይድ ዘጠራጥር የብለይን" ዝብል ርእይቶ ምሃቡ ብዙሕ ነቐፌታት ይቐርበሉ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ናይ ኣውሮጳ ዑደቱ "ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ ሓባር ኤምባሲን ሰራዊትን ክህልወና ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዘራሪብና ኢና" ምባሉ እቲ ድሮ ብቃላት መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምጥርጣራት ኣማዕቢሉ ዝጸንሐ ሰብ 'ኣይበልናን'ዶ' የብሎ ከምዘሎን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ህቦቡላ ከምዝፈጠረ ተንተንቲ ይሕብሩ።

Image copyright YEMANE G/MESKEL/TWITTER
ናይ ምስሊ መግለጺ ድሕሪ 20 ዓመታት ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን

ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝገበሮ ርክብ'ውን መንግስቲ ጥልያን ንኣፈናዊ መጽናዕቲ ናይቲ ክህነጽ ዝህቀን ዘሎ መስመር ባቡር ባጽዕ - ኣዲስ ኣበባ ክምውል ፍቓደኛ ምዃኑ፡ ብወግዒ ምስ ገለጸ፡ ብዙሓት ኤርትራውያ፡ መን'ዩ ወግዓዊ ወኪል ኤርትራ ጌርዎ፡ መንግስቲ ኤርትራ'ኸ ስለምንታይ ኣጽቂጡ ዝብሉ ስምዕታታት ከቕርቡ ተራእዮም።

ብዝዕባ'ዚ ዘለዎ ርእይቶ ዝተሓተተ ኣምባሳደር ዓብደላ፡ "ዋላ እውን ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ እያ፡ ኢሎም ዝኣምኑ ወገናት እንተለው፡ እዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት፡ ዘረባ እዞም ሰባት ነቲ ኣብ መንጎና ዝጅምር ዘሎ ሰላም ክዕንቅፍዎ ይኽእሉ እዮም" ኢሉ መግለጺ ክህብ ኣይተራእየን።

ብወገን መንግስቲ ኤርትራ እውን፡ ንልዑላውነት ኤርትራ ዝዳፈር ካርታትን መግለጺታትን እናተዋህበ፡ ስለምንታይ ዝብል መግለጺ ስለዘይተዋህበ እቲ ኩነታት ዝያዳ ኣተሓሳሳቢ ይገብሮ ክብል የረድእ ዓብደላ።

"ስለዚ እዚ ዝበሃል ዘሎ ናይ ወልቀ ሰባትን ገለ ወገናትን'ዩ ኢልካ ጥራይ ክትሓልፎ ቀሩብ የሸግረካ" ብምባል ኮነ ኢልካ ዝግበር ዘሎ ከይከውን ጥርጠራ ከም ዘለዎ ይገልጽ።

እንተኾነ ግን፡ ክልቲአን ሃገራት ብደረጃ ኤምባሲ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዘለወን ምዃኑ ንባዕሉ መርኣያ መግለጺ ልኡላውነተን'ዩ ዝብል ምጉት እውን ኣሎ። እቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝምራሕ መንግስቲ ንኤርትራ ኣሕሊፉ ክህብ'ዩ ማለት 'ዘይሕሰብ'ዩ' ዝብሉ ርእይቶታት'ውን ተሰሚዖም'ዮም።

ብዙሓት ኢትዮጵያውያን'ውን ነቶም 'ንክብሪ ኤርትራውያን ዝትንክፍ' ዝፍጽሙ ወገናቶም ብምቅዋም፡ እቲ ተግባር ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ምትፍናን ከስዕብ ዝኽእል'ዩ ብምባል ይነቕፉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት