ኣብ ሶማልያ ዝተኣሰረ ብሪጣንያዊ ካብ መጥቃዕቲ ላማ ድሒኑ

ኣብ ሞቃድሾ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ Image copyright Alamy
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ሞቃድሾ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ

ኣብ ሶማልያ ተኣሲሩ ዝርከብ ብሪጣንያዊ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ እሱራት ብላማ ከጥቅዕዎ ከምዝፈተኑ፡ ሰብ መዚ እቲ ቤት ማእሰርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እዚ ኣብ ልዕሊ ብርጣንያዊ ኣንቶኒ ቶማስ ዝተገበረ ፈተነ መጥቃዕቲ፡ ኢድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣባላት ኣልሸባብን ዳዕሽን ከም ዘለዎ ተፈሊጡ።

ኣንቶኒ ቶማስ፡ ቅድሚ ዓሰርተ መዓልታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቃድሾ ኣብ ቦርስኡ ብዙሕ ዘንብዕ ትኪ ሒዙ ስለ ዝተረኸበ'ዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

እቲ ብሪጣንያዊ፡ ካብ ሞቓድሾ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጓዓዘሉ እዋን እዩ፡ ኣብ ቦርስኡ ብርክት ዝበለ መንብዒ ትኪ ዝተረኸቦ።

ኣብ ቦርስኡ ዝሓዞ ዘንብዕ ትኪ ከም ዘሎ ስለ ዘይሓበረ፡ ናይ ህዝቢ ውሕስነት ኣብ ሓደጋ ብምእታው'ዩ ክሲ ቀሪብሉ ዘሎ።

ኣንቶኒ ቶማስ፡ በዚ ናይ ላማ መጥቃዕቲ ኣብ ከባቢ ክሳዱ ፎኪስ መጉዳእቲ ከም ዘጋጠሞ ምክትል ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ሞቃድሾ ዓብደልከሪም ዓሊ ኣፍራሕ ሓቢሩ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ዓብደልከሪም ዓሊ ኣፍራሕ

ዓብደልከሪም ዓሊ ኣፍራሕ ብተወሳኺ፡ ሓለውቲ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ንኣንቶኒ ቶማስ ካብ ሓደጋ ከም ዘድሓንዎ ሓቢሩ።

"ሓደ ካብቶም ፈጸምቲ እቲ ሓደጋ፡ ንክሳድ ኣንቶኒ ቶማስ ንምሕራድ ኣብ ዝፈተነሉ ኣድሒንናዩ፡ ኣብዚ ስዓት እዚ ክኣ ኣብ ደሓን ኩነታት'ዩ ዘሎ" ክብል ምስ ቢቢሲ ሶማልያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ሓቢሩ።