ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ደናግል ካቶሊክ ቤተክርስትያን ግዳይ ጾታዊ ርክብ ካህናት ኮይነን

ጳጳስ ፍራንሲስ Image copyright EPA

ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ካህናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ንደናግል ከም ዝዕምጽወንን ባሮት ጾታዊ ርክብ ከም ዝገብርወንን ኣሚኖም።

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ቅድሚኦም ዝነበሩ ጳጳስ ቤኔዲክት፡ ብካህናት እታ ቤተክርስትያን ዝዕመጻ ናይ ዝነበራ ማሕበር ደናግል ንኽዓጹ ከም ዝተገደዱ ሓቢሮም።

ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ደቂኣንስትዮ ፈለስቲ ብካህናት እታ ቤተ-ክርስትያን ጾታቂ ዓመጽ ከም ዝበፅሐን ንኽእመኑ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።

ሓንቲ ህፃን ኣብ ቤት-ምግቢ ምዕማፃ፡ ቁጠዐ ፈጢሩ

ጳጳስ ፍራንሲስ ስደተኛታት ዝሓዛ መራኽብ መዕለቢ ክረኽባ ጸዊዑ

ኩሎም ኣቡናት ቺሊ ክወርዱ ሓቲቶም

ዋላ'ኳ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ትጽዕር እንተሃለወት፡ እቲ መጥቃዕቲ ክሳብ ሕጂ ይፍፀም ከም ዘሎ ግና ኣይከሓዱን።

እቶም ጳጳስ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝገለጹ፡ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ የካይድዎ ኣብ ዘለዉ ታሪኻዊ ዑደት፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ'ዩ።

ካህናትን ኤጲስ ቆጰሳትን እታ ቤተክርስትያን፡ ኣብ ልዕሊ ፈለስቲ ጥቕዓት ይፍፅሙ ምህላዎም እታ ቤተክርስትያን ከም ትፈልጥን፡ እዚ ንምፍታሕ ይስራሕ ከም ዝሎ'ውን ገሊጾም።

ህንዲ ምስ ህፃናት መርዑ ዝግበር ፆታዊ ርክብ፡ ገበን ምዃኑ ደንጊጋ

ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ፈለስቲ እታ ቤተክርስትያን ይፍፀም ዘሎ ፆታዊ ዓመፅ ሱር ዝሰደደ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ጳጳስ ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሓደሽቲ ጉባኤታት (እኩባት ምእመናን) ዝገደደ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ ዓለምለኻዊ ማሕበር ደናግል ካቶሊካውያን ቤተክርስያን፡ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተክርስትያን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ፣ ሱቕታን ሚስጥራውነትን ብምትሓዙ ከም ዝኾነና ይዝከር።

ቅድሚ ዝተወሰኑ መዓልታት እውን መፅሄት ደቂ ኣንስትዮ ቫቲካን፡ ነቲ ዝፍጸም ጥቕዓት ብምቅዋም፡ ብካህናት እታ ቤተክርስትያን ተዓሚፀን ዝጠነሳ ፈለስቲ እቲ ጥንሲ ንክሰዳ (ንክንፅላ) ከም ዝተገደዳ ኣመልኪቱ።