ብደብዳብ ኣውስትራልያ፡ ሰላማውያን ዒራቓውያን 'ተቐቲሎም ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም' ተባሂሉ

ኢራቕ፡ ከተማ ሞሱል ብኣየር እናተደብደበት Image copyright AFP/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ከተማ ሞሱል

ሰራዊት ምክልኻል ኣውስትራልያ፡ ንኣይሲስ (ዳዕሽ) ንምድብዳብ ኣብ ኢራቕ ብዝፈጸሞ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ፡ ክሳብ 18 ሰላማውያን ኢራቓውያን ተቐቲሎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ።

ብኣሜሪካ ዝምራሕ ልፍንታዊ ሓይሊ ኣብ 2017 ንከተማ ሞሱል ዳግማይ ንምቁጽጻር ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ እዩ እዚ ክስተት ኣጋጢሙ።

እንተኾነ፤ እዞም ሰለማውያን ሰባት ብሓይልታት ኣውስትራልያ ድዮም ዋላስ ብኻልኦት መላፍንቲ፤ ወይ'ውን "ብኻልኦት ሓይልታት" ተቐቲሎም፡ ብርግጽ ክፍለጥ ከም ዘይክኣል ሰራዊት ምክልኻል ኣውስትራልያ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ምክልኻል ኣውስትራልያ፡ እቲ ሞት ሰለማውያን ሰባት "ኣዝዩ ዘጣዕስ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።

ሰብ መዚ ሓይሊ ኣየር ኣውስትራልያ፤ ካብ ሰራዊት ሓይሊ ምድሪ ኢራቕ ብዝቐረበሎም ሕቶ፡ ኣብ 13 ሰነ 2017 ንሰራዊት ዳዕሽ ንምጥቃዕ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ከምዝደብደቡ ገሊጾም።

ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ፡ ብኻልእ ልፍንታዊ ሓይሊ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣየር ተፈጺሙ ነይሩ እዩ።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ዝተገበረ ዳህሳስ፡ ዋልኳ ዝሞቱ ሰለማውያን ሰባት ከምዘለዉ እንተዘይኣርኣየ፡ ድሒሩ ግን ዝሞቱ ሰልማውያን ሰባት ከምዘለዉ "ተኣመንቲ" ጸብጻባት ከምዝወጹ ሰብመዚ ተዛሪቦም።

ኣብ መጀመርታ ክሳብ 34 ሰለማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ'ኳ ተገሊጹ እንተነበረ፤ ምጽራያት ድሕሪ ምግባር ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ካብ 6 ክሳብ 18 ዝኾኑ ሰለማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብር ሰራዊት ምክልኻል ኣውስትራልያ ይገልጽ።

"ኣብረርቲ ነፈርትናን እቶም ነዚ ውሳነ ዝወሰኑን፤ ሞት ሰላማውያን ሰባት ንምውጋድ ዝክኣሎም ገይሮም'ዮም። ሓደ ሓደ ግዜ ግን፡ ዘይክኣለሉ ኣጋጣሚ ኣሎ" ይብል ኣየር ማርሻል ኣውስትራልያ መል ሁፕፈልድ።

መል ሁፕፈልድ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዕላምኡ ወቒዑ እዩ፡ ነዚ ንምግባር ከኣ እቲ ግቡእ መስርሕ እዩ ተኸቲሉ፡ ስለዚ ዝኾነ መቕጻዕቲ ወይ ስጉምቲ ኣይክውሰድን'ዩ ኢሉ።

ካብ 2014 ጀሚሩ፤ ብልፍንታውያን ሓይልታት ብዝተገበረ ናይ ኣየር ደብዳብ፡ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ብውሕዱ 1190 ሰለማውያን ሰባት ከም ዝተቐተሉ ይፍለጥ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት