ሶማልያ፡ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ኣዛዚ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ኣፍሪቃ ኮይኑ ተመዚዙ

ኣምባሳደር ፍራንሲስኮ ማደይራ (የማን) ምስ ሌተናንት ጀነራል ጥጋቡ ይልማ ወንድምሁነኝ Image copyright Amisom/twitter
ናይ ምስሊ መግለጺ 'ኣሚሶም' ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕን ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ኣብ ሶማልያ እዩ

ኢትዮጵያዊ ሌተናንት ጀነራል ጥጋቡ ይልማ ወንድምሁነኝ፡ ኣዛዚ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣፍሪቃ (ኣሚሶም) ኣብ ሶማልያ ኮይኑ ተመዚዙ። ንሱ፡ ካብቲ ንሓደ ዓመት ነቲ ሰራዊት ዝመርሐ ዩጋንዳዊ ሌተናንት ጀነራል ጂም ቢስግየ ኦዎየሲጊረ እዩ ነቲ ሓላፍነት ተረኪቡ ዘሎ።

ኣሚሶም፡ ኣብ ጥሪ 2007 ብቡራኴ ውድብ ሕቡራት ሓገራት ዝቖመን ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕን ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ኣብ ሶማልያ እዩ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ኣምባሳደር ፍራንሲስኮ ማደይራ፡ "ተልእኾ ናይ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ኣዝዩ በዳሂ'ዩ፡ እንተኾነ ግን ክንስዕሮ ድልዋት ኢና" ክብል ኣብቲ ትማሊ ኣብ ርእሰከተማ መቛዱሾ ዝተኻየደ ናይ ምርኽኻብ ስነስርዓት ተዛሪቡ።

ነቲ ካብ ኣኽራሪ ዕጡቕ እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ዝምንጩ ናይ ጸጥታ ስግኣት ኣብ ምጉዳልን፡ ንናይ መንግስቲ ናይ ጸጥታ ሓይልታት ምሕያልን ምድጋፍን ካብ ቀንዲ ተልእኾታቱ እዮም።

እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ኣሚሶም ቀጻሊ መጥቃዕትታት ከካይድ ከም ዝጸንሐን፡ ብዓሰርታት ዝቑጸሩ ካብ ኣባላቱ ኣብ ሶማልያ ከም ዝሞቱን ይንገር።

ኣሚሶም ብወገኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንጹሃት ሶማላውያን ብምቕታል ክውንጀል ጸኒሑ'ዩ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ሶማልያ ዘሎ ፓለቲካውን ጸጥታውን ዘይምርግጋእ ንምህዳእ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ባዕሉ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ኣብታ ሃገር ከእቱ ብዝወሰኖ መሰረት'ዩ፡ ተልእኾኡ ጀሚሩ።

ሰራዊት ኣሚሶም ካብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ዩጋንዳ፡ ብሩንድን ጂቡቲን ዝተዋጸጽኡ ወታሃደራት ዝቖመ'ዩ። ጋና፡ ሰራልዮን፡ ዛምብያን፡ ናይጀርያ፡ ኬንያን፡ ዩጋንዳን ድማ ኣባላት ፓሊስ ዝደዳ ሃገራት'የን።

ካብ 2017 ጀሚሩ ድማ፡ ደረጃ ብደረጃ፡ ሓላፍነቱ ንሓይልታት ጸጥታ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ንምርካብ ክጽዕር ጸኒሑ። ይኹን እምበር፡ ሶማልያ ጌና ሕጂ'ውን ከቢድ ናይ ጸጥታ ብድሆታት ዘለዋ ሃገር ኮይና ትቕጽል ብምህላዋ፡ ተልእኾ ናይቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክናዋሕ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ይግመት።

Image copyright Amison/twitter

ቅድሚ ኣሚሶም፡ ብዞባዊ ውድብ ኢጋድ ዝምራሕ 'ኢጋሶም' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ወታሃደራዊ ሓይሊ ከም ዝነበረን፡ ጸኒሑ ብኣሚሶም ከም ዝተዋሕጠን ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ 2006 ኢትዮጵያ፡ ነቲ ካብታ መንግስቲ ኣልባ ኮይና ዝተረፈት ሶማልያ ዕጡቓት ጉጅለታት ዘበገስዎ መጥቃዕትታትን ስግኣታትን ንምግታእ ብምባል፡ ሰራዊት ኣብ ሶማልያ ድሕሪ ምእታዋ፡ ነቶም ኣብቲ እዋን ዳርጋ ስልጣን ጨቢጡ ዝነበረ ጉጅለ ሕብረት እስላማዊ ቤት ፍርዲ 'ያ።

ገለ ካብኣቶም ድማ፡ ንጉጅለ ኣልሸባብ ብምቛም ኣብታ ሃገር ከቢድ ናይ ጸጥታ ስግኣት ፈጢሮም ይርከቡ።

ስርዓት ስያድ ባረ ኣብ 1990 ካብ ስልጣኑ ካብ ዝወርድ ጀሚሩ፡ ሶማልያ ብቀቢላዊ ሓድሕዳዊ ኲናትን፡ ሽበራን ክትሕመስ ዝጸንሐት ሃገር'ያ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝባ ድማ ብሰንኪ'ቲ ዘይምርግጋእ ኣብ ስደት ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኢሉ ይርከብ።