ቮልክስዋገን፡ ኣብ ኢትዮጵያ መካይን ምግጥጣም ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ

ቮልስ ዋገን Image copyright AFP

ፋብሪካ መኪና ጀርመን፡ ቮልክስዋገን ኣብ ኢትዮጵያ መካይን ናይ ምግጥጣም መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ቮልክስዋገን ነዚ ዝገለጸ ትማሊ ሰኑይ ክኸውን እንከሎ፡ ፕረዚደንት ሃገረ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣብ ዝገብርሉ ዘለዉ እዋን እዩ።

ቮልክስዋገን ኣብ መግለጺኡ ከምዝበሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፋብሪካ መኪናን ማእኸል መሰልጠንን ክሃንጽ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ቮልክስዋገን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቦም ኣብ ዝዘተይሉ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ከውፍሩ ድልየት ከምዘለዎም ገሊጾም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን፡ ቮልስ ዋገን ኣብ ኢትዮጵያ ፋብሪካ ንምህናጽ መጽናዕቲ ይገብር ከምዘሎ'ውን ገሊጹ ነይሩ።

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዓለም ዝወሓደ ቁጽሪ ወነንቲ መካይን ዘለዋ ሃገር እያ።

ኣብ 2014 ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዘርእዮ፡ ካብ 1 ሽሕ ሰባት እቶም ክልተ ጥራይ እዮም መኪና ዝውንኑ።

ቀረጽ ናብ ዓዲ ዝኣትዋ መካይን ክሳብ 200% ዝበጽሕ ብምዃኑ ድማ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውን መኪና ምዕዳግ ይኸብዶም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት