ሽዱሽተ ታንዛንያውያን ቖልዑ፡ ክፍልታት ኣካሎም ንምውሳድ ተቐቲሎም

ካርታ ታንዛንያ

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ታንዛንያ ሽዱሽተ ቖልዑ ተቐቲሎም፡ አእዛኖምን ኣስናኖም ከምእተወስደ፡ ሰብ መዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።

እቶም ቖልዑ ካብ ክልተ ክሳብ ትሽዓተ ዝዕድመኦም ኮይኖም፡ ናይ ገሊኦም ከንፈሮም'ውን ተቖሪጹ ከም ዝተወሰደ ተፈሊጡ።

ኣመሓዳሪት ኒጃምበ ኮሚሽነር ሩት ምሳፋሪ፡ እዚ ማሪታዊ እምነት ዘኸተሎ ኮይኑ፡ ብዙሓት ነቲ ተግባር ንምፍጻም ብጠንቋሎ ከም ዝተባብዑ ሓቢራ።

ፖሊስ ንሓደ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ከውዕል እንከሎ፡ እቲ ጥርጡር ዘመድ ናይቶም ሰለስተ ዝሞቱ ቖልዑ እዩ።

ኣብ ዞባ ንጆምበ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ዓሰርተ ቆልዑ ጠፊኦም። ኣርባዕተ ካብኦም ድማ ብህይወት ተረኺቦም።

ጸብጻባት ዜና ናይቲ ከባቢ ከም ዝሓበርዎ፡ ሓደ ዕሉል ጠንቋሊ ኣካለት ናይ ሰባት ሃብትን ጽቡቕ ዕድልን ኣብ ምፍጣር ዓቢ ግደ ኣለዎም ኢሉ ይሰብኽ ከም ዝነበረ ሓቢሮም።

"ወለዲ ንደቆም ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ዘይንቡር ምንቅስቓስ ከመይ ገይሮም ከለልዩ ከም ዝኽእሉ ክምህርዎም ኣለዎም" ክትብል ኮምሽነር ዞባ ንጆምበ ሩዝ ምሳፋሪ ንቢቢሲ ሓቢራ።

እዞም ቆልዑ፡ ወለዶም ኣብ ዕዳጋ መግቢ እናሸጡ እንከለዉ እዮም ብለይቲ ካብ ገዝኦም ተወሲዶም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት