ሓደጋ ጃልባ ጂቡቲ፡ 16 ኢትዮጵያዊያን ድሒኖም

ኣብ ጥቓ ጅቡቲ ዝርከብ ባሕሪ ክልተ ጀልባታት ተገልቢጠን ጉድኣት በፂሑ። Image copyright IOM
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ጥቓ ጅቡቲ ዝርከብ ባሕሪ ክልተ ጀልባታት ተገልቢጠን ጉድኣት በፂሑ።

ኣብ ጥቓ ጂቡቲ ኣብ ባሕሪ ክልተ ጃልባታት ምግልባጠን ስዒቡ 52 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ኣፍሊጡ።

እዘን ጀልባታት ናብ የመን እናተጓዓዛ ሓደጋ ምስ በጽሐን፡ እቲ ትካል ህይወት ግዳያት ንምድሓን ኣትሪሩ ይሰርሕ ከምዘነበረ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ እካል፡ መብዛሕተኦም ተሳፈርቲ ኢትዮጵያዊያን ምዃኖም ዘፍለጠ እንትኸውን፡ ካብ መንጎኦም 16 ብህይወት ምትራፎም ሎሚ መዓልቲ ገሊፁ።

"ሬሳ ኣዕኽትኻ ረጊጽካ ዳርጋ ምሕላፍ እዩ"

ቢቢሲ ካብ ጂቡቲ ብስልኪ ዘዘራረቦ፡ ኢትዮጵያዊ ነቢል ኑር፡ "ብሰኑይ ቁጽሮም ልዕሊ 20 ዝኾነ ሰባት ካብዚ ተልዒሎም ከይዶም። ኣብተን ዝተገልበጣ ጀልባታት ኣብ ሓዲአን ከምዝነበሩ ፈሊጠ ኣለኹ። ንየመን ዝኸዱ ሰባት ሪጋ ዝሕዙ ኣብዚ ቦታ እዩ" ኢሉ።

ክልተ ዓዕሩኽቱ ድማ በዚ ሓደጋ ከምዝሰኣነ ነቢል ይዛረብ።

"እቲ ዘሕዝን ግን ሕዚ'ውን ናብ የመን ከኸዱ ሪጋ ዝሓዙ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ምህላዎም ምርኣይ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ወደብ ልዕል ስለዝበለ ብጣዕሚ ሓደገኛ እዩ። ሐዚ ንምጉዓዝ ምውሳን ኣብ ልዕሊ ሬሳ ኣዕሩኽትኻ ረጊጽካ ዳርጋ ምሕላፍ እዩ"።

ወኪል ኣይ ኦ ኤም ኣብ ጂቡቲ ላሊኒ ቬራሳሙደ ብወገኑ፡ " ዝሓሸ ህይወት ንምእላሽ ኣብ ልዕሊ ዝወፈሩ ከምዚ ዓይነት መስካሕኽሒ ሓደጋ እንትበጽሕ ምርኣይ ብጣዕሚ'ዩ ዘሕዝን። መንግስቲ ጂቡቲ ድጋፍ ከምዝገብር ሓቢሩልና ኣሎ። ንሕና'ውን ንሓዋሩ ዝኸኣልናዮ ክንገብር ኢና" ኢሎም።

Image copyright IOM

ኣብዚ ዝሓዝናዮ ሰሙን መጀመርታ፡ እቲ ትካል ኣብ የመን ዝርከቡ ኣስታት 350 ናብ ዓዶም ክምለሱ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንክምልሶም ምድላዉ ዛዚሙ ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

እዚ ብዝምልከት፡ ኣብ የመን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት "ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ዕድል ጸቢብ እንተኾነ 'ኳ ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ብዝተገብረ ዝርርብን ጻዕርን ንክምለሱ እናተሰርሐ እዩ" ኢሎም ።

ኣብ የመን ከተማ ዓደን ዝርከቡ ተወካሊ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያውያን ኣይተ ዳውድ ሲራጅ፡ ኣብታ ሃገር ብዘሎ ቅልውላው ፖሊተካን ቁጠባን ምኽንያት ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ድሌት ከምዘለዎም የረድኡ።

ይኹን'ምበር "እንታይ ሒዝና ኢና ክንምለስ? ኣብ ዓዲ ከይድናኸ እንታይ ክንሰርሕ ኢና?" ዝብሉ ሕቶታት ናብ ሓንጎሎም እመናተመላለሰ ኣብ ዕንክሊል ኣትዮም ኣለዉ ኢሎም።

ፈረንሳ ሓድሽን ተሪርን ረቂቕ ሕጊ ስደተኛታት ኣፅዲቓ

ፈረንሳ ሓድሽን ተሪርን ረቂቕ ሕጊ ስደተኛታት ኣፅዲቓ