'ቴዲ ማንጁስ' ሓድሽ ክሲ ብልሽውና ተመስሪቱዎ

ኣይተ ቴድሮስ ኣዲስ (ቴዲ ማንጁስ) Image copyright TEDDY MANJUS

ንጡፍ ተሳታፊ ማሕበራዊ ሚድያ ኣይተ ቴድሮስ ኣዲስ (ቴዲ ማንጁስ)፡ ኣብ ክልል ሶማሌ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝነበረ ጎንጺ፡ ኢድ ነይርዎ ብዝብል ተጠርጢሩ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝእሰር ልዕሊ ኣርባዕተ ወርሒ ኮይንዎ'ሎ።

እዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዘካይዶ ፖለቲካዊ ንጥፈት ዝፍለጥ መንእሰይ፡ ትማሊ ሓሙስ 30 ጥሪ ብፈረንጂ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራል፡ ብ 80 ሽሕ ብር ዋሕስ ክፍታሕ ወሲኑሉ እኳ እንተነበረ፡ ሕዚ ድማ ሓድሽ ክሲ ተመስሪቱሉ ስዘለዘሎ፡ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝጸንሕ ጠበቕኡ ሓቢሩ።

በዓል ሞያ ሕጊ ጠበቓ 'ቴዲ ማንጁስ' ዳግም ተሾመ፡ ክሲ ኣይተ ቴድሮስ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክቀያየር ከምዝጸንሐ ይዛረብ።

"ኣብ ፈለማ፡ ሄጎ ንዝተብሃለ ጉጅለ ማልያ ኣሐቲምካ ዘርጊሕካ፡ ከምኡ እውን ኣብ ፌስቡክ ዝተፈላለዩ ፅሑፋትን ቪድዮታትን ኣቕሪብካ ዝብል ክሲ እዩ ቀሪብሉ።

ፖሊስ ነዞም ምኽንያታት ግዜ ንምዕዳግ ተጠቒሙ ካልኦት ንሕና ዘይንኣምኖሎም ክስታት እውን ኣቕሪቡ" ይብል። እንተኾነ ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ክምስርተሉ ዘኽእል መረዳእታ ኣይረኸበን ድማ ይብል ወሲኹ በዓል ሞያ ሕጊ ዳግም ተሾመ።

"እቲ ዘገርም ነገር፡ ፖሊስ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ግዘ ቆፀሮ እንትሓትት ብተደጋጋሚ ዝተጨበጡ መረዳእታታትን መሰኻኽርን ኣለዉኒ እዩ ዝብል ነይሩ።

እቲ ምርመራ ወዲኡ ናብ ዓቃቢ ሕጊ ምስኣቕረበ ግና፡ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ነቲ መዝገብ ብምምርማር ክሲ ንምምስራት ዘኽእልን እቲ ዝተኸሰሰሉ ተግባር ስለምፍፃሙ ዘረጋግፅን እኹል መረዳእታ የለን እዩ ኢሉ።

ስለዚ ብቖጸራታት ክከላበት ኣይግባእን ብምባል ብዋሕስ እንተወፂኡ ከምዘይቃወም ገሊፁ። ቤትፍርዲ ድማ ብ80 ሽሕ ብር ብዋሕስ ንክፍታሕ ወሲኑ" ክብል የረድእ።

ይኹን'ምበር ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እቲ ተጠርጣሪ ተወሳኺ ክሲ ስለዘቕረበ፡ ኣይተ ቴድሮስ ኣብ ቤትማእሰርቲ ክፀንሕ ከምዝግድ ጠበቕኡ ሓቢሩ።

እቲ ሓድሽ ክሲ እንታይ'ዩ?

ጠበቓ ተኸሳሲ ኣይተ ዳግም ተሾመ ከምዝበሎ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣይተ ቴድሮስ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝቐረበ ሓድሽ ክሲ ምስ ብልሽውና ዝዛመድ እዩ።

"እዚ ክሲ፡ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ሶማል ምስ ዘሕትሞም መፃሕፍቲ ዝተተሓሓዘ ኮይኑ፡ ፖሊስ ብልሽውና ተፈፂሙ ዝብል እምነት ስለዘለኒ፡ ተወሳኺ ናይ ምርመራ ግዜ ይወሃበኒ ኢሉ ስለዝሓተተ፡ ትማሊ [ሰሉስ] ናይ 14 መዓልቲ ቖጸራ ተፈቒዱሉ" ኢሉ ኣይተ ዳግም።

እቲ ዝቕጽል ቆጸራ ን 5 መጋቢት ስለዝተውሃበ፡ ኣብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ፌደራል፡ ዓስራይ ተረኛ መጋባእያ ገበን፡ ነቲ ዝተውሃቦ መሰል ዋሕስ ርእዩ፡ ዋሕስ እንተዘይፈቒድሉ፡ ሕዚ ካብ ቤትማእሰርቲ ኣይፍታሕን ኢሉ እቲ ጠበቓ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት