መንግስቲ ሱዳን፡ ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ዝተወለዐ ተቓውሞ ዝተኣሰሩ ኩሎም ክፍትሑ ኣዚዙ

ሰልፈኛታት ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ተቓውምኦም እናስምዑ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ብናህሪ ዋጋታት ባኒን ነዳዲን ዝተወለዐ ናዕቢ ጌና ከም ዘይሃድአን

ሱዳን ነቶም ምስቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ብዝተሓሓዝ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ኩሎም እሱራት ንክፍትሑ ውሳነ ኣሕሊፋ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ነቲ ክካየድ ዝጸንሐ ተቓውሞታት ንምግታእ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰልፈኛታት ከም ዝኣሰሩ ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት ይገልጹ።

ብዘይካ'ዚ ኣብቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተኻደ ናዕቢ ልዕሊ 40 ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ ሓያሎ ካልኦት ከም ዝቖሰሉን ይንገር።

እቶም ተቓውሞታት፡ ፕረዚደንት ዑመል ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ክወርድ'ዮም ዝጽውዑ ዘለዉ።

እቲ እሱራት ናይ ምፍታሕ ትእዛዝ ብሓላፊ ስለያን ጸጥታን ሱዳን፡ ሳላሕ ጐሽ ዝተዋህበ ምዃኑ ሚኒስትሪ ዜና ሱዳን ሓቢሩ።

እቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝጸንሑ ሱዳናውያን፡ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ ጋዜጠኛታትን፡ ተሓለቕትን ከም ዝርከብዎም ይግለጽ።

እንተኾነ ግን እቲ ውሳነ፡ ነቶም ፕረዚደንት ዑመል ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጽውዑ ዘለዉ ወገናት በቲ ውሳነ ክዓግቡ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ ይንገር።

ቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ቅልውላዉ ኣትዩሉ ኣብ ዘሎ እዋን እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝግበር ምርጫ ክሳተፍ ተኽእሎ ብምህላዉ፡ ቁጠዐ ናይቶም ኣንጻር መንግስቲ ዝተላዕሉ ወገናት ሰማይ ዓሪጉ ኣሎ።

እቲ ብናህሪ ዋጋታት ባኒን ነዳዲን ዝተወለዐ ናዕቢ ጌና ከም ዘይሃድአን፡ ንነዊሕ እዋን ክቕጽል ከም ዝኽእልን ትጽቢት ይግበር።

ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር፡ ኣብ 1989 እዩ ብወታሃደራዊ ዕልዋ ናብ ስልጣን ደዪቡ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ነታ ሃገር ይመርሓ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት